ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 119

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

ዮሃንስ 14:1-31

  • የሱስ ቦታ ኼዳሉ ኸም ዚኸይድ ገለጸ

  • ንሰዓብቱ፡ ሓጋዚ ኸም ዚህቦም ኣተስፈዎም

  • ኣቦ ኻብ የሱስ ይዓቢ

የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኣብታ ደርቢ ኸሎ፡ ድራር ዝኽሪ እውን ድሕሪ ምስራዑ፡ “ልብኹም ኣይረበሽ። ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይ እውን እመኑ” ኢሉ ኣተባብዖም።—ዮሃንስ 13:36፣ 14:1

የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ፡ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ። . . . ከይደ ቦታ ዘዳልወልኩም ካብ ኰንኩ፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽመጽእን ናባይ ክወስደኩምን እየ” ብምባል ብምኻዱ ኸይርበሹ ኣተባብዖም። እቶም ሃዋርያቱ ግና ናብ ሰማይ ብዛዕባ ምኻዱ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣይተረድእዎን። ስለዚ፡ ቶማስ፡ “ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ነቲ መገዲ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጦ ንኽእል፧” ኢሉ ሓተቶ።—ዮሃንስ 14:2-5

የሱስ ከኣ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። እወ፡ ሓደ ሰብ ንየሱስን ንትምህርትታቱን እንተ ተቐቢሉ፡ ንመገዲ ህይወቱ እውን እንተ ስዒቡ ጥራይ እዩ ናብታ ሰማያዊት ቤት ኣቦኡ ኺኣቱ ዚኽእል። የሱስ ቀጺሉ፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ።—ዮሃንስ 14:6

እቲ ብኣትኵሮ ዝሰምዖ ዝነበረ ፊልጶስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንኣቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና” በሎ። ፊልጶስ ከምቲ ሙሴን ኤልያስን ኢሳይያስን ዝረኣይዎ ራእይ ኪርኢ ደልዩ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ሃዋርያት ግና ካብቲ ራእይ እቲ ዚበልጽ ነገር ርእዮም ነይሮም እዮም። የሱስ፡ “ፊልጶስ፡ ክንድዚ ዚኣክል ግዜ ምሳኻትኩም ከለኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኢሉ ኺምልስ ከሎ፡ ነዚ እዩ ዜጕልሓሉ ነይሩ። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜንጸባርቕ፡ ምስኡ ምንባርን ንዕኡ ምዕዛብን ንኣቦ ኸም ምርኣይ እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ፡ ኣቦ ኻብ ወዲ ይዓቢ እዩ፣ ስለዚ ድማ እዩ የሱስ፡ “እቲ ንዓኻትኩም ዝነግረኩም፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ” ዝበለ። (ዮሃንስ 14:8-10) የሱስ ብትምህርትታቱ ኺምስገን ዚግብኦ ኣቦኡ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ፣ እቶም ሃዋርያት ከኣ ነዚ ተገንዚቦም እዮም።

የሱስ ዜደንቕ ግብርታት ኪገብርን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽን ከሎ፡ ሃዋርያቱ ርእዮምዎ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ፡ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ንሱ እውን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ኪገብር እዩ፣ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት እውን ኪገብር እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 14:12) የሱስ፡ ካብቲ ናቱ ዚዓቢ ተኣምራት ኪገብሩ እዮም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣገልግሎቶም ንዝነውሐ ግዜን ኣብ ዝሰፍሐ ቦታን ንዝያዳ ህዝብን ኪበጽሕ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

የሱስ ምስ ከደ፡ ደቀ መዛሙርቱ በይኖም ኣይተሓድጉን። ከመይሲ፡ “ብስመይ ገለ እንተ ለሚንኩም፡ ክገብሮ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም እዩ። ብዘይካዚ፡ “ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚኸውን ካልእ ሓጋዚ ኺህበኩም እዩ፣ እዚ ኸኣ እቲ . . . መንፈስ ሓቂ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 14:14, 16, 17) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻልእ ሓጋዚ እተባህለ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም ቃል ኣተወሎም። እዚ ድማ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ዀነ።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፣ ንስኻትኩም ግና፡ ኣነ ህያው ስለ ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩም እውን ህያዋን ስለ እትዀኑ፡ ክትርእዩኒ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 14:19) የሱስ ንዓታቶም ድሕሪ ትንሳኤኡ ተራእይዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሕሪ ግዜ ምስኡ ኣብ ሰማይ መንፈሳውያን ፍጡራት ኪዀኑ እውን ኬተንስኦም ምዃኑ እዩ ሓቢርዎም።

ድሕርዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። እቲ ዜፍቅረኒ ድማ፡ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ ኸኣ አፍቅሮ፡ ርእሰይ እውን እገልጸሉ እየ” ብምባል ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ ሓቂ ገለጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ታዴዎስ እውን ዚብሃል ሃዋርያ ይሁዳ፡ “ጐይታይ፡ እንታይ ስለ ዝዀነ ኢኻ ርእስኻ ንዓለም ዘይኰነስ፡ ንዓና ኽትገልጽ ዝሓሰብካ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፣ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ እዩ፣ . . . እቲ ዘየፍቅረኒ፡ ቃለይ ኣይሕሉን እዩ” ኢሉ መለሰ። (ዮሃንስ 14:21-24) ዓለም ከም ሰዓብቱ ብዘይምዃና፡ የሱስ መገድን ሓቅን ህይወትን ምዃኑ ኣይተለልን እያ።

የሱስ ዚኸደሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ ነይሩ፣ እሞ ደኣ ደቀ መዛሙርቱ ንዅሉ እቲ ንሱ ዝመሃሮም ከመይ ገይሮም እዮም ኪዝክርዎ፧ የሱስ፡ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ ሓጋዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ እውን ኬዘክረኩም እዩ” በሎም። እቶም ሃዋርያት፡ መንፈስ ቅዱስ ዚገብሮ ዓበይቲ ግብርታት ስለ ዝረኣዩ፡ እዚ ኣጸናኒዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣስዒቡ፡ “ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይ እውን እህበኩም ኣለኹ። . . . ልብኹም ኣይረበሽ፡ ኣይፍራህ ከኣ” በሎም። (ዮሃንስ 14:26, 27) እምበኣር፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚርበሹሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን፣ ካብ ኣቦ የሱስ መምርሕን ዕቝባን ከም ዚረኽቡ ቃል ተኣትዩሎም እዩ።

የሆዋ ኸም ዜዕቍቦም ዚሕብር መርትዖ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተራእዩ። የሱስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ። . . . ንሱ ኣባይ ዋላ ሓንቲ ስልጣን የብሉን” በለ። (ዮሃንስ 14:30) ድያብሎስ ኣብ ይሁዳ ኺኣቱን ኣብኡ ስልጣን ኪህልዎን ክኢሉ እዩ። የሱስ ግና ድኽመት ስለ ዘይብሉ፡ ሰይጣን ንዕኡ ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዚኸውን ኪገብሮ ኣይከኣለን። ብዘይካዚ ድማ፡ ድያብሎስ ንየሱስ ብሞት ኪቕይዶ ኣይከኣለን። ስለምንታይ፧ የሱስ፡ “ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ . . . ከምኡ እገብር ኣለኹ” በሎም። ኣቦኡ ኸም ዜተንስኦ ርግጸኛ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 14:31