ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 122

የሱስ ኣብታ ደርቢ ዝጸለዮ ናይ መዛዘሚ ጸሎት

የሱስ ኣብታ ደርቢ ዝጸለዮ ናይ መዛዘሚ ጸሎት

መዛዘሚ ጸሎት ዮሃንስ 17:1-26

  • ንኣምላኽን ንወድን ምፍላጥ እንታይ ከም ዜምጽእ

  • ሓድነት የሆዋን የሱስን ደቀ መዛሙርቱን

የሱስ በቲ ንሃዋርያቱ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ተለዓዒሉ፡ ነቲ ዘይተርፍ ምኻዱ ድሕሪ ምድላዉ፡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፡ “ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ፣ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ስልጣን ዝሃብካዮ እውን፡ ንዅሎም እቶም ዝሃብካዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ” ኢሉ ናብ ኣቦኡ ጸለየ።—ዮሃንስ 17:1, 2

የሱስ ብቐዳምነት ዜገድስ ነገር ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ዝጠቐሶ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ግና ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! የሱስ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ስልጣን” ስለ እተዋህቦ፡ እቲ ንሱ ዚኸፍሎ በጃ ዜምጽኦ ጥቕምታት ንዅሎም ደቂ ሰብ ኬካፍል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እተወሰኑ ጥራይ እዮም ዚባረኹ። ስለምንታይ እዮም እተወሰኑ ጥራይ ዚባረኹ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ንጥቕምታት እቲ ንሱ ዝኸፈሎ በጃ፡ ነቶም ምስቲ ቐጺሉ ዝጠቐሶ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ሰባት እዩ ዜካፍሎም።—ዮሃንስ 17:3

ሓደ ሰብ ንኣቦን ንወድን ኣጸቢቑ ኺፈልጦም፡ ጥብቂ ርክብ ድማ ኪምስርት ኣለዎ። ከም ናታቶም ዓይነት ስምዒት ኬሕድር ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያቶም ንምቕዳሕ ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ። ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ፡ ልዕሊ እቲ ሰባት ዚረኽብዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኸኣ ኪርዳእ ኣለዎ። የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ናብዚ ፍረ ነገር እዚ ተመልሰ፦

“ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ። ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ ምሳኻ ጌርካ ኣኽብረኒ።” (ዮሃንስ 17:4, 5) እወ፡ የሱስ ብትንሳኤ ኣቢሉ ናብ ሰማያዊ ኽብሩ ኺምለስ እዩ ዚሓትት ነይሩ።

ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ኣገልግሎቱ ስለ ዘይረስዖ፡ “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም ኣለኹ። ናትካ እዮም ነይሮም፡ ንዓይ ከኣ ሂብካኒ፡ ቃልካ እውን ሓልዮም እዮም” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:6) ኣብ ኣገልግሎቱ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰነን ዜውስእ ነይሩ። የግዳስ ንሃዋርያቱ፡ እቲ ስም እቲ ዚውክሎ ነገራት፡ ማለት ባህርያት ኣምላኽን ምስ ሰባት ርክብ ዚገብረሉ ኣገባብን ኣፍሊጥዎም እዩ።

እቶም ሃዋርያት ከኣ ንየሆዋን ነቲ ወዱ ዘለዎ ግደን ነቲ የሱስ ዝመሃሮም ነገራትን ፈሊጦም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ብትሕትና፡ “እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሂበዮም እየ፡ ንሳቶም እውን ተቐቢሎምዎ እዮም፣ ኣነ ወኪልካ ዀይነ ኸም ዝመጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈሊጦም እዮም፣ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ እውን ኣሚኖም እዮም” በለ።—ዮሃንስ 17:8

ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ሰዓብቱን ደቂ ሰብ ብሓፈሻን ዘሎ ፍልልይ ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ኣነ ምእንታኦም እልምን እየ፣ ንሳቶም ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። . . . ቅዱስ ኣቦ፡ ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓልዎም። . . . ስለ ዘዕቈብክዎም ከኣ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍአን።” እቲ ወዲ ጥፍኣት እተባህለ ድማ፣ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ንየሱስ ኪኸድዖ ዚንቀሳቐስ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 17:9-12

የሱስ ቀጺሉ ኣብ ጸሎቱ፡ “ዓለም ጸሊኣቶም እያ። ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:14-16) እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ኣብታ ብሰይጣን ዚግዛእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘለዋ ዓለም እዮም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ ካብኣን ካብ ክፍኣታን ኪፍለዩ ነበሮም። ብኸመይ፧

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ሓቅታትን የሱስ ዝመሃሮም ሓቅታትን ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪቕደሱ ወይ ንኣምላኽ ንምግልጋል እተፈልዩ ኪዀኑ ነበሮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “በቲ ሓቂ ቐድሶም፣ ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:17) ጸኒሖም፡ ገለ ሃዋርያት ክፍሊ እቲ ንሰብ ዚቕድስ “ሓቂ” ዝዀነ መጻሕፍቲ ብድራኸ መንፈስ ጽሒፎም እዮም።

ካልኦት ግና ነቲ “ሓቂ” ጸኒሖም እዮም ተቐቢሎምዎ። ስለዚ ድማ፡ የሱስ፡ “ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ እውን እምበር፡ ምእንቲ እዚኣቶም [እቶም ኣብኡ ዝነበሩ] ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ” ኢሉ ጸለየ። እሞኸ፡ የሱስ ንዅሎም እንታይ ኢሉ እዩ ለሚኑሎም፧ “ከምቲ ንስኻ፡ ኦ ኣቦ፡ ምሳይ ሓድነት ዘሎካ፡ ኣነ እውን ምሳኻ ሓድነት ዘሎኒ፡ ንሳቶም እውን ምሳና ሓድነት ኪህልዎም እሞ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ” ኢሉ እዩ ለሚኑሎም። (ዮሃንስ 17:20, 21) የሱስን ኣቦኡን ቃል ብቓሉ ሓደ ኣይኰኑን። ብዅሉ ዚሰማምዑ ብምዃኖም እዮም ሓደ እዮም እተባህሉ። የሱስ ድማ፡ ሰዓብቱ ብተመሳሳሊ ሓደ ኪዀኑ እዩ ጸልዩ።

ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦትን፡ ኣብ ሰማይ ቦታ ኼዳልወሎም ኪኸይድ ምዃኑ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 14:2, 3) ነዚ ሓሳብ እዚ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣብቲ ጸሎቱ ደገሞ፦ “ኣቦ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ንስኻ ዝሃብካኒ እውን ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ዘለኽዎ ምሳይ ኪዀኑ እደሊ ኣለኹ።” (ዮሃንስ 17:24) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ጥንቲ፡—ቅድሚ እቲ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን እተጠንሰሉ ግዜ ኣትሒዙ፡—ኣምላኽ ነቲ ደሓር የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ሓደ ወዱ የፍቅሮ ምንባሩ መረጋገጺ ሂቡ እዩ።

የሱስ ጸሎቱ ኺድምድም ከሎ፡ ንስም ኣቦኡን ነቲ ኣምላኽ ነቶም ሃዋርያት ኰነ ነቶም ደሓር “ሓቂ” ዚቕበሉ ዘለዎ ፍቕሪ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ዳግም ኣጕልሐ፦ “እታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትህሉን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ።”—ዮሃንስ 17:26