ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 131

ሓደ ንጹህ ንጉስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቕለ

ሓደ ንጹህ ንጉስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቕለ

ማቴዎስ 27:33-44 ማርቆስ 15:22-32 ሉቃስ 23:32-43 ዮሃንስ 19:17-24

  • የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቕለ

  • ኣብ ልዕሊ ርእሲ የሱስ ዝነበረ ጽሑፍ ኣደዳ ላግጺ ገበሮ

  • የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ተስፋ ሃበ

የሱስ ካብታ ኸተማ ብዙሕ ናብ ዘይትርሕቕ ቦታ ተወስደ፣ እታ ቦታ እቲኣ ድማ ንሱን ክልተ ኸተርትን ዚስቀሉላ እያ ነይራ። እታ ቦታ ኸኣ ጐልጎታ፡ ማለት ቦታ ቐረንቀራ እትብሃል ኰይና፡ “ርሕቕ” ኢልካ ኸተማዕድዋ እትኽእል ቦታ እያ ነይራ።—ማርቆስ 15:40

ድሕርዚ፡ ነቶም ሰለስተ እተፈርዶም ሰባት ክዳውንቶም ቀንጠጥዎም። ምስ ሓሞት እተሓወሰ ወይኒ ኺሰትዩ ድማ ተዋህቦም። እዚ መስተ እዚ፡ ኣንስቲ የሩሳሌም ዘዳለዋኦ ኪኸውን ኣለዎ፣ እቶም ሮማውያን ከኣ እዚ ፈውሲ ቃንዛ እዚ ነቶም ዚስቀሉ ኺውሃቦም የፍቅዱ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ጥዒሙ ምስታዩ ኣበየ። ስለምንታይ እዩ ዝኣበየ፧ እቲ ኸቢድ ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ምስ ምሉእ ቀልቡ ኪኸውን፡ ክሳዕ ሞት እውን ንቑሕን እሙንን ኪኸውን እዩ ደልዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ የሱስ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ኣብቲ ጕንዲ ኣንበሮ። (ማርቆስ 15:25) እቶም ወተሃደራት ከኣ ብመሳምር ገይሮም ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንከርዎ፣ እቲ መሳምር ንስጋኡን ንጅማውቱን ወጊኡ ኺሓልፍ ከሎ፡ ብርቱዕ ስቓይ እዩ ተሳቕዩ። ነቲ ጕንዲ ሓፍ ኣቢሎም ምስ ተኸልዎ ድማ፡ እቲ ኣቝሳሉ ብኽብደት ሰብነቱ ብዝያዳ ስለ እተጀልዐ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ቃንዛ እዩ ተሰሚዕዎ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቶም ወተሃደራት ኣይወቐሶምን። የግዳስ፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ጸለየ።—ሉቃስ 23:34

ሮማውያን ብልምዲ፡ ጽሑፍ ክሲ ገበነኛታት ይጽሕፉ ነይሮም እዮም። ጲላጦስ ድማ፡ “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ” ዚብል ጽሑፍ ለጠፈ። ኵሉ ምእንቲ ኼንብቦ ኸኣ፡ እቲ ጽሑፍ ብእብራይስጥን ብላቲንን ብግሪኽኛን እዩ ተጻሒፉ ነይሩ። ጲላጦስ ዝገበሮ ተግባር፡ ነቶም ንየሱስ ኪመውት ግዲ ዝበሉ ኣይሁድ ዘለዎ ንዕቀት ዜርኢ እዩ ነይሩ። ሊቃውንቲ ኻህናት በዚ ስለ ዘይተሓጐሱ፡ “ንሱ፡ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ እምበር፡ ‘ንጉስ ኣይሁድ’ ኢልካስ ኣይትጽሓፍ” በልዎ። ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ መጻወቲኦም ኪኸውን ብዘይምድላዩ፡ “ዝጸሓፍክዎ ጽሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።—ዮሃንስ 19:19-22

እቶም እተቘጥዑ ኻህናት ነቲ ኣቐዲሞም ኣብቲ ዋዕላ እተዛረብዎ ናይ ሓሶት ምስክርነት ደገምዎ። ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ ብላግጺ ርእሶም እናነቕነቑ፡ “ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስከ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ወሪድካ፡ ርእስኻ ኣድሕን” ኢሎም ጸረፍዎ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን እውን ንሓድሕዶም፡ “ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ይውረድ” በሉ። (ማርቆስ 15:29-32) እቶም ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን የሱስ ተሰቒሎም ዝነበሩ ኸተርቲ እውን፡ ከም ሓቂ ንሱ በይኑ ንጹህ ክነሱ ኺጸርፍዎ ጀመሩ።

እቶም ኣርባዕተ ወተሃደራት ሮሜ እውን ንየሱስ ኣላገጹሉ። መጺጽ ወይኒ ይሰትዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ወይኒ ናብቲ ተመጣጢሩ ኺሰትዮ ዘይክእል ዝነበረ የሱስ እናኣቕረቡ ኣላገጹሉ። እቶም ሮማውያን ነቲ ልዕሊኡ ዝነበረ ጽሑፍ እናጠቐሱ እዮም ዜላግጹሉ ነይሮም፣ “ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን” ድማ ይብልዎ ነበሩ። (ሉቃስ 23:36, 37) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣደዳ ዘይግብኦ ግፍዕን ላግጽን እዩ ዀይኑ። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ዚዕዘብዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ከይነቐፈ፡ ንወተሃደራት ሮሜ ኸየላገጸ፡ ነቶም ኣብ ጐድኑ እተሰቕሉ ኽልተ ገበነኛታት ከኣ ከይዀነነ እዩ ነቲ ዅሉ መከራ ብጽንዓት ጾይርዎ።

እቶም ኣርባዕተ ወተሃደራት ንኽዳውንቲ የሱስ ወሲዶም ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ። ገግዲኦም ኣየናዩ ምዃኑ ንምውሳን ከኣ ዕጫ ኣወደቑሉ። እቲ ቐምሹ ግና ብሉጽ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ “ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን።” ስለዚ፡ እቶም ወተሃደራት፡ “ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጫ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ” ተባሃሃሉ። በዚ ኸምዚ፡ “ንኽዳውንተይ ተማቒሎምዎ፡ ንቐምሸይ እውን ዕጫ ኣውዲቖምሉ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ተፈጸመ።—ዮሃንስ 19:23, 24፣ መዝሙር 22:18

ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ሓደ ኻብቶም ገበነኛታት፡ የሱስ ብሓቂ ንጉስ ከም ዝዀነ ተገንዘበ። ስለዚ፡ ንብጻዩ፡ “ከም ናቱ ዝበለ ፍርዲ ተፈሪዱካ ኸሎስ፡ ንኣምላኽ ኣይትፈርህን ዲኻ፧ ንሕናስ ብሰሪ ግብርና ብሓቂ ዚግብኣና ኢና ረኺብና፣ እዚ ግና ሓንቲ በደል እኳ ኣይገበረን” ኢሉ ገንሖ። ድሕሪኡ፡ ንየሱስ፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” ኢሉ ለመኖ።—ሉቃስ 23:40-42

የሱስ ድማ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ [ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ] ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃስ 23:43) እዚ የሱስ ዘተስፈዎ ተስፋ እዚ፡ ካብቲ ንሃዋርያቱ ምስኡ ኣብታ መንግስቲ ኣብ ዝፋናት ኪቕመጡ ምዃኖም ዝሃቦም ተስፋ እተፈልየ እዩ። (ማቴዎስ 19:28፣ ሉቃስ 22:29, 30) ኰይኑ ግና፡ እቲ ገበነኛ ኣይሁዳዊ ብዛዕባ እታ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ንዘርኦምን ዘዳለዋ ምድራዊት ገነት ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ፡ እቲ ኸታሪ ነዚ ተስፋ እዚ ሒዙ ሞተ።