ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 136

ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ

ዮሃንስ 21:1-25

  • የሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ተራእየ

  • ጴጥሮስን ካልኦትን ንኣባጊዕ ይምግቡ

የሱስ ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ “ምስ ተንሳእኩ . . . ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 26:32፣ 28:7, 10) ብዙሓት ሰዓብቱ ናብ ገሊላ ምስ ከዱ ግና፡ ኣብኡ እንታይ እዮም ገይሮም፧

ጴጥሮስ ንሽዱሽተ ኻብ ሃዋርያት፡ “ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ” በሎም። ሽዱሽቲኦም ከኣ፡ “ንሕና እውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” በልዎ። (ዮሃንስ 21:3) ምሉእ ለይቲ ድማ ሓደ እኳ ኣይሓዙን። ኪወግሕ ምስ በለ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ፣ ንሳቶም ግና መን ምዃኑ ኣየለለይዎን። ሽዑ፡ የሱስ፡ “ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ የብልኩምን፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 21:5, 6) ምስ ደርበይዎ ድማ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ፡ ስሒቦም ኬውጽእዎ ኣይከኣሉን።

ዮሃንስ ድማ ንጴጥሮስ፡ “ጐይታና እዩ!” በሎ። (ዮሃንስ 21:7) ጴጥሮስ ነቲ ኺገፍፍ ከሎ ኣውጺእዎ ዝነበረ ኽዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። ኣስታት 90 ሜተር ዚኸውን ሓምቢሱ ድማ ናብ ገምገም ወጸ። እቶም ዝተረፉ ድማ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናጐተትዎ፡ ቀስ ኢሎም በታ ጃልባ መጹ።

ኣብቲ ገምገም ምስ በጽሑ ኸኣ፡ “ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ።” የሱስ ከኣ፡ “ካብዚ ሕጂ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ” በሎም። ጴጥሮስ ነቲ 153 ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ ጐተቶ። የሱስ ድማ፡ “ንዑ ቝረሱ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓትቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። (ዮሃንስ 21:9-12) እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ብጕጅለ ኸለዉ እተራእየሉ ሳልሳይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

የሱስ ከኣ ንነፍሲ ወከፎም እንጌራን ዓሳን ሃቦም። ድሕሪኡ፡ ናብቲ እተገፍፈ ዓሳ እናጠመተ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ። እሞኸ ጴጥሮስ ነቲ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ኻብቲ የሱስ ኪገብሮ ዝሃቦ ዕዮ ኣብሊጹ ይፈትዎ ነይሩ ድዩ፧ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፡ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ።—ዮሃንስ 21:15

ከም ብሓድሽ ከኣ፡ የሱስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” በሎ። ጴጥሮስ ድማ እናደንጸዎ፡ “እወ ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ ኻብ ልቡ መለሰሉ። የሱስ እውን፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ።—ዮሃንስ 21:16

ሳልሳይ ሳዕ፡ የሱስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ትፈትወኒ ዲኻ፧” በሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጴጥሮስ፡ የሱስ ንተኣማንነቱ ይጠራጠር እንተ ኣልዩ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ ኣብ ልቡ ዘሎ ኣጕሊሑ ተዛረበ። የሱስ ድማ መሊሱ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ” በሎ። (ዮሃንስ 21:17) እወ፡ እቶም ዚመርሑ፡ ነቶም ናብ መጓሰ ኣምላኽ እተሳሕቡ ኼገልግልዎም ይግብኦም እዩ።

የሱስ ነቲ ኣምላኽ ኪገብሮ ዝመዘዞ ዕዮ ብምዕያዩ ተኣሲሩን ተቐቲሉን እዩ። ንጴጥሮስ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዜጋጥሞ ኺገልጸሉ ኸሎ ድማ፡ “ብንእስነትካ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኽትዝርግሕ፡ ካልእ እውን ኬዕጥቐካ፡ ናብ ዘይደለኻዮ እውን ኪወስደካ እዩ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” ኢሉ ተማሕጸኖ።—ዮሃንስ 21:18, 19

ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ርእዩ፡ “ጐይታይ፡ እዚኸ፧” በሎ። እሞኸ መጻኢ እቲ የሱስ ኣጸቢቑ ዚፈትዎ ሃዋርያ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ የሱስ፡ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንሱ ኺጸንሕ እንተ ደልየስ፡ እንታይ ገዲሱካ፧” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃንስ 21:21-23) ጴጥሮስ፡ እቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ነገር ከየተሓሳሰቦ ንየሱስ ኪስዕቦ ነበሮ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ብዛዕባ ዮሃንስ፡ ድሕሪ ዅሎም ሃዋርያት ብህይወት ከም ዚጸንሕ፡ ነቲ ንሱ ስልጣን መንግስቱ ሒዙ ዚመጸሉ እውን ብራእይ ከም ዚርእዮ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ልክዕ እዩ፡ የሱስ ዝገበሮ ብዙሕ ካልእ ነገራት ኣሎ፣ እንተ ዚጸሓፍ ድማ፡ ብዙሕ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ኣይምኣኸሎን።