ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 138

ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ

ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ

ግብሪ ሃዋርያት 7:56

  • የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ

  • ሳውል ወደ መዝሙር ኰነ

  • እንሕጐሰሉ ምኽንያት

ካብቲ የሱስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ዓሰርተ መዓልቲ ጸኒሑ መንፈስ ቅዱስ ምፍሳሱ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ምዃኑ መርትዖ ዀነ። ነዚ ዜረጋግጽ ካልእ መርትዖ እውን ተዋሂቡ እዩ። እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር ስለቲ ብተኣማንነት ዝሃቦ ምስክርነት ብዳርባ እምኒ ቕድሚ ሙማቱ፡ “እንሆ፡ ሰማያት ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:56

የሱስ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ምስ ኰነ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብትንቢት ኣቐዲሙ እተገልጸ እተወሰነ ትእዛዝ ኪጽበ ነበሮ። ዳዊት ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንጐይታይ [የሱስ]፡ ‘ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። እቲ ዚጽበየሉ እዋን ምስ ኣብቅዐ ድማ፡ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኺገዝእ’ ነይርዎ እዩ። (መዝሙር 110:1, 2) የሱስ ክሳዕ እቲ ኣንጻር ጸላእቱ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ግና እንታይ እዩ ዚገብር፧

ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ክርስትያናዊት ጉባኤ ቘመት። የሱስ ድማ ካብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቱ ኪገዝእ ወይ ኪነግስ ጀመረ። (ቈሎሴ 1:13) ኣብ ስብከቶም ድማ መርሖም፡ ኣብ መጻኢ ንዚህልዎም ግደ እውን ኣዳለዎም። ንምንታይ ግደ እዩ ዘዳለዎም፧ እቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ዚዀኑ ኣብ መወዳእታኡ ኻብ ምዉታት ተንሲኦም ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ነገስታት ይዀኑ እዮም።

ካብቶም ነገስታት ኪዀኑ ዚዳለዉ፡ ሓደ ብሉጽ ኣብነት እቲ ሳውል ዚብሃል፡ ብሮማዊ ስሙ ድማ ጳውሎስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኪጥቀስ ይከኣል። ንሕጊ ኣምላኽ ቅንኣት ዝነበሮ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ተታሊሉ ብምንባሩ፡ ንቕትለት እስጢፋኖስ እኳ ሰሚርዎ ነይሩ እዩ። “ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ እናጠለቐሎምን ከም ዚቐትሎም እናፈከረን” ድማ ናብ ደማስቆ ነቐለ። ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ኬምጽእ ከኣ ካብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ስልጣን ተዋህቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58፣ 9:1) ኰይኑ ግና፡ ኣብ መገዲ ኸሎ፡ ብርቱዕ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ በርሀ፣ ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ።

ካብ ሓደ ዘይርአ ምንጪ ኸኣ፡ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብሎ ድምጺ ሰምዐ። ሳውል ድማ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተ። “እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ” ዚብል መልሲ ኸኣ መጾ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:4, 5

የሱስ ድማ ንሳውል ናብ ደማስቆ ኺኣቱ እሞ ኣብኡ ዚውሃቦ መምርሒ ኺጽበ ነገሮ። ሳውል በቲ ተኣምራዊ ብርሃን ስለ ዝዓወረ ግና፡ ብኢዱ መሪሖም ናብታ ኸተማ ኣእተውዎ። ኣብ ካልእ ራእይ ድማ፡ የሱስ ንሓደ ሃናንያ ዚብሃል ኣብ ደማስቆ ዚነብር ወደ መዝሙር ተራእዮ። የሱስ ከኣ ንሃናንያ፡ ንሳውል ንምርካብ ናብ ሓደ ኣድራሻ ኪኸይድ ነገሮ። ከምኡ ምግባር ንሃናንያ ኣፍሪህዎ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ግና፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ ስለ ዝዀነ፡ ኪድ ደኣ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። ድሕርዚ፡ ሳውል ካብ ዑረቱ ሓወየ፡ ኣብ ደማስቆ ድማ፡ “ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:15, 20

ብሓገዝ የሱስ፡ ጳውሎስን ካልኦት ወንጌላውያንን ነቲ የሱስ ዝጀመሮ ዕዮ ስብከት ቀጸልዎ። ኣምላኽ ከኣ ዜደንቕ ኣሳልጦ ኸም ዚረኽቡ ብምግባር ባረኾም። ጳውሎስ ካብቲ የሱስ ኣብ መገዲ ደማስቆ እተራእየሉ ኣስታት 25 ዓመት ጸኒሑ፡ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት [ከም] እተሰብከ” ጸሓፈ።—ቈሎሴ 1:23

ብዙሕ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ የሱስ ነቲ ዜፍቅሮ ሃዋርያ ዮሃንስ ተኸታታሊ ራእያት ኣርኣዮ፣ እዚ ድማ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ተመዝጊቡ ኣሎ። ዮሃንስ በቲ ራእያት እቲ ኣቢሉ የሱስ ብሓይሊ መንግስቱ ኺምለስ ከሎ ርእይዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ዮሃንስ 21:22) ዮሃንስ ‘ብመንፈስ ተመሲጡ፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዀነ።’ (ራእይ 1:10) እቲ ግዜ እቲ መዓስ እዩ ነይሩ፧

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ምስ እነጽንዕ፡ “መዓልቲ ጐይታ” ኣብዚ ግዜና ኸም ዝጀመረት ይሕብርና እዩ። ብ1914 እቲ ደሓር ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባሂሉ እተጸውዐ ተባርዐ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት ድማ፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን’ ‘መወዳእታን’ ንሃዋርያቱ ዝነገሮም “ምልክት” ብዓብይኡ ይፍጸም ምህላዉ ዜርኢ ብዙሕ ውግእን ለበዳን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ካልእ ፍጻመታትን ኰይኑ እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7, 8, 14) ሕጂ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ።

እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ድማ፡ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ሕጂ ድሕነትን ሓይልን መንግስትን ናይ ኣምላኽና፡ ስልጣን ከኣ ናይ ክርስቶሱ ዀይኑ እዩ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ራእይ 12:10) እወ፡ እታ የሱስ ብሰፊሑ ዚሰብካ ዝነበረ ኣብ ሰማይ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ቘይማ ኣላ!

እዚ ንዅሎም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዜደንቕ ወረ እዩ። ነቲ፡ “ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያትን ኣባታቶም እትነብሩን፡ ተሓጐሱ! ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም” ዚብል ቃላት ዮሃንስ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ይግባእ።—ራእይ 12:12

እምበኣር፡ የሱስ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐሚጡ ይጽበ ኣይኰነን ዘሎ። የግዳስ፡ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ እዩ ዘሎ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ንዅሎም ጸላእቱ ኼጥፍኦም እዩ። (እብራውያን 10:12, 13) ሽዑኸ እንታይ ዜሐጕስ ምዕባለታት እዩ ኺህሉ፧