ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 139

የሱስ ንምድሪ ገነት ይገብራን እተዋህቦ ዕዮ ይውድእን

የሱስ ንምድሪ ገነት ይገብራን እተዋህቦ ዕዮ ይውድእን

1 ቈረንቶስ 15:24-28

  • መወዳእታ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን

  • ብዙሓት ናብ ገነት ኪኣትዉ እዮም

  • የሱስ መገድን ሓቅን ህይወትን ምዃኑ የርኢ

የሱስ ምስ ተጠምቀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣገልግሎቱ እውን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኬውድቖ ዝቘረጸ ጸላኢ ተላዕሎ። እወ፡ ድያብሎስ ንየሱስ ደጋጊሙ ፈተኖ። ጸኒሑ የሱስ ብዛዕባ እቲ እኩይ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ . . . ንሱ ኣባይ ዋላ ሓንቲ ስልጣን የብሉን” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።—ዮሃንስ 14:30

ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል” እንታይ ከም ዚጽበዮ ብራእይ ርእዩ እዩ። እቲ ሕሱም ጸላኢ ደቂ ሰብ ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ፡ “ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ” ከም ዚወርድ እውን ገሊጹ እዩ። (ራእይ 12:9, 12) ክርስትያናት ኣብቲ “ሓጺር እዋን” እቲ ይነብሩ ኸም ዘለዉን ‘እቲ ድያብሎስ ዚብሃል ገበል’ ናብ መዓሙቝ ተደርብዩ ኣብቲ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገዝኣሉ 1,000 ዓመት ከም ዚእሰርን ኪኣምኑ ዜኽእሎም እኹል ምኽንያት ኣለዎም።—ራእይ 20:1, 2

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብዛ መንበሪትና ምድሪ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ኣብ ምድሪኸ መን ኪነብሩ እዮም፧ ከመይ ዝበለ ዅነታትከ ኺህሉ እዩ፧ የሱስ ባዕሉ ነዚ ዚኸውን መልስታት ሂቡ እዩ። ኣብታ ምሳሌ ኣባጊዕን ኣጣልን፡ ነቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ፡ ምስ ኣሕዋት የሱስ ከኣ ዚተሓባበሩን ሰናይ ዚገብሩሎምን ጻድቃን እንታይ ከም ዚጽበዮም ሓቢሩ እዩ። ነቶም ብኣንጻሩ ዚገብሩ ብኣጣል እተመሰሉ ሰባት እንታይ ከም ዚጽበዮም እውን ንጹር ገይርዎ እዩ። የሱስ፡ “እዚኣቶም [ኣጣል] ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት፡ ጻድቃን [ኣባጊዕ] ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 25:46

እዚ ኸኣ ነተን የሱስ ነቲ ምስኡ ኣብ ጕንዲ ንእተሰቕለ ገበነኛ እተዛረበን ቃላት ክንርድአን ይሕግዘና እዩ። የሱስ ከምቲ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ኽፍሊ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኪዀኑ ዝሃቦም ተስፋ ኣይኰነን ነቲ ሰብኣይ ኣተስፍይዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ ነቲ እተነስሐ ገባር ክፉእ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” እዩ ኢልዎ። (ሉቃስ 23:43) በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብ ገነት፡ ማለት ከም መናፈሻ ኣብ ዝኣመሰለ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ረኺቡ። እቶም ሎሚ ኸም ኣባጊዕ ዝዀኑ እሞ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ዚኣትዉ ዘበሉ ኣብታ ገነት እቲኣ ኪዀኑ እዮም።

እዚ ድማ ምስቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚሰፍን ኵነታት ዝሃቦ መግለጺ ዚሰማማዕ እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

እቲ ገበነኛ ኣብ ገነት ብህይወት ኪነብር እንተ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ኪትንስእ ኣለዎ። ነዚ ትንሳኤ እዚ ዚረክብ ድማ ንሱ በይኑ ኣይኰነን። የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ፡ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም” ብምባል ነዚ ንጹር ገይርዎ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

እቶም እሙናት ሃዋርያትን ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚዀኑ ቝጽሮም ውሱን ዝዀነ ኻልኦትንከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ እውን 1,000 ዓመት ኪነግሱ እዮም” ይብል። (ራእይ 20:6) እዞም መጋዝእቲ ክርስቶስ ዚዀኑ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሰብኡትን ኣንስትን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ ኸለዉ፡ ብርግጽ ጸገማትና ዚርድኡልና ርሕሩሓት ኪዀኑ እዮም።—ራእይ 5:10

የሱስ በቲ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ገይሩ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት መርገም እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ኬወግደሎም እዩ። ንሱን መጋዝእቱን ንዘይእሙናት ሰባት ናብ ፍጽምና ኼብጽሕዎም እዮም። እወ፡ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንኣዳምን ንሄዋንን ኪበዝሑን ንምድሪ ኺመልእዋን ኪነግሮም ከሎ ዓሊምሎም ዝነበረ ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ብሓጢኣት ኣዳም ዝመጸ ሞት እኳ ኣይኪህሉን እዩ!

በዚ ኸምዚ፡ የሱስ እቲ የሆዋ ኻብኡ ዚደልዮ ዅሉ ኺፍጽም እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ፡ ነታ መንግስትን ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ኣብ ኢድ ኣቦኡ ኼረክብ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ የሱስ ዜርእዮ ዜደንቕ ትሕትና ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 15:28

እምበኣር፡ የሱስ ኣብ ምፍጻም እቲ ዜደንቕ ዕላማታት ኣምላኽ ወሳኒ ግደ እዩ ዘለዎ። እቲ ዕላማታት እቲ ንዘለኣለም እናተገልጸ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ የሱስ ምስቲ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ዚብል ቃላቱ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዑ ኺነብር እዩ።—ዮሃንስ 14:6