ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 4

የሱስ ጸኒሑ ኣብ ይሁዳ ዝገበሮ ኣገልግሎት

‘ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ።’​—ሉቃስ 10:2

የሱስ ጸኒሑ ኣብ ይሁዳ ዝገበሮ ኣገልግሎት

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 66

በዓል ዳስ ኣብ የሩሳሌም

እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዝመሰሎም ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 67

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

ዳርጋ ብምሉኦም ኣባላት ቤት ፍርዲ ኣይሁድ፡ ንየሱስ ተጻረርዎ። ሓደ ኻባታቶም ግና ንየሱስ ደጊፉ ተዛረበ።

ምዕራፍ 68

“ብርሃን ዓለም”—ወዲ ኣምላኽ

የሱስ፡ ‘እታ ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’ በለ። ግናኸ፡ ካብ ምንታይ እያ ሓራ እተውጽእ፧

ምዕራፍ 69

ኣቦኦም ኣብርሃም ድዩ ወይስ ድያብሎስ፧

የሱስ፡ ውሉዳት ኣብርሃም ብኸመይ ከም ዚልለዩን ናይ ሓቂ ኣቦኡ መን ምዃኑን ገለጸ።

ምዕራፍ 70

የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኣሕወዮ

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ሰብኣይ ስለምንታይ ብዕዉሩ ኸም እተወልደ ሓተቱ። ንሱ ወይስ ወለዱ ስለ ዝሓጥኡ ድዩ፧ የሱስ ምስ ኣሕወዮ ድማ ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኣሕደሩ።

ምዕራፍ 71

ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ

እቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ዜቕረቦ መርትዖ ነቶም ፈሪሳውያን ኣቘጥዖም። ከምቲ እቶም ወለዱ ዝፈርህዎ ኸኣ ካብ ምኵራብ ሰጐጕዎ።

ምዕራፍ 72

የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም

ኣብ ይሁዳ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቲ በብኽልተ ገይሩ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ለኣኾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ንሰባት ኣበይ ኪረኽቡ እዩ እተነግሮም፧ ኣብ ምኵራባት ወይስ ኣብ ኣባይቶም፧

ምዕራፍ 73

ሓደ ሳምራዊ ናይ ሓቂ ብጻይ ኰነ

የሱስ፡ ነቲ ብዛዕባ ሓደ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዝመሰሎ ምሳሌ፡ እንታይ ሓያል ትምህርቲ ንምምሃር እዩ ተጠቒምሉ፧

ምዕራፍ 74

ብዛዕባ እንግዶትን ጸሎትን እተዋህበ ትምህርቲ

የሱስ ንማርያምን ንማርታን በጽሐን። ኣብኡኸ ብዛዕባ እንግዶት እንታይ መሃረን፧ ጸኒሑ ንወደ መዝሙሩ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ መሃሮ፧

ምዕራፍ 75

የሱስ ምንጪ ሓጐስ ገለጸ

የሱስ ነቶም ነቐፍቱ ብዛዕባ “ኣጻብዕ ኣምላኽ”ን መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ደበኽ ከም ዝበለቶምን ብምንጋር መልሲ ሃቦም። ሰባት ብኸመይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ እውን መሃረ።

ምዕራፍ 76

ምስ ሓደ ፈሪሳዊ በልዐ

የሱስ ንግብዝና እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ኣቃልዐ። ንሳቶም ነቶም ህዝቢ እንታይ ከቢድ ጾር ኪስከሙ እዮም ዜገድድዎም ዝነበሩ፧

ምዕራፍ 77

የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ምኽሪ ሃበ

የሱስ፡ ማዕከናቱ ኣግፊሑ ብዛዕባ ዝሰርሐ ሃብታም ሰብኣይ ምሳሌ መሰለ። ብዛዕባ እቲ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ ዘለዎ ሓደጋ እንታይ ምኽሪ እዩ ደጊሙ ዝሃበ፧

ምዕራፍ 78

ኣታ እሙን መጋቢ፡ ድሉው ኩን!

የሱስ ብዛዕባ መንፈሳውነት ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ተገዳስነት ኣርአየ። እቲ መጋቢ ኣብ መንፈሳውነት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚህልዎ ግደ እንታይ እዩ፧ እቲ ድሉው ብዛዕባ ምዃን እተዋህበ ምኽሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 79

ጥፍኣት እቶም ዘይኣምኑ ኣይሁድ ቀሪቡ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ነቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት እንተ ዘይተነሲሖም ኪጠፍኡ ምዃኖም ነገሮም። ኣገዳስነት እቲ ምስ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ ዝመሃሮም ትምህርትስ ይርድኦምዶ ይኸውን፧

ምዕራፍ 80

እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን

የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ዚስምዖ ስምዒት በቲ ኣብ መንጎ ጓሳን መጓሰኡን ዘሎ ርክብ ተመሲሉ ኣሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንትምህርትታቱ ኣስተብሂሎም ይስዕብዎ ደዀን ይዀኑ፧

ምዕራፍ 81

ምስ ኣቦ ሓደ ኽነሱ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን

ገሊኦም ነቐፍቲ፡ የሱስ ንርእሱ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዝገበረ ገይሮም ከሰስዎ። ንሱ ግና ነቲ ክሶም ጌጋ ምዃኑ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧