ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 70

የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኣሕወዮ

የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኣሕወዮ

ዮሃንስ 9:1-18

  • ብዕዉሩ እተወልደ ለማኒ ሓወየ

የሱስ ገና ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። ብሰንበት ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ኣብታ ኸተማ ኪኸዱ ከለዉ፡ ሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ለማኒ ረኣዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ፡ መን እዩ ዝሓጥአ፧ ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ዮሃንስ 9:2

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ሰብኣይ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ረቃቕ ነፍሲ ኸም ዘይነበረቶ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምናልባት ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዀይኑ ኺሓጥእ ይኽእል እንተ ዀይኑ ሓሲቦም ይዀኑ። የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺግሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይሓጥአ፡ ወለዱ ኣይሓጥኡ” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃንስ 9:3) ስለዚ፡ እቲ ሰብኣይ ዝዓወረ፡ ንሱ ወይ ወለዱ ፍልይ ዝበለ ጌጋ ወይ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸሙ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም፡ ኵሎም ሰባት ዘይፍጹማት ኰይኖም ስለ ዚውለዱ፡ ንኸም ዑረት ዝኣመሰለ ስንክልና ይቃልዑ እዮም። ግናኸ፡ ዑረት እቲ ሰብኣይ ንየሱስ፡ ከምቲ ንኻልኦት ካብ ሕማሞም ኬሕዊ ኸሎ ዝገበሮ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኬግህድ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ።

የሱስ እዚ ግብሪ እዚ ምግባር ህጹጽ ከም ዝዀነ ኼጕልሕ ከሎ፡ “መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽንገብር ይግብኣና እዩ፣ ሓደ እኳ ኺዓይየላ ዘይክእል ለይቲ ትመጽእ ኣላ። ኣነ ኣብ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ” በለ። (ዮሃንስ 9:4, 5) ድሕሪኡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ግና፡ ሞት ንየሱስ ኣብቲ ዋላ ሓንቲ ኺገብረሉ ዘይክእል ጸልማት መቓብር ኣእትይዎ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና ንዓለም ምንጪ ብርሃን እዩ ነይሩ።

ግናኸ፡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ከመይ ገይሩ እዩ ኣሕውይዎ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ በቲ ጥፍጣፍ ጸብሪ ገበረ። በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ለኸየ እሞ፡ “ኣብ ሓጽቢ ሰሊሆም . . . ኬድካ ተሓጸብ” በሎ። (ዮሃንስ 9:7) እቲ ሰብኣይ ተኣዘዘ። ከይዱ ምስ ተሓጽበ ኸኣ፡ ኪርኢ ኸኣለ! ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ኺርኢ ብምኽኣሉ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ!

ዕዉር ከሎ ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ጐረባብቱን ካልኦትን ድማ ተገረሙ። “እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧” በሉ። ገሊኣቶም፡ “ንሱ እዩ” በሉ። ካልኦት ግና ኪኣምኑ ስለ ዘይከኣሉ፡ “ኣይኰነን፡ ንዕኡ ደኣ ይመስል” በሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እየ” በሎም።—ዮሃንስ 9:8, 9

ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፊተን፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኽዩ፡ ‘ናብ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’ ኢሉኒ። ኣነ እውን ከይደ ምስ ተሓጸብኩ፡ ክርኢ ኽኢለ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፈልጥን” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 9:10-12

እቶም ሰባት ነቲ ሰብኣይ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። ንሳቶም እውን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገይሩለይ፡ ምስ ተሓጸብኩ ድማ ክርኢ ኽኢለ” በሎም። እቶም ፈሪሳውያን ምስቲ ዝሓወየ ለማኒ ኺሕጐሱ ምተገብኦም ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ገለ ኻባታቶም፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ሰንበት ካብ ዘየኽብርሲ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” ኢሎም ንየሱስ ኰነንዎ። ካልኦት ግና፡ “ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ትእምርትታት ኪገብር ይኽእል፧” በሉ። (ዮሃንስ 9:15, 16) ኣብ መንጎኦም ከኣ ፍልልይ ኰነ።

እተፈላለየ ኣረኣእያታት ስለ ዘሕደሩ፡ ነቲ ኽርኢ ዝኸኣለ ሰብኣይ፡ “ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ የሱስ ጥርጣረ ስለ ዘይነበሮ፡ “ነብዪ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 9:17

እቶም ኣይሁድ ነዚ ኺኣምንዎ ኣይደለዩን። እቲ ነገር እቲ፡ እቲ ሰብኣይን የሱስን ነቶም ህዝቢ ምእንቲ ኼዐሽዉ ኢሎም እተመሻጠርዎ ነገር ከይከውን ሓሰቡ። ነቲ ጕዳይ ፍታሕ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ ንወለዲ እቲ ለማኒ ጸዊዖም ንሱ ብሓቂ ዕዉር ነይሩ እንተ ዀይኑ ኺሓትትዎም ወሰኑ።