ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 69

ኣቦኦም ኣብርሃም ድዩ ወይስ ድያብሎስ፧

ኣቦኦም ኣብርሃም ድዩ ወይስ ድያብሎስ፧

ዮሃንስ 8:37-59

  • ኣይሁድ፡ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” በሉ

  • የሱስ ቅድሚ ኣብርሃም ነበረ

የሱስ በዓል ዳስ ኬብዕል ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣገዳሲ ሓቅታት መሃረ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ ገሊኦም ኣብኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፣ ንሓደ እኳ ባሮት ኴንና ኣይተገዛእናን” ኢሎምዎ ነበሩ። የሱስ ከኣ፡ “ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩም እፈልጥ እየ። ቃለይ ስለ ዘይተቐበልኩም ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣነ ነቲ ምስ ኣቦይ ከለኹ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፣ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኻብ ኣቦኹም ዝሰማዕኩምዎ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 8:33, 37, 38

የሱስ ኬመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ቐሊል እዩ ነይሩ፦ ኣቦኡ ኻብ ኣቦኦም እተፈልየ እዩ። እቶም ኣይሁድ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ፡ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” ኢሎም ዘረባኦም ደገሙ። (ዮሃንስ 8:39፣ ኢሳይያስ 41:8) ቃል ብቓሉ ዘርኡ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ከምቲ ፈታው ኣምላኽ ዝዀነ ኣብርሃም ዝነበረቶ እምነት ዘላቶም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ።

የሱስ ግና፡ “ውሉዳት ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም” ኢሉ ዜሰምብድ ምላሽ ሃቦም። እወ፡ ናይ ሓቂ ውሉድ ንኣቦኡ እዩ ዚመስል። የሱስ ቀጺሉ፡ “ሕጂ ግና ንዓይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን” በሎም። ድሕሪኡ፡ “ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ ዜደንጹ ዘረባ ተዛረቦም።—ዮሃንስ 8:39-41

እቶም ኣይሁድ ግና የሱስ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ገና ኣይተረድኦምን። ስለዚ፡ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፣ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” ኢሎም ሕጋውያን ውሉዳት ምዃኖም ገለጹ። ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽ ኣቦኦም እዩ፧ የሱስ፡ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ እሞ፡ ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን” በሎም። ቀጺሉ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ባዕሉ ሓቲቱ ባዕሉ ምላሽ ሃቦም፦ “ስለምንታይ ኢኹም ዝዛረቦ ዘለኹ ዘይትርድኡ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይትኽእሉ ኢኹም።”—ዮሃንስ 8:41-43

የሱስ፡ ንዕኡ ዘይምቕባሎም እንታይ ከም ዜስዕበሎም ኬረድኦም እዩ ዚፍትን ነይሩ። ድሕርዚ ግና ብቐጥታ፡ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፣ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ እውን ትደልዩ ኣለኹም” በሎም። ኣቦኦም እንታይ ዓይነት ኣቦ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ብዛዕባኡ ብንጹር፡ “ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፣ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኰንኩም፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ” በሎም።—ዮሃንስ 8:44, 47

ኣይሁድ በቲ ዝዀነኖም ኵነኔ ስለ እተቘጥዑ፡ “‘ሳምራዊ ኢኻ፡ ጋኔን እውን ኣሎካ’ ምባልናስ ቅኑዕ ደይኰነን፧” ኢሎም መለሱሉ። ንየሱስ “ሳምራዊ” ኢሎም ኪጽውዕዎ ኸለዉ፡ ንዕቀቶም እዮም ዜርእይዎ ነይሮም። የሱስ ግና ንጸርፎም ሸለል ኢሉ፡ “ኣነስ ንኣቦይ ደኣ አኽብሮ ኣለኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን” ኢሉ መለሰሎም። እዚ ጕዳይ እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ምዃኑ ድማ፡ “ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ሞት ከቶ ኣይክርእን እዩ” ኢሉ ዜደንጹ ዘረባ ተዛረቦም። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሃዋርያትን እቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኻልኦትን ቃል ብቓሉ ኸቶ ኸም ዘይሞቱ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ወይ ከኣ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ “ኻልኣይ ሞት” ፈጺሞም ኣይኪርእዩን እዮም ማለቱ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 8:48-51፣ ራእይ 21:8

ኣይሁድ ግና ንቓላት የሱስ ቃል ብቓሉ ስለ እተረድእዎ፡ “ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈሊጥና። ኣብርሃም ሞይቱ እዩ፡ ነብያት እውን፣ ንስኻ ግና፡ ‘ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ሞት ከቶ ኣይኪጥዕምን እዩ’ ትብል ኣለኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ . . . ንርእስኻ መን ትገብራ ኣለኻ፧” በልዎ።—ዮሃንስ 8:52, 53

የሱስ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ይገልጸሎም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ ነይሩ። ነቲ ብዛዕባ መንነቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ዚምልስ ግና፡ “ኣነ፡ ርእሰይ እንተ ኣኽቢረ፡ ክብረይ ከንቱ እዩ። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፣ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ‘ኣይፈልጦን’ እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ” በሎም።—ዮሃንስ 8:54, 55

ቀጺሉ ኸኣ ናብቲ እሙን ዝነበረ ኣቦኦም ዝሓደጎ ኣብነት ብምትኳር፡ “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተስፋ ምስ ገበረ፡ ባህ ኢልዎ፣ ርእይዋ ድማ ተሓጒሱ” በሎም። እወ፡ ኣብርሃም በቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ይኣምን ብምንባሩ፡ ንምምጻእ እቲ መሲሕ ይጽበ ነይሩ እዩ። እቶም ኣይሁድ ግና ስለ ዘይኣመንዎ፡ “ገና 50 ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧” በልዎ። የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ኣነ ኣለኹ” በሎም። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ዝነበረሉ እዋን እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ዮሃንስ 8:56-58

ኣይሁድ በቲ ኣብርሃም ከይተወልደ ንሱ ብህይወት ምንባሩ እተዛረቦ ዘረባ ተቘጢዖም፡ ኪድርብዩሉ ኣእማን ኣልዓሉ። የሱስ ግና ከይተጐድአ ኻብኡ ኸደ።