ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ጋዜጣ ምስ እተንብብ፡ ተለቪዥን ምስ እትርኢ፡ ወይ ረድዮ ምስ እትሰምዕ፡ ብዛዕባ ዓመጻን ውግእን ግብረ ሽበራን ዚገልጽ ዜና መሊኡ እዩ። ምናልባት ንስኻ እውን ብሕማም ወይ ብሞት እተፍቅሮ ሰብ ኣመና ተጨኒቕካ ትኸውን።

ንርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተታ፦

  • ኣምላኽ ንዓይ ኰነ ንስድራ ቤተይ ከምዚ ኼጋጥመና ድዩ ዚደሊ፧

  • ንጸገማተይ ምእንቲ ኽዋጽኣሉ ኻበይ ሓገዝ ክረክብ እኽእል፧

  • ናይ ሓቂ ሰላም ይህሉ ደዀን ይኸውን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ይህበና እዩ።

ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዜደንቕ ነገራት ከም ዚገብር መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።

ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዚርከብ ገጻት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘንበብካዮ ሓሳባት ከም ሕልሚ ጥራይ ጌርካ ኣይትርኣዮ። የግዳስ፡ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ለውጥታት እዚ ኣብ ምድሪ ኸም ዚፍጽሞ ተስፋ ሂቡና እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ነዚ ኸም ዚገብሮ ይገልጸልና እዩ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትረኽቦ ጥቕሚ ግና እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜሻቕለካ ነገራት እሞ ሓንሳእ ሕሰብ። ገለ ኻብኡ ገንዘብ ወይ ኵነታት ስድራ ቤትካ፡ ጥዕና ምስኣን፡ ሞት እተፍቅሮ ሰብካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጸገማት እዚ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብምምላስ ከኣ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ፦

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተንብባ ምህላውካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ከም ዝደለኻ ዜርኢ እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድማ ክትሕግዘካ እያ። ነቲ ሕጡብ ጽሑፋት ዚኸውን ሕቶታት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትርድኦ ኺሕግዘካ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ ደስ ይብሎም እዩ። ንስኻ እውን ደስ ከም ዚብለካ ተስፋ ንገብር። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ብምፍላጥ በረኸት ኣምላኽ ክትረክብ ንምነየልካ።