ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓሙሽተ

በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ

በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ

1, 2. (ሀ) ንሓደ ውህበት ኣኽቢርካ እትርእዮ እንታይ ምስ ዚኸውን እዩ፧ (ለ) በጃ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ብሉጽ ውህበት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብሉጽ እትብሎ እንታይ ውህበት ተዋሂቡካ ይፈልጥ፧ ሓደ ጽቡቕ ውህበት ናይ ግድን ክቡር ኪኸውን ኣየድልን እዩ። እቲ ውህበት ዜሐጕሰካ ወይ ዜድልየካ ነገር ዜማልኣልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣኽቢርካ ኢኻ እትርእዮ።

2 ካብ ኵሉ ውህበታት ብዝያዳ ዜድልየና ኣምላኽ ዝሃበና ሓደ ውህበት ኣሎ። እዚ ውህበት እዚ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ብሉጽ ውህበት እዩ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ የሆዋ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝለኣኾ ኽንምሃር ኢና። (ማቴዎስ 20:28 ኣንብብ።) የሆዋ ንየሱስ በጃ ኪኸውን ናብ ምድሪ ብምልኣኹ፡ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረና ኣርእዩ እዩ።

በጃ እንታይ እዩ፧

3. ሰባት ዚሞቱ ስለምንታይ እዮም፧

3 በጃ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽኣሉ መገዲ እዩ። (ኤፌሶን 1:7) በጃ ስለምንታይ ከም ዘድለየ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣብ ገነት ኤደን እንታይ ከም ዘጋጠመ ኽንፈልጥ ኣሎና። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ሓጥኡ። ስለ ዝሓጥኡ ድማ፡ ሞቱ። ንሕና ኸኣ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኣት ስለ ዝወረስና ንመውት ኢና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 9 ርአ።

4. ኣዳም መን እዩ ነይሩ፧ እንታይከ እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ፧

4 የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ምስ ፈጠሮ፡ ሓደ ኣዝዩ ኽቡር ነገር ሂብዎ ነይሩ እዩ። እወ፡ ንኣዳም ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ሂብዎ ነይሩ እዩ። ኣዳም ፍጹም ኣእምሮን ኣካልን እዩ ነይርዎ። ዘይሓምም፡ ዘይኣርግ፡ ዘይመውት እዩ ነይሩ። የሆዋ ንኣዳም ስለ ዝፈጠሮ ኸኣ፡ ኣቦኡ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 3:38) ብዙሕ ሳዕ ድማ የዘራርቦ ነበረ። ኣምላኽ ንኣዳም እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ነጊርዎ፡ ባህ ዜብል ስራሕ ድማ ሂብዎ ነበረ።—ዘፍጥረት 1:28-30፣ 2:16, 17

5. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዳም “ብመልክዕ ኣምላኽ” ከም እተፈጥረ ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

5 ኣዳም “ብመልክዕ ኣምላኽ” እዩ ተፈጢሩ። (ዘፍጥረት 1:27) የሆዋ ንኣዳም ከም ናቱ ዝኣመሰለ ባህርያት ሂብዎ እዩ። ገለ ኻብኡ ድማ ፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ሓይልን እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት እውን ሂብዎ እዩ። ኣዳም ከም ሮቦት ኣይነበረን። ኣምላኽ ንኣዳም፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኺመርጽ ኸም ዚኽእል ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣዳም ንኣምላኽ ኪእዘዝ እንተ ዚመርጽ፡ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ኪነብር ምኸኣለ ነይሩ።

6. ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ጠሓሰ፡ እንታይ እዩ ስኢኑ፧ እዚኸ ንዓና ዚትንክፈና ብኸመይ እዩ፧

6 ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ጠሓሰን ሞት ምስ ተፈርዶን፡ ኣዝዩ ኽቡር ውህበት ኣጥፊኡ እዩ። ምስ የሆዋ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብን ፍጽምቲ ህይወትን መንበሪቱ ዝነበረት ገነትን ስኢኑ እዩ። (ዘፍጥረት 3:17-19) ኣዳምን ሄዋንን ብምርጫኦም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዝጠሓሱ፡ ተስፋ ዚብሃል ኣይነበሮምን። ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዝገበሮ ግና፡ ‘ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣትዩ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።’ (ሮሜ 5:12) ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ንገዛእ ርእሱን ንዓናን ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ክንከውን ‘ሸይጡና’ እዩ። (ሮሜ 7:14) እሞ ደኣ ተስፋ ኣሎና ድዩ፧ እወ፡ ኣሎና።

7, 8. እታ “በጃ” እትብል ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧

7 እታ “በጃ” እትብል ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ በጃ ኽልተ ነገር የጠቓልል። ቀዳማይ፡ ንሓደ እተኣስረ ሰብ ንምፍታሕ ወይ ንሓደ ዝጠፍአ ነገር ንምትካእ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። ካልኣይ፡ ብሓደ ነገር ንዝወረደ ጕድኣት ንምሽፋን ዚኽፈል ካሕሳ እዩ።

8 ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ሞት ከኣ ምስ ኣምጽኣልና ንዝወረደ ኸቢድ ጕድኣት ኪሽፍን ዚኽእል ማንም ሰብ የለን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንወጽእ እንኽእለሉ መገዲ ኣዳልዩልና እዩ። እምበኣር፡ እቲ በጃ ብኸመይ ከም ዚዓይይን ብኸመይ ካብኡ ኽንጥቀም ከም እንኽእልን ንርአ።

የሆዋ ነቲ በጃ ዘዳለወሉ መገዲ

9. እቲ በጃ ኪኽፈል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ነታ ኣዳም ዘጥፍኣ ፍጽምቲ ህይወት በጃ ኸፊሉ ኺመልሳ ዚኽእል ሰብ የለን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና። (መዝሙር 49:7, 8) እቲ ኪኸፈል ዘለዎ በጃ፡ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ተመዓራራዪ በጃ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:6) እቲ በጃ ምስታ ኣዳም ዘጥፍኣ ህይወት ዚመዓራረ ዋጋ ኺህልዎ ኣለዎ።

10. የሆዋ ነቲ በጃ ብኸመይ እዩ ኣዳልይዎ፧

10 የሆዋ ነቲ በጃ ብኸመይ እዩ ኣዳልይዎ፧ ነቲ ኣዝዩ ዚፈትዎ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። እዚ ወዱ ዝዀነ የሱስ ናይ መጀመርታ ፍጥረት እዩ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10) የሱስ ንኣቦኡን ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ መንበሪኡን ሓዲጉ ኺመጽእ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ፊልጲ 2:7) የሆዋ ንህይወት የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣሰጋገሮ፣ የሱስ ድማ ሓጢኣት ዚብሃል ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ።—ሉቃስ 1:35

የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና በጃ ኪኸውን ሃበ

11. ሓደ ሰብ በጃ ዅሎም ደቂ ሰብ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ንየሆዋ ብዘይምእዛዙ፡ ኵሎም ሰባት ፍጹም ህይወት ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ሞት ካብ ዘርኢ ኣዳም ዜርሕቕ ካልእ ሰብ ኪህሉ ይኽእልዶ፧ እወ። (ሮሜ 5:19 ኣንብብ።) እቲ ፈጺሙ ዘይሓጥአ የሱስ፡ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:45) ሞት ካብ ኵሎም ዘርኢ ኣዳም ንምርሓቕ ከኣ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ኪኸፍል ክኢሉ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:21, 22

12. የሱስ ብዙሕ ኪሳቐ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ዘሕለፎ ስቓይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ብጭካነ ተገሪፉ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ፡ ቅድሚ ሙማቱ ድማ ነዊሕ ተሳቕዩ እዩ። (ዮሃንስ 19:1, 16-18, 30) የሱስ ብዙሕ ኪሳቐ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከቢድ ፈተና እንተ ኣጋጢምዎ ንኣምላኽ እሙን ከም ዘይከውን፡ ሰይጣን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። የሱስ ከኣ፡ ሓደ ፍጹም ሰብ ከቢድ ስቓይ እንተ ኣጋጠሞ እውን ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹ እዩ። የሆዋ ብየሱስ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓበነ እሞ ሕስብ ኣብሎ!—ምሳሌ 27:11ተወሳኺ ሓበሬታ 15 ርአ።

13. እቲ በጃ ብኸመይ እዩ ተኸፊሉ፧

13 እቲ በጃ ብኸመይ እዩ ተኸፊሉ፧ የሱስ ንኣቦኡ፡ ዋጋ ህይወቱ ሃቦ። ብኣቈጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ ኣብ መበል 14 ኒሳን፡ ኣብ ዓመተ 33፡ የሱስ ብጸላእቱ ኪቕተል የሆዋ ፈቐደ። (እብራውያን 10:10) ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ሰብኣዊ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ህይወት ሂቡ ኣተንስኦ። ጸኒሑ፡ የሱስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኡ ምስ ከደ፡ ንዋጋ እታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጃ ገይሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቦ። (እብራውያን 9:24) በዚ ኸምዚ በጃ ስለ እተኸፍለ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ እንዀነሉ ኣጋጣሚ ተኸፍተልና።ሮሜ 3:23, 24 ኣንብብ።

ካብቲ በጃ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

14, 15. ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

14 ካብቲ ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ድሮ ተጠቒምና ኢና። ሕጂ ብኸመይ ከም እተጠቐምናን ኣብ መጻኢ ብኸመይ ከም እንጥቀምን እስከ ንርአ።

15 ሓጢኣትና ይሕደገልና እዩ። ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ምግባር ኸም ዚኸብደና ፍሉጥ እዩ። ንጋገ ኢና፣ ብቓል ወይ ብግብሪ ድማ ንብድል ኢና። (ቈሎሴ 1:13, 14) እሞኸ ሓጢኣትና ኺሕደገልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ስለቲ ዝገበርናዮ ጌጋ ኻብ ልብና ተነሲሕና፡ ንየሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኽንልምኖ ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ሓጢኣትና ኸም እተሓድገልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 1:8, 9

16. ንጹህ ሕልና ምእንቲ ኺህልወና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ንጹህ ሕልና ኺህልወና ይኽእል እዩ። ሕልናና ኸም እተጋገና ኺነግረና ኸሎ፡ ናይ በደል ስምዒት ኪስምዓና፡ ተስፋ ዘይብልናን ዘይንረብሕን ኰይኑ እውን ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ንየሆዋ ይቕረ ኺብለልና እንተ ለሚንናዮ፡ ንሱ ኸም ዚሰምዓናን ይቕረ ኸም ዚብለልናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (እብራውያን 9:13, 14) የሆዋ ብዛዕባ ጸገማትናን ድኽመታትናን ክንነግሮ ይደልየና እዩ። (እብራውያን 4:14-16) ከምኡ ምስ እንገብር ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ኺህልወና እዩ።

17. የሱስ ምእንታና ስለ ዝሞተ እንታይ በረኸት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

17 ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣሎና። “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።” (ሮሜ 6:23) የሱስ ምእንታና ስለ ዝሞተ፡ ንዘለኣለም ክንነብርን ፍጹም ጥዕና ኽንረክብን ንኽእል ኢና። (ራእይ 21:3, 4) እዚ በረኸት እዚ ኽንረክብ ግና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

በቲ በጃ ትኣምን ዲኻ፧

18. የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ብኸመይ ንፈልጥ፧

18 ሓደ ሰብ ጽቡቕ ህያብ ምስ ዚህበካ፡ ልብኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚትንከፍ እሞ ሕሰብ። እቲ በጃ ኻብ ኵሉ ዚኸብር ብሉጽ ውህበት እዩ፣ የሆዋ ነዚ ውህበት እዚ ስለ ዝሃበና ድማ ከነመስግኖ ኣሎና። ዮሃንስ 3:16፡ “ኣምላኽ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” ትብለና። የሆዋ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና ነቲ ዚፈትዎ ወዱ የሱስ ሂቡና እዩ። የሱስ እውን ብፍታዉ ምእንታና ብሙማት ከም ዜፍቅረና ኣርእዩ እዩ። (ዮሃንስ 15:13) እቲ ውህበት በጃ፡ የሆዋን የሱስን ብሓቂ ኸም ዜፍቅሩኻ ምትእምማን ኬሕድረልካ ኣለዎ።—ገላትያ 2:20

ብዛዕባ የሆዋ ብእተመሃርና መጠን፡ ፈተውቱ ንኸውን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ድማ ትዓቢ

19, 20. (ሀ) ፈታው የሆዋ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ከም እትኣምን ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

19 ብዛዕባ እቲ ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ካብ ፈለጥካ፡ ፈታው ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ፧ ንዘይትፈልጦ ሰብ ምፍታው ከቢድ እዩ። ዮሃንስ 17:3 ንየሆዋ ኽንፈልጦ ኸም እንኽእል ትነግረና። ንየሆዋ ኽትፈልጦ ቐጻሊ ጻዕሪ ምስ እትገብር፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ፣ ንዕኡ ኸተሐጕሶ ድሌት ኪሓድረካ እዩ፣ ፈታዊኡ ድማ ክትከውን ኢኻ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ብዛዕባ የሆዋ ብቐጻሊ ተምሃር።—1 ዮሃንስ 5:3

20 ብመስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እመን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ” ይብለና። (ዮሃንስ 3:36) ምእማን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ክንገብሮ ዝኣዘዘና ነገራት ምግባር እውን የጠቓልል። (ዮሃንስ 13:15) ብየሱስ ከም እንኣምን ምዝራብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። በቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ንኣምን እንተ ደኣ ዄንና፡ እምነትና ብግብርና ኸነርኢ ኣሎና። ያእቆብ 2:26፡ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ትብለና።

21, 22. (ሀ) በብዓመቱ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን እንታይ እዩ ኺግለጽ፧

21 ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣከብ። የሱስ፡ ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ዝኽሪ ሞቱ ኸነብዕል ከም ዘሎና ኣዚዙና እዩ። ዓመት ዓመት ከኣ ነብዕሎ ኢና። እዚ በዓል እዚ፡ በዓል ዝኽሪ ወይ “ድራር ጐይታ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። (1 ቈረንቶስ 11:20፣ ማቴዎስ 26:26-28) የሱስ፡ በጃ ኪዀነና ኢሉ ፍጽምቲ ህይወቱ ኸም ዝሃበና ኽንዝክር ይደልየና እዩ። “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኸኣ ኢሉ ኣሎ። (ሉቃስ 22:19 ኣንብብ።) ኣብ በዓል ዝኽሪ ምስ እትእከብ፡ ነቲ በጃ ዀነ ነታ የሆዋን የሱስን ንዓና ዘላቶም ፍቕሪ ኸም እትዝክር ኢኻ እተርኢ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 16 ርአ።

22 እቲ በጃ፡ ክንቅበሎ ኻብ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ውህበት ዚበልጽ ውህበት እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:14, 15) እቶም ሞይቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ከይተረፈ ኻብዚ ብሉጽ ውህበት እዚ ኺጥቀሙ እዮም። ኣብ ምዕራፍ 67ን ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ኺግለጽ እዩ።