ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሸውዓተ

ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!

ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!

1-3. ንዅላትና ኣሲሩና ዘሎ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ዚፈትሓናኸ ብኸመይ እዩ፧

ብዘይ ፈጸምካዮ ገበን ተኸሲስካ ንሕልፈት ከም እተፈርደካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ክትፍታሕ እትኽእለሉ ኣጋጣሚ የልቦን። ተስፋ ዘይብልካን ምንም ክትገብር ዘይትኽእልን ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ተስፋ ቘሪጽካ ኸለኻ ግና፡ ሓደ ኺፈትሓካ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ከም ዚሕግዘካ ቓል ኣትዩልካ። እሞኸ እንታይ ምተሰምዓካ፧

2 ኵላትና ብሞት ተኣሲርና ኢና። ዝገበረና እኳ እንተ ገበርና ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ግና ካብ ማእሰርቲ ሞት ኪፈትሓና ሓይሊ ኣለዎ። “እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ” ኢሉ ድማ ኣተስፍዩና እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:26

3 ብዛዕባ ሞት ዘይትጭነቐሉ እዋን ክሳዕ ክንደይ ደስ ከም ዜብል እሞ ሕሰብ! ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሞት ጥራይ ኣይኰነን ኬወግዶ። ንምዉታት እውን ኬተንስኦም እዩ። እዚ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚትንክፈካ ሕሰብ። እቶም “ብሞት እተሰነፉ” ህያዋን ከም ዝዀኑ፡ ኣምላኽ ኣተስፍዩ እዩ። (ኢሳይያስ 26:19) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዅነታት እዚ፡ ትንሳኤ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ።

ሰብካ ምስ ዚሞተካ

4. (ሀ) ሓደ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ እንቐርቦ ዓርክና ኺሞተና ኸሎ ኼጸናንዓና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) ገለ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሱስ መን እዮም፧

4 ሓደ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ እንቐርቦ ዓርክና ኺሞተና ኸሎ ዚስምዓና ስቓይን ሓዘንን ንምጻሩ ኸቢድ እዩ። ተስፋ የቝርጸና እዩ። ነቲ ዝሞተ ሰብ ከነተንስኦ ኣይንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ናይ ሓቂ መጸናንዒ ይህበና እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) የሆዋን የሱስን ነቶም እነፍቅሮም ሰብና ኸተንስእዎም ከም ዚደልዩ ዜረጋግጽ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንኣልኣዛርን ነተን ማርታን ማርያምን ዚብሃላ ኣሓቱን ብዙሕ ሳዕ ይበጽሖም ነበረ። ሰለስቲኦም ንየሱስ ዚቐርብዎ ፈተውቱ እዮም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ” ይብለና። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና ኣልኣዛር ሞተ።—ዮሃንስ 11:3-5

5, 6. (ሀ) የሱስ ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣልኣዛር ኪሓዝኑ ምስ ረኣየ እንታይ ገበረ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ሞት ከመይ ከም ዚስምዖ ምፍላጥና ዜጸናንዓና ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ንማርታን ንማርያምን ኬጸናንዐን ከደ። ማርታ ድማ፡ የሱስ ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐት፡ ክትረኽቦ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኸደት። ንየሱስ ብምርካባ ባህ ኢልዋ እኳ እንተ ነበረ፡ “ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። የሱስ ደንጕዩ ኸም ዝመጸ እዩ ተሰሚዑዋ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ የሱስ፡ ማርያም ክትበኪ ኸላ ረኣየ። ሓዘነን ስለ እተሰምዖ ኸኣ በኸየ። (ዮሃንስ 11:21, 33, 35) እወ፡ ሰብና ኺሞተና ኸሎ ዚስምዓና ኸቢድ ሓዘን ተረዲእዎ ነበረ።

6 የሱስ ነቲ ብዛዕባ ሞት ዚስምዓና ስምዒት ከም ዚርድኦ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። የሱስ ከም ኣቦኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ የሆዋ እውን ስምዒትና ይርድኦ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) የሆዋ ንሞት ንሓዋሩ ኼወግዶ ሓይሊ ኣለዎ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ከምኡ ኺገብር እዩ።

“ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ”

7, 8. ማርታ እቲ እምኒ ኻብ መቓብር ኣልኣዛር ኬልግስ ዘይደለየት ስለምንታይ እያ፧ የሱስ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧

7 የሱስ ኣብቲ ሬሳ ኣልኣዛር እተቐብረሉ መቓብር ምስ በጽሐ፡ እቲ ኣፍ ደገ መቓብር ብዓብዪ እምኒ ተዓጽዩ ነበረ። የሱስ ከኣ፡ “ነዚ እምኒ ኣልግስዎ” በለ። ማርታ ግና፡ ሬሳ ኣልኣዛር ኣብቲ በዓቲ ራብዕቲ ገይሩ ስለ ዝነበረ፡ ኬልግስዎ ኣይደለየትን። (ዮሃንስ 11:39) የሱስ ንሓዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ኣይፈለጠትን ነይራ።

ኣልኣዛር ምስ ተንስአ፡ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ እሞ ሕስብ ኣብሎ! —ዮሃንስ 11:38-44

8 የሱስ ንኣልኣዛር፡ “ንዓ ውጻእ” በሎ። ድሕሪኡ ማርታን ማርያምን ዝረኣያኦ ነገር ዜደንቕ እዩ ነይሩ። “እቲ ሞይቱ ዝነበረ . . . ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብመግነዝ ተገኒዙ፡ ገጹ እውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኸሎ ወጸ።” (ዮሃንስ 11:43, 44) እወ፡ ኣልኣዛር ህያው ኰነ! ምስ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ድማ ተራኸበ። ኪትንክይዎ፡ ኪሓቝፍዎ፡ ኬዛርብዎ ይኽእሉ ነበሩ። የሱስ ንኣልኣዛር ምትንሳኡስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ተኣምር ኰን እዩ!

“ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ”

9, 10. (ሀ) የሱስ ንሰባት ኬተንስእ ካበይ እዩ ሓይሊ ረኺቡ፧ (ለ) ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጸብጻባት ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

9 የሱስ ንሰባት ብሓይሉ ድዩ ኣተንሲእዎም፧ ኣይፋልን። ንኣልኣዛር ቅድሚ ምትንሳኡ፡ ናብ የሆዋ ጸልዩ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ዜኽእሎ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። (ዮሃንስ 11:41, 42 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ኣልኣዛር ጥራይ ኣይኰነን ካብ ምዉታት ተንሲኡ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከቢድ ሕማም ሓሚማ ብዛዕባ ዝነበረት ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ይነግረና እዩ። እቲ ያኢሮስ ዝስሙ ኣቦኣ ተስፋ ቘሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኼሕውያ ለመኖ። ሓንቲ ጓሉ ኸኣ እያ ነይራ። ንሱ ንየሱስ ኪዛረቦ ኸሎ ድማ፡ ገለ ሰባት መጺኦም፡ “ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በልዎ። የሱስ ግና ንያኢሮስ፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ፡ ክትድሕን እያ” በሎ። ምስኡ ድማ ናብ ቤት ያኢሮስ ከደ። የሱስ ናብታ ቤት ምስ ቀረበ፡ ሰባት ኪበኽዩ ኸለዉ ረኣየ። ንዓታቶም ከኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ” በሎም። ኣቦኣን ኣዲኣን እንታይ ማለቱ ኸም ዝዀነ ደንጽይዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንዅላቶም ምስ ኣውጽኦም፡ ንኣቦን ንኣደን እታ ቘልዓ ተማሊኡ፡ ናብቲ እታ ቘልዓ ዝነበረቶ ኽፍሊ ኣተወ። ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ድማ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ” በላ። እቶም ወለዲ፡ እታ ቘልዓ ተንሲኣ ኽትንቀሳቐስ ከላ ምስ ረኣይዋስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! የሱስ ንጓሎም ኣተንሲኡሎም እዩ። (ማርቆስ 5:22-24, 35-42፣ ሉቃስ 8:49-56) ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ንጓሎም ኪርእይዋ ኸለዉ ነቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ዝገበረሎም ነገር ይዝክርዎ እዮም። *

10 እቶም የሱስ ዘተንሰኦም ሰባት ጸኒሖም ሞይቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባኦም ዚገልጽ ጸብጻብ ናይ ሓቂ ተስፋ ስለ ዚህበና ኣገዳሲ እዩ። የሆዋ ንሰባት ኬተንስኦም ይደሊ እዩ፣ ከተንስኦም ድማ እዩ።

ካብ ጸብጻባት ትንሳኤ እንታይ ንምሃር፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ዶርቃስ እትብሃል ክርስትያን ሰበይቲ ኣተንስኣ። —ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42

ኤልያስ ንወዲ ሓንቲ መበለት ኣተንስኦ። —1 ነገስት 17:17-24

11. መክብብ 9:5 ብዛዕባ ኣልኣዛር እንታይ ይምህረና፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል። ኣልኣዛር ምስ ሞት ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ነይሩ። (መክብብ 9:5) ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ኣልኣዛር ደቂሱ ነይሩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ዮሃንስ 11:11) እወ፡ ኣልኣዛር ኣብ መቓብር ከሎ፡ ‘ገለ እኳ ኣይፈልጥን’ እዩ ነይሩ።

12. ኣልኣዛር ብሓቂ ኸም ዝተንስአ ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 የሱስ ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ኸሎ ብዙሓት ሰባት ርእዮም እዮም። ጸላእቲ የሱስ እውን ነዚ ተኣምራት እዚ ኸም ዝፈጸመ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣልኣዛር ህያው ኰይኑ ስለ ዝነበረ፡ ትንሳኤ ኸም እተፈጸመ ርግጽ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 11:47) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት ንኣልኣዛር ኪርእይዎ ናብኡ ይኸዱ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ ብኣምላኽ ከም እተላእከ ኣመኑ። ጸላእቲ የሱስ እዚ ደስ ስለ ዘየበሎም፡ ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪቐትልዎም ተማኸሩ።—ዮሃንስ 11:53፣ 12:9-11

13. የሆዋ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ከም ዚትንስኡ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 5:28) ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ኺትንስኡ እዮም። የሆዋ ንሓደ ሰብ ኬተንስእ እንተ ዀይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኵሉ ነገር ብዝርዝር ኪዝክር ኣለዎ። እሞኸ ኺዝክር ይኽእል ድዩ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዩኒቨርስ ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንስም ኵሎም ከዋኽብቲ ኸም ዚፈልጦ ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ።) ስም ኵሎም ከዋኽብቲ ኺዝክር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ዜተንስኦም እውን ኵሉ ነገር ብዝርዝር ኪዝክር ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠሮ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ንሰባት ኬተንስኦም ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና።

14, 15. ቃላት እዮብ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ይምህረና፧

14 እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ብትንሳኤ ይኣምን ነይሩ እዩ። “ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ንየሆዋ ድማ፡ “ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ። ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ ኢኻ” በሎ። እወ፡ የሆዋ ነቲ ንምዉታት ዜተንስኣሉ እዋን ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዮ እዮብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—እዮብ 14:13-15

15 ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምስ ፈለጥካ፡ ከመይ ተሰሚዑካ፧ ‘እቶም ዝሞቱ ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ኪትንስኡ ደዀን ይዀኑ፧’ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን። የሆዋ ንምዉታት ብሓቂ ኼተንስኦም ከም ዚደሊ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ምስ ተንስኡ ኣበይ ከም ዚነብሩን መን ከም ዚትንስእን ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

‘ድምጹ ሰሚዖም ኪወጹ እዮም’

16. እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ እንታይ ዓይነት ህይወት እዩ ዚህልዎም፧

16 እቶም ቀደም ዝተንስኡ ምስ ስድራ ቤቶምን ምስ ፈተውቶምን እተራኸቡ ኣብ ምድሪ እዩ። እዚ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኣዝዩ ብዝበለጸ መገዲ ኺፍጸም እዩ። ስለምንታይ፧ እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም። ምድሪ ኻብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣዝያ እተፈልየት ክትከውን እያ። ውግእን ዓመጻን ሕማምን ኣይኪህሉን እዩ።

17. መን እዮም ዚትንስኡ፧

17 መን እዮም ዚትንስኡ፧ የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” እዩ ኢሉ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ራእይ 20:13 ኸኣ፡ “ባሕሪ . . . ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ” ትብለና። እወ፡ ቢልዮናት ሰባት ኪትንስኡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን” ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ገነት፡ ምዉታት ተንሲኦም ምስ ዜፍቅርዎም ሰባት ኪራኸቡ እዮም

18. እቶም ዚትንስኡ “ጻድቃን” መን እዮም፧

18 እቶም “ጻድቃን” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ነቶም የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን የጠቓልሉ እዮም። ከም እኒ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ሩት፡ ኣስቴር ዝኣመሰሉ ሰባት ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም። ብዛዕባ ገለ ኻብዞም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብዚ ግዜና ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋኸ፧ ንሳቶም እውን “ጻድቃን” ስለ ዝዀኑ፡ ኪትንስኡ እዮም።

19. እቶም “ሓጥኣን” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ የሆዋኸ እንታይ ኣጋጣሚ ኺህቦም እዩ፧

19 እቶም “ሓጥኣን” ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ቢልዮናት ሰባት እዮም። ዋላ እኳ እንተ ሞቱ፡ የሆዋ ኣይረስዖምን። ኬተንስኦም እዩ፣ ንዕኡ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ከኣ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም።

20. ትንሳኤ ዚረክብ ኵሉ ሰብ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ኰይኑ ግና፡ ኵሎም ምዉታት ድዮም ኪትንስኡ፧ ኣይፋሉን። ገሊኦም ሰባት ከም ዘይትንስኡ፡ የሱስ ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 12:5) መን ኪትንስእ ከም ዘለዎ ዚውስን ግና መን እዩ፧ እቲ ናይ መወዳእታ ዳኛ የሆዋ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሱስ “ፈራድ ህያዋንን ምዉታትን ኪኸውን” ስልጣን ሂብዎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) እኩይን ዘይልወጥን ከም ዝዀነ እተፈርዶ ዘበለ ድማ፡ ትንሳኤ ኣይረክብን እዩ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 19 ርአ።

ሰማያዊ ትንሳኤ

21, 22. (ሀ) እቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡ እንታይ ዓይነት ኣካል እዩ ዚህልዎም፧ (ለ) ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሰማይ ተንሲኡ ዝኸደ መን እዩ፧

21 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ ይነግረና እዩ። ሓደ ሰብ ናብ ሰማይ ተንሲኡ ምስ ከደ፡ ሰብኣዊ ኣካል ዘለዎ ሰብ ኣይኰነን ዚኸውን። መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ እዩ ናብ ሰማይ ዚኸይድ።

22 ንመጀመርታ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ትንሳኤ ዝረኸበ የሱስ እዩ። (ዮሃንስ 3:13) የሱስ ምስ ተቐትለ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ የሆዋ ኣተንስኦ። (መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:34, 35) የሱስ ግና ሰብኣዊ ኣካል ሒዙ ኣይኰነን ተንሲኡ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ብስጋ ሞይቱ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰይኑ” ኢሉ ገለጸ። (1 ጴጥሮስ 3:18) የሱስ ሓያል መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ እዩ ተንሲኡ። (1 ቈረንቶስ 15:3-6) ካልኦት እውን ከምኡ ኸም ዚትንስኡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

23, 24. እቶም የሱስ ዝገለጾም “ሒደት መጓሰ” መን እዮም፧ ቍጽሮምከ ኽንደይ እዩ፧

23 የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ “ቦታ ኸዳልወልኩምሲ እኸይድ ኣለኹ” በሎም። (ዮሃንስ 14:2) ስለዚ፡ ገሊኦም ሰዓብቱ ተንሲኦም ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም። ቍጽሮም ክንደይ እዩ፧ የሱስ ብዙሓት ከም ዘይኰኑ ንምምልካት፡ “ሒደት መጓሰ” ኢልዎም ኣሎ። (ሉቃስ 12:32) ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ፡ “እቲ ገንሸል [የሱስ] ኣብ [ሰማያዊ] ከረን ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም 144,000 እውን ምስኡ ረኣኹ” ብምባል ልክዕ ቍጽሮም ሓቢሩ ኣሎ።—ራእይ 14:1

24 እቶም 144,000 ክርስትያናት ዚትንስኡ መዓስ እዮም፧ እዚ ዚፍጸም ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:23) ሕጂ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢና እንነብር ዘለና፣ ካብቶም 144,000 ከኣ መብዛሕትኦም ድሮ ናብ ሰማይ ተንሲኦም እዮም። እቶም ገና ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ድማ፡ ምስ ሞቱ ብቕጽበት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪትንስኡ እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መጻኢ ተንሲኦም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ እዮም።

25. ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

25 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ ካብ ሞት ሓራ ኼውጽኦም እዩ። ሞት ድማ ንዘለኣለም ኪጠፍእ እዩ። (ኢሳይያስ 25:8 ኣንብብ።) እቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡ ግና ኣብኡ እንታይ ኪገብሩ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ የሱስ ኰይኖም ሰማያዊት መንግስቲ ኸም ዜመሓድሩ እዩ ዚገልጽ። ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ ዚቕጽል ምዕራፍ ክንምሃር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ፡ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ፡ እስራኤላውያን ኰኑ ጓኖት ከም ዝተንስኡ ዚገልጽ ካልእ ጸብጻባት እውን ይርከብ እዩ። ነዚ ድማ፡ ኣብ 1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21፣ ማቴዎስ 28:5-7፣ ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ 20:7-12 ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ።