ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ትሽዓተ

መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

1. ብዛዕባ መጻኢ ኽንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ዜና ምስ ሰማዕካ፡ ‘ኵነታት ይኸፍእ ኣሎ’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ዜሕዝን ነገራትን ጭካነን ይበዝሕ ስለ ዘሎ፡ ገሊኦም ሰባት መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ይሓስቡ እዮም። እሞኸ ሓቆም ድዮም፧ ብዛዕባ መጻኢ ኽንፈልጥ እንኽእለሉ መገዲ ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ። ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኺንበዩ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ኣምላኽ ግና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢናን ብዛዕባ መጻኢ ምድርን ይነግረና እዩ።—ኢሳይያስ 46:10፣ ያእቆብ 4:14

2, 3. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም፧ የሱስከ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዚገልጾ ነገራት፡ እዛ እንነብረላ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ዘይኰነስ፡ እከይ ከም ዚውገድ እዩ ዜመልክት። መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም እትገዝኣ የሱስ ምሂሩ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ደቀ መዛሙርቱ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም እትመጽእ ኪፈልጡ ደልዮም፡ “እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ግና እታ መዓልቲ ብልክዕ መዓስ ከም ዝዀነት ኣይነገሮምን፣ የግዳስ፡ መወዳእታ ዓለም ቅድሚ ምምጻኡ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እዩ ሓቢርዎም። እቲ የሱስ ዝበሎ ነገራት ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ይፍጸም ኣሎ።

3 ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ቀቅድሚ መወዳእታ ዓለም ኣብ ዘሎ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር መርትዖታት ክንርኢ ኢና። መጀመርታ ግና፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ስለምንታይ ከፊኡ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ ክንምሃር ኢና።

ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ

4, 5. (ሀ) የሱስ ምስ ነገሰ ኣብ ሰማይ እንታይ ኰነ፧ (ለ) ብመሰረት ራእይ 12:12፡ ሰይጣን ምስ ተደርበየ ኣብ ምድሪ እንታይ ኰነ፧

4 ኣብ ምዕራፍ 8፡ የሱስ ብ1914 ኣብ ሰማይ ከም ዝነገሰ ተማሂርና ኔርና። (ዳንኤል 7:13, 14) መጽሓፍ ራእይ ከኣ እንታይ ከም ዘጋጠመ ትነግረና እያ። “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን [ማለት፡ የሱስ] መላእኽቱን ምስቲ ገበል [ማለት፡ ሰይጣን] ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም” ከኣ ትብለና። * ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብቲ ውግእ ተሳዕሩ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ተደርበዩ። ሽዑ መላእኽቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ እሞ ሕሰብ! እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባትከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንደቂ ሰብ መከራ ኸም ዚበዝሖም እዩ ዚገልጽ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ድያብሎስ፡ “ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ” ኣዝዩ ተቘጢዑ እዩ ዘሎ።—ራእይ 12:7, 9, 12

5 ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብዙሕ መከራ የውርድ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ከም ዜጥፍኦ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣዝዩ ነዲሩ እዩ ዘሎ። የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንመርምር።—ተወሳኺ ሓበሬታ 24 ርአ።

ዳሕሮት መዓልትታት

6, 7. እቲ የሱስ ብዛዕባ ውግእን ጥሜትን እተነበዮ ትንቢት ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

6 ውግእ። የሱስ፡ “መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:7) ቍጽሪ እቶም ኣብዚ ግዜና ብውግእ ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት ዚብሃል ትካል፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ብውግእ ከም እተቐትሉ ጸብጺቡ እዩ። ካብ 1900 ክሳዕ 2000 ኣብ ዝነበረ 100 ዓመት ኣብ ውግእ ዝሞቱ ሰባት ካብቶም ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ 1,900 ዓመት ዝሞቱ ብሰለስተ ዕጽፊ ኣቢሎም ይዛይዱ። እወ፡ ሚልዮናት ሰባት ብሰንኪ ውግእ ብዙሕ መከራን ስቓይን ይወርዶም ኣሎ።

7 ጥሜት። የሱስ፡ “ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:7) ካብ ቅድሚ ሕጂ ዚበዝሕ እኽሊ ይፈሪ እኳ እንተሎ፡ ብዙሓት ሰባት ግና እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም ዘለዉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እኽሊ ንምዕዳግ ወይ እኽሊ ዜፍርዩሉ መሬት ንምዕዳግ ዚኸውን እኹል ገንዘብ የብሎምን። ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ መዓልቲ ብትሕቲ ሓደ ዶላር እዮም ዚናበሩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኸም ዝገለጾ ድማ፡ ኣብ ዓዓመት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቘልዑ ብሰንኪ ጕድለት እተመጣጠነ ምግቢ ይሞቱ እዮም።

8, 9. እቲ የሱስ ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድርን ብዛዕባ ሕማምን እተነበዮ ትንቢት ከም እተፈጸመ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

8 ምንቅጥቃጥ ምድሪ። የሱስ፡ “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን . . . እዩ” በለ። (ሉቃስ 21:11) ኣብዚ እዋን እዚ፡ በብዓመቱ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኬጋጥም ትጽቢት ይግበር እዩ። ካብ 1900 ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም እዮም። ሳላ ተክኖሎጂ መዓስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዜጋጥም ኣቐዲምካ ኺፍለጥ እኳ እንተ ተኻእለ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ።

9 ሕማም። የሱስ፡ “ለበዳ” ኸም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። ከቢድ ሕማማት ከኣ ብቕልጡፍ ኣስፋሕፊሑ ንብዙሓት ይቐትል ኣሎ። (ሉቃስ 21:11) ሓካይም ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ኪሕክሙ እኳ እንተ ኸኣሉ፡ ፈውሲ ዘይብሉ ብዙሕ ሕማማት ግና ኣሎ። ሓደ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ሸሮኽን ካልእ ሕማማትን በብዓመቱ ንሚልዮናት ሰባት ይቐትሎም ኣሎ። ሓካይም ከኣ 30 ሓደስቲ ሕማማት ከም እተቐልቀለ ይገልጹ ኣለዉ። ገለ ኻብዚ ድማ ፈውሲ የብሉን።

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት

10. እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 እተነግረ ትንቢት ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ” ይብል። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዚህልዎም ገሊጹ እዩ። ገለ ኻብቲ ዝጠቐሶ ባህርያት ስዒቡ ተዘርዚሩ ኣሎ፦

  • ፈተውቲ ርእሶም

  • ፈተውቲ ገንዘብ

  • ንወለዶም ዘይእዘዙ

  • ዘይእሙናት

  • ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም

  • ርእሶም ዘይገትኡ

  • ጨካናትን ቍጡዓትን

  • ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ

  • ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ዚመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ዘይእዘዝዎ

11. ብመሰረት መዝሙር 92:7፡ እኩያት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

11 ኣብ እትነብረሉ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ባህርያት ኣለዎምዶ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት እዚ ባህርያት እዚ ኣለዎም። ኣምላኽ ግና ስጕምቲ ኺወስደሎም እዩ። “እኩያት ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ፡ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ድማ ይልምልሙ፣ እዚ ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ” ኢሉ ድማ ኣተስፍዩ ኣሎ።—መዝሙር 92:7

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚርአ ሰናይ ነገራት

12, 13. የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ እዩ ምሂሩና፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ምድሪ ብስቓይን መከራን ከም እትምላእ ይንበ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰናይ ነገራት ከም ዚህሉ እውን ይገልጽ እዩ።

“እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።” —ማቴዎስ 24:14

13 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ። ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ጽሒፉ እዩ። “ናይ ሓቂ ፍልጠት ከኣ ኪበዝሕ እዩ” በለ። (ዳንኤል 12:4) ብፍላይ ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኪርድእዎ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስሙ፡ ብዛዕባ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ፡ ብዛዕባ በጃ፡ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ትንሳኤ ምሂሩና እዩ። ንዅሉ ጸገማትና እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነት ድማ ተማሂርና ኢና። ሕጉሳት ክንከውንን ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ኽንነብርን እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ እውን ተማሂርና ኢና። ኣገልገልቲ ኣምላኽከ ነዚ ዝረኸብዎ ፍልጠት እንታይ እዮም ዚገብርዎ፧ ካልእ ትንቢት፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ይነግረና እዩ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 21ን 25ን ርአ።

14. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ እዩ ዚስበኽ ዘሎ፧ መንከ እዮም ዚሰብክዎ ዘለዉ፧

14 ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት። የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዝሃቦ ትንቢት፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 14) እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ካብ 700 ብዚዛይድ ቋንቋታት ይስበኽ ኣሎ። እወ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኻብ “ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን” ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ እትገብረሎም ነገራትን ኪፈልጡ ይሕግዝዎም ኣለዉ። (ራእይ 7:9) ነዚ ድማ ብዘይ ክፍሊት እዮም ዚገብርዎ። ብዙሓት ዚጸልእዎምን ዚሰጕግዎምን እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምቲ የሱስ እተነበዮ እቲ ዕዮ ስብከት ደው ኪብል ኣይክእልን እዩ።—ሉቃስ 21:17

እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧

15. (ሀ) ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ትኣምን ዲኻ፧ ስለምንታይ፧ (ለ) እቶም ንየሆዋ ዚእዘዙ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ እቶም ዘይእዘዙኸ፧

15 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ትኣምን ዲኻ፧ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዚገልጽ ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም እዩ ዘሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዕዮ ስብከት ብስራት ደው ምስ ኣበሎ፡ “መወዳእታ” ኺመጽእ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ ኣብዚ መወዳእታ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚ ነቲ ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ዜጥፍኣሉ ኣርማጌዶን እዩ ዜመልክት። የሆዋ ብየሱስን በቶም ሓያላት መላእኽቱን ገይሩ ነቶም ንዕኡን ንወዱን ዘይእዘዙ ዘበሉ ኼጥፍኦም እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) ድሕሪኡ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሰባት ኣይኬስሕቱን እዮም። ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዙን ንመንግስቱ ዚግዝኡን ከኣ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም።—ራእይ 20:1-3፣ 21:3-5

16. መወዳእታ ስለ ዝቐረበ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

16 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ እዛ ሰይጣን ዝገዝኣ ዘሎ ዓለም ክትጠፍእ እያ። ስለዚ፡ ‘እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። የሆዋ ብዛዕባኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክትምሃር ይደልየካ እዩ። ነቲ እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቝም ነገር ክትርእዮ ኣሎካ። (ዮሃንስ 17:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ዚሕግዞም ሰሙናዊ ኣኼባታት ይገብሩ እዮም። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ኣዘውቲርካ ኽትካፈል ጽዓር(እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ለውጢ ኽትገብር ከም ዘሎካ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣይትፍራህ። ለውጥታት ክትገብር ከለኻ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኪድልድል እዩ።—ያእቆብ 4:8

17. መወዳእታ ምስ መጸ ብዙሓት ሰባት ዚስምብዱ ስለምንታይ እዮም፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ጥፍኣት እቶም እኩያት “ከምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ” ዀይኑ ብድንገት ከም ዚመጽእ ገሊጹ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:2) ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዜረጋግጽ መርትዖ ሸለል ከም ዚብልዎ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን [ወይ፡ ዳሕሮት መዓልትታት] ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መዓልትታትሲ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37-39

18. የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡና፧

18 የሱስ፡ “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ጭንቀት ናብራን” ንኣቓልቦና ኸይሰርቆ ኣጠንቂቑና እዩ። መወዳእታ ዓለም “ከም መፈንጠራ” ዀይኑ ሃንደበት ከም ዚመጽእ ተዛሪቡ እዩ። ‘ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ኸም ዚመጽእ’ እውን ነጊሩና እዩ። ወሲኹ ኸኣ፡ “እምበኣር፡ ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኸተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ምእንቲ ኽትቈሙን፡ ኵሉ ሳዕ እናተማህለልኩም [ወይ፡ ካብ ልቢ እናጸለኹም] ንቕሑ” በለ። (ሉቃስ 21:34-36) ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ክትጠፍእ እያ። እቶም ሞገስ የሆዋን የሱስን ዝረኸቡ ጥራይ ድሒኖም ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ዮሃንስ 3:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

^ ሕ.ጽ. 4 ሚካኤል ካልእ ስም የሱስ ክርስቶስ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ 23 ርአ።