ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተ

መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧

መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧

1. ብዛዕባ መላእኽቲ ኽንፈልጥ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ። መላእኽቲ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደቂ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖም። (እዮብ 38:7) መላእኽቲ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ቀደም ንሰባት ዝሓገዙ ብኸመይ እዮም፧ ኣብዚ እዋን እዚኸ ኺሕግዙና ይኽእሉ ድዮም፧—ተወሳኺ ሓበሬታ 8 ርአ።

2. ንመላእኽቲ መን እዩ ፈጢርዎም፧ ክንደይ መላእኽቲኸ እዮም ተፈጢሮም፧

2 ንመላእኽቲ መን ከም ዝፈጠሮም ክንፈልጥ ኣሎና። ቈሎሴ 1:16፡ የሆዋ ንየሱስ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ‘ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ኸም ዝፈጠረ’ ትገልጸልና። እዚ ድማ ንመላእኽቲ እውን የጠቓልል። ክንደይ ዝዀኑ መላእኽቲ እዮም ተፈጢሮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ይነግረና እዩ።—መዝሙር 103:20፣ ራእይ 5:11

3. እዮብ 38:4-7 ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ትነግረና፧

3 የሆዋ ንመላእኽቲ ዝፈጠሮም፡ ንምድሪ ቕድሚ ምፍጣሩ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ንምድሪ ምስ ረኣይዋ፡ እንታይ ተሰሚዕዎም፧ መጽሓፍ እዮብ ከም እተሓጐሱ ትነግረና። መላእኽቲ ንየሆዋ ብሓድነት ዜገልግሉ ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም ነይሮም።—እዮብ 38:4-7

መላእኽቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሕግዙ

4. መላእኽቲ ብደቂ ሰብ ከም ዚግደሱ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 መላእኽቲ ብደቂ ሰብ ኰነ በቲ የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ይግደሱ እዮም። (ምሳሌ 8:30, 31፣ 1 ጴጥሮስ 1:11, 12) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ፡ መላእኽቲ ብዙሕ ከም ዝጐሃዩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ እውን መብዛሕትኦም ሰባት ንየሆዋ ስለ ዘይእዘዝዎ፡ ዝያዳ ኸም ዚጕህዩ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ተነሲሑ ምስ ኣምላኽ ኪዕረቕ ከሎ ይሕጐሱ እዮም። (ሉቃስ 15:10) መላእኽቲ ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ይግደሱሎም እዮም። የሆዋ ድማ ብመላእኽቲ ገይሩ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ይሕግዞምን የዕቍቦምን እዩ። (እብራውያን 1:7, 14) ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

“ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ።”—ዳንኤል 6:22

5. ቀደም፡ መላእኽቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝሓገዝዎም ብኸመይ እዮም፧

5 የሆዋ ኽልተ መላእኽቲ ልኢኹ፡ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ካብ ጥፍኣት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ኣድሒንዎም እዩ። (ዘፍጥረት 19:15, 16) ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ ድማ፡ ነብዪ ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። ‘ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ስለ ዝዓጸወ’ ግና ሓንቲ እኳ ኣይተጐድአን። (ዳንኤል 6:22) ድሕሪ ግዜ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ተኣስረ፡ የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:6-11) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እውን መላእኽቲ ሓጊዞምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ምስ ተጠምቀ፡ “መላእኽቲ . . . የገልግልዎ ነበሩ።” (ማርቆስ 1:13) ቀቅድሚ ሙማቱ ድማ፡ መልኣኽ “ኣበርትዖ።”—ሉቃስ 22:43

6. (ሀ) ሎሚ መላእኽቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚሕግዝዎም ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧

6 ሎሚ፡ ሰባት ንመላእኽቲ ኣይርእይዎምን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ገይሩ ንኣገልገልቱ ይሕግዞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡ የናግፎም እውን” ይብለና። (መዝሙር 34:7) ዕቝባ ዜድልየና ግና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ኪጐድኡና ዚደልዩ ሓያላት ጸላእቲ ኣለዉ። እዚኣቶም መን እዮም፧ ካበይ እዮም መጺኦም፧ ብኸመይከ እዮም ኪጐድኡና ዚጽዕሩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ተፈጥሩ ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንርአ።

ዘይረኣዩ ጸላእትና

7. ሰይጣን ንሰባት ብምትላል እንታይ ከም ዚገብሩ እዩ ገይርዎም፧

7 ኣብ ምዕራፍ 3፡ ሓደ መልኣኽ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዓለወን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ገዛኢ ኪኸውን ከም ዝደለየን ርኢና ኔርና። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጸላኢ እዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን፡ ካልኦት እውን ካብ ኣምላኽ ኪዓልዉ ይደሊ እዩ። ንሄዋን ኣታሊልዋ እዩ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እውን ንመብዛሕትኦም ሰባት የታልሎም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ከም ኣቤልን ሄኖክን ኖህን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም እዮም።—እብራውያን 11:4, 5, 7

8. (ሀ) ገሊኦም መላእኽቲ፡ ኣጋንንቲ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣጋንንቲ ብማይ ኣይሂ ምእንቲ ኸይጠፍኡ እንታይ እዮም ገይሮም፧

8 ብግዜ ኖህ፡ ገሊኦም መላእኽቲ ዓልዮም እዮም። ነቲ ሰማያዊ መንበሪኦም ሓዲጎም ናብ ምድሪ ወሪዶም ድማ ሰባት ኰይኖም ኪነብሩ ጀመሩ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣንስቲ ኸም ዝደለዩ ይነግረና። (ዘፍጥረት 6:2 ኣንብብ።) መላእኽቲ ኸምኡ ኺገብሩ ግና ጌጋ እዩ ነይሩ። (ይሁዳ 6) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ፡ ከምቶም እኩያት መላእኽቲ ብልሹዋትን ዓመጸኛታትን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም እኩያት ሰባት ብማይ ኣይሂ ገይሩ ኼጥፍኦም ወሰነ። ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ግና ኣድሓኖም። (ዘፍጥረት 7:17, 23) እቶም እኩያት መላእኽቲ ድማ ምእንቲ ኸይጠፍኡ ናብ ሰማይ ተመልሱ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም እኩያት መላእኽቲ ኣጋንንቲ ኢሉ እዩ ዚጽውዖም። ንሳቶም ምስ ሰይጣን ኪሓብሩ ስለ ዝመረጹ ኸኣ፡ ድያብሎስ ገዛኢኦም ኰነ።—ማቴዎስ 9:34

9. (ሀ) ኣጋንንቲ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሱ፡ እንታይ እዮም ኰይኖም፧ (ለ) ንኣጋንንቲ ብዚምልከት እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

9 እቶም ኣጋንንቲ ዓለወኛታት ስለ ዝዀኑ፡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሱ፡ የሆዋ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪዀኑ ኣይፈቐደሎምን። (2 ጴጥሮስ 2:4) ድሕሪኡ፡ ኣጋንንቲ ናብ ሰብ ኪቕየሩ ኣይክእሉን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕትዋ ኣለዉ።’ (ራእይ 12:9፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ንብዙሓት ሰባት ብኸመይ ኬታልሉ ወይ ኬስሕቱ ኸም ዝኸኣሉ እስከ ንመሃር።2 ቈረንቶስ 2:11 ኣንብብ።

ኣጋንንቲ ንሰባት ዜታልሉሉ መገድታት

10. ኣጋንንቲ ንሰባት ዜታልልዎም ብኸመይ እዮም፧

10 ኣጋንንቲ ንሰባት ብእተፈላለየ መገዲ የታልልዎም እዮም። ሰባት ብቐጥታ ዀነ ብጠንቋሊ ወይ ብጠያቒ መናፍስቲ ምስ ኣጋንንቲ ይራኸቡ እዮም። ምስ ኣጋንንቲ ምርኻብ፡ ኣጋንንታዊ ተግባር ወይ መናፍስትነት ይብሃል። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣጋንንታዊ ተግባራት ክንርሕቕ ይምዕደና እዩ። (ገላትያ 5:19-21) ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓደ ሃዳናይ እንስሳታት ምእንቲ ኺሕዝ መጻወድያ ዚጥቀም፡ ኣጋንንቲ እውን ንሰባት ኣብ መጻወድያ ንምእታውን ንምቍጽጻርን መታለሊ መገድታት ይጥቀሙ እዮም።—ተወሳኺ ሓበሬታ 26 ርአ።

11. ጥንቈላ እንታይ እዩ፧ ካብኡ ኽንርሕቕ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

11 ሓደ ኻብቲ ኣጋንንቲ ዜታልልሉ መገድታት፡ ጥንቈላ እዩ። ጥንቈላ፡ ብኣጋንንታዊ ሓይሊ ጌርካ ብዛዕባ መጻኢ ወይ ብዛዕባ ዘይተፈልጠ ነገር ክትፈልጥ ምጽዓር ማለት እዩ። ገሊኦም ንኸዋኽብቲ ብምጥማት፡ ዛዕጐል ብምውዳቕ፡ ኣብ ፍንጃል ዝተረፈ ዳካ ቡን ብምንባብ፡ ብካርታታት ጥንቈላ፡ ብክሪስታላዊ ዅዕሶ፡ ወይ ኢድ ሰብ ብምንባብ ይጥንቍሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ተግባራት እዚ ምንም ጕድኣት ከም ዘይብሉ ይሓስቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ከቢድ ጕድኣት የስዕብ እዩ። ንኣብነት፡ ኣጋንንትን ጠንቈልትን ብሓንሳእ ከም ዚዓይዩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18 ብዛዕባ ንሓንቲ ገረድ ‘ክትጥንቍል’ ዚሕግዛ ዝነበረ “መንፈስ ጥንቈላ” ነንብብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውጽኦ፡ እታ ገረድ ብዛዕባ መጻኢ ኽትጥንቍል ኣይከኣለትን።

12. (ሀ) ምስ ምዉታት ክትዘራረብ ምፍታን ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ኣጋንንታዊ ተግባራት ኪርሕቁ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ኣጋንንቲ ንሰባት ምእንቲ ኼታልሉ ኻልእ መጻወድያ እውን ይጥቀሙ እዮም። ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ እሞ፡ ምሳታቶም ክንዘራረብ ከም እንኽእል፡ ኪጐድኡና እውን ከም ዚኽእሉ ኼእምኑና ይጽዕሩ እዮም። ንኣብነት፡ ፈታዊኡ ወይ ቤተ ሰቡ ዝሞቶ ሰብ፡ ናብ ሓደ ምስቲ ምዉት ኬራኽቦ ኸም ዚኽእል ዚዛረብ ጠያቒ መናፍስቲ ይኸይድ ይኸውን። እቲ ጠያቒ መናፍስቲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ፈታዊ ወይ ቤተ ሰብ ፍሉይ ሓበሬታ ኺገልጽ ወይ ከኣ ንዕኡ ብዚመስል ድምጺ ኺዛረብ ይኽእል ይኸውን። (1 ሳሙኤል 28:3-19) ብዘይካዚ፡ ኣብ እዋን ቀብሪ ዚግበር ሓያሎ ልምድታት፡ ‘ምዉታት ብህይወት ኣለዉ’ ኣብ ዚብል እምነት እተመስረተ እዩ። ገለ ኻብዚ፡ ድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ፍልይ ዝበለ ድግስ፡ ተዝካር፡ ንምዉታት ዚቐርብ መስዋእቲ፡ መጻምድቶም ብሞት እተፈለይዎም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ዚገብርዎ ልምድታት ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ኪጥቀስ ይከኣል። ክርስትያናት ኣብዚ ልምድታት እዚ ኸም ዘይካፈሉ ኺገልጹ ኸለዉ፡ ቤተ ሰቦም ወይ ማሕበረሰቦም ኪነቕፎም፡ ኪጸርፎም፡ ወይ ካባታቶም ኪርሕቕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ምዉታት ብህይወት ከም ዘየለዉ ይፈልጡ እዮም። ምሳታቶም ክንዘራረብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኪረድኡና ዀነ ኺጐድኡና ድማ ኣይክእሉን እዮም። (መዝሙር 115:17) ስለዚ፡ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ምስ ምዉታት ኰነ ምስ ኣጋንንቲ ኽትዘራረብ ኣይትፈትን፣ ካብ ኣጋንንታዊ ተግባራት ከኣ ርሓቕ።ዘዳግም 18:10, 11 ኣንብብ፣ ኢሳይያስ 8:19

13. ንኣጋንንቲ ዚፈርሁ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዮም ክኢሎም፧

13 ኣጋንንቲ ንሰባት የታልሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ የፈራርሁ እውን እዮም። ኣብዚ ግዜና፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ድሕሪ “ሓጺር እዋን” ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦም ስለ ዚፈልጡ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጨካናትን ቍጡዓትን ኰይኖም ኣለዉ። (ራእይ 12:12, 17) ይኹን እምበር፡ ንኣጋንንቲ ዚፈርሁ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ሕጂ ኻብዚ ፍርሂ እዚ ሓራ ዀይኖም እዮም። ካብ ፍርሂ ኣጋንንቲ ሓራ ኪዀኑ ዝኸኣሉ ግና ከመይ ኢሎም እዮም፧

ንኣጋንንቲ ተቓወሞም

14. ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣጋንንቲ ሓራ ኽንወጽእ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጋንንቲ ብኸመይ ከም እንቃወሞምን ካብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ብኸመይ ሓራ ኸም እንወጽእን ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ሓቂ ኸይተማህሩ ኸለዉ ምስ ኣጋንንቲ ይራኸቡ ነበሩ። ካብዚ ልማድ እዚ ሓራ ዝወጹ ብኸመይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዙሓት ስሒር ዚገብሩ ዝነበሩ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) ክርስትያናት ኪዀኑ ስለ ዝደለዩ፡ ንዅሉ እቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም ኣንደድዎ። ሎሚ እውን ከምኡ ዓይነት ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ንየሆዋ ኼገልግል ዚደሊ ሰብ፡ ምስ ኣጋንንቲ ንዚተሓሓዝ ዘበለ ነገራት ኬወግድ ኣለዎ። እዚ ኸኣ፡ ንጥንቈላን ንኣጋንንትን ንልዕለ ሰብኣዊ ሓይልን ጕድኣት ከም ዘይብሉ ወይ ሰሓቢ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዜቕርብ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ፊልምታት፡ ሙዚቃ፡ ጸወታታት ቪድዮ፡ ከምኡ ድማ ፖስተራት የጠቓልል። ሰባት ካብ ሕማቕ ነገር ኪከላኸለሎም ኢሎም ንዚኣስርዎ ኽታብ ወይ ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር እውን ይሓቍፍ እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:21

15. ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ምእንቲ ኽንቃወሞም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም ድሕሪ ምንዳዶም እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ገና ‘ምስ እኩያት መናፍስቲ ኺቃለሱ’ ኸም ዘለዎም ሃዋርያ ጳውሎስ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ኤፌሶን 6:12) እቶም ክርስትያናት መጻሕፍቶም ኣንዲዶም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣጋንንቲ ኺጐድእዎም ይፍትኑ ነይሮም እዮም። እሞኸ እንታይ ኪገብሩ የድልዮም ነይሩ፧ ጳውሎስ፡ “ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ” በሎም። (ኤፌሶን 6:16) ከምቲ ዋልታ ንሓደ ተዋጋኣይ ዚከላኸለሉ፡ እምነትና እውን ትከላኸለልና እያ። የሆዋ ኼዕቍበና ኸም ዚኽእል ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን እንተ ደኣ ዄንና፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ክንቃወሞም ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 17:20

16. ኣብ የሆዋ ንዘላትና እምነት ከነደልድላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ኣብ የሆዋ ንዘላትና እምነት ከነደልድላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ኣሎና፣ ዕቝባ ምእንቲ ኽንረክብ ብኸመይ ኣብኡ ኸም እንውከል እውን ክንምሃር ኣሎና። ብየሆዋ ንተኣማመን እንተ ዄንና፡ ሰይጣንን ኣጋንንትን ኪጐድኡና ኣይክእሉን እዮም።—1 ዮሃንስ 5:5

17. ካብ ኣጋንንቲ ኼዕቍበና ዚኽእል ካልእ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

17 ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ካልእ ስጕምቲ ኺወስዱ የድልዮም ነይሩ፧ ብኣጋንንታዊ ተግባራት ኣብ ዝመልአት ከተማ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ስለዚ ድማ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ” በሎም። (ኤፌሶን 6:18) ዕቝባ የሆዋ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኵሉ ሳዕ ኪጽልዩ የድልዮም ነበረ። ንሕናኸ፧ ንሕና እውን ብኣጋንንታዊ ተግባራት ኣብ ዝመልአት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕልወና ኽንጽሊ ኣሎና፣ ክንጽሊ ኸለና ድማ ስሙ ኽንጥቀም ኣሎና። (ምሳሌ 18:10 ኣንብብ።) የሆዋ ኻብ ሰይጣን ምእንቲ ኼድሕነና ዅሉ ሳዕ ናብኡ ንጽሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ጸሎትና ኺምልሰልና እዩ።—መዝሙር 145:19፣ ማቴዎስ 6:13

18, 19. (ሀ) ኣብቲ ኣንጻር ሰይጣንን ኣጋንንትን እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ሕቶ እያ ኽትምለስ፧

18 ምስ ኣጋንንታዊ ተግባራት ንዚተሓሓዝ ነገራት እንተ ኣወጊድና፡ የሆዋ ኸም ዜዕቍበና ድማ እንተ ተኣማሚንና፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ክንቃወሞም ንኽእል ኢና። ንዓታቶም ክንፈርሆም የብልናን። (ያእቆብ 4:7, 8 ኣንብብ) የሆዋ ኻብ ኣጋንንቲ ኣዝዩ ይሕይል። ብግዜ ኖህ ቀጺዕዎም እዩ፣ ኣብ መጻኢ ድማ ኬጥፍኦም እዩ። (ይሁዳ 6) በይንና ኸም ዘይንቃለሶም ኣይትረስዕ። የሆዋ ብመላእኽቱ ገይሩ የዕቍበና እዩ። (2 ነገስት 6:15-17) ኣብቲ ኣንጻር ሰይጣንን ኣጋንንትን እንገብሮ ቓልሲ ብሓገዝ የሆዋ ኽንዕወት ከም እንኽእል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7፣ 2 ጴጥሮስ 2:9

19 ኣምላኽ ግና ነቶም ብዙሕ መከራ ዜምጽኡልና ዘለዉ ሰይጣንን ኣጋንንትን ክሳዕ ሕጂ ዘየጥፈኦም ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ክትምለስ እያ።