ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሰለስተ

ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

1. ህይወት ዝሃበና መን እዩ፧

የሆዋ፡ “ህያው ኣምላኽ” እዩ። (ኤርምያስ 10:10) ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ድማ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ” ይብል። (ራእይ 4:11) እወ፡ የሆዋ ብህይወት ክንነብር ይደልየና እዩ። ህይወት ከኣ ንሱ ዝሃበና ውህበት እያ።መዝሙር 36:9 ኣንብብ።

2. ዜሐጕስ ህይወት ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 የሆዋ ኸም ምግብን ማይን ዝኣመሰለ ብህይወት ክንነብር ዜድልየና ነገራት ሂቡና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ንህይወት ከነስተማቕራ እውን ይደልየና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:15-17) ዜሐጕስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር ከኣ ንሕግታት ኣምላኽ ክንሕልዎ ኣሎና።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ

3. ቃየል ንኣቤል ምስ ቀተሎ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩ፧

3 የሆዋ ንህይወትናን ንህይወት ካልኦትን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዀነ ቃየል ነቲ ምንኣሱ ዝነበረ ሓዉ ኣቤል ምስ ተቘጥዖ፡ የሆዋ ንቃየል ቍጥዓኡ ኺቈጻጸር ከም ዘለዎ ኣጠንቀቖ። ቃየል ግና ኣይሰምዐን፣ ኣዝዩ ተቘጢዑ “ንሓዉ ኣቤል ኣጥቅዖ፡ ቀተሎ ድማ።” (ዘፍጥረት 4:3-8) ቃየል ንኣቤል ስለ ዝቐተሎ፡ የሆዋ ቐጽዖ። (ዘፍጥረት 4:9-11) ስለዚ፡ ቍጥዓን ጽልእን ጐዳኢ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ዓመጽቲ ወይ ጨካናት ኪገብረና ይኽእል እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ዘለዎ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይረክብን እዩ። (1 ዮሃንስ 3:15 ኣንብብ።) ንየሆዋ ምእንቲ ኸነሐጕሶ፡ ንዅሎም ሰባት ከነፍቅሮም ኣሎና።—1 ዮሃንስ 3:11, 12

4. ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ብዛዕባ ህይወት እንታይ ይምህረና፧

4 ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ፡ የሆዋ ንሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ኪህቦ ኸሎ፡ ንህይወት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያ ኣርእዩ እዩ። ሓደ ኻብቲ ትእዛዛት ድማ፡ “ኣይትቕተል” ዚብል ነበረ። (ዘዳግም 5:17) ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ቐታሊ ይቕተል ነበረ።

5. ኣምላኽ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

5 ኣምላኽ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧ የሆዋ ንህይወት ገና ዘይተወልደ ሕጻን እውን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእያ። ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ሓደ ሰብ ንሓንቲ ኣደ እንተ ጐዲእዋ እሞ እቲ ኣብ ማሕጸና ዘሎ ሕጻን እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዝጐድኣ ሰብ ኪቕተል ከም ዘለዎ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 21:22, 23 ኣንብብ፣ መዝሙር 127:3።) እዚ ድማ፡ ምንጻል ጥንሲ ጌጋ ምዃኑ ይምህረና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 28 ርአ።

6, 7. ንህይወት ኣኽብሮት ከም ዘሎና ንየሆዋ ኸነርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ንህይወትናን ንህይወት ካልኦትን ከም እነኽብር ንየሆዋ ኸነርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንህይወትናን ንህይወት ካልኦት ሰባትን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር ክንገብር የብልናን። ስለዚ፡ ትምባኾ ወይ ሽጋራ ኣይነትክኽን፡ ጫት ኣይንሓይኽን፡ ወይ ከኣ ሓሽሽ ኣይንወስድን ኢና። ምኽንያቱ፡ እዚ ኺጐድኣናን ኪቐትለናን ይኽእል እዩ።

7 ህይወት ኰነ ሰብነት ዝሃበና ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ውህበታት እዚ ኸምቲ ንሱ ዚደልዮ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ስለዚ፡ ሰብነትና ኽንከናኸን ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርኹሳት ኢና እንኸውን። (ሮሜ 6:19፣ 12:1፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) ንህይወት ኣኽብሮት እንተ ዘይብልና፡ ነቲ ህይወት ዝሃበና የሆዋ ኸነምልኾ ኣይንኽእልን ኢና። ሕማቕ ልማዳት ምሕዳግ ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንህይወት ኣኽብሮት ብምርኣይ ነቲ ልማዳት እቲ ኸነወግዶ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ የሆዋ ኺሕግዘና እዩ።

8. ንህይወትናን ንህይወት ካልኦት ሰባትን ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይነእቱ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

8 ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበትና ኽብርቲ ውህበት ምዃና ተማሂርና ኢና። ንህይወትናን ንህይወት ካልኦት ሰባትን ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይነእቱ ዚከኣለና ዘበለ ጻዕሪ ኸም እንገብር የሆዋ ይተኣማመነልና እዩ። ማኪና፡ ብሽክለታ ሞተር፡ ወይ ካልእ ዓይነት ተሽከርካሪ ኽንዝውር ከለና ንጥንቀቕ ኢና። ኣብ ሓደገኛ ወይ ዓመጻ ኣብ ዝመልኦ ስፖርት እውን ኣይንካፈልን ኢና። (መዝሙር 11:5) ቤትና ንሰብ ዚጐድእ ከይከውን እውን ንጽዕር ኢና። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ሓድሽ ቤት እንተ ሃኒጽካ፡ ሰብ ካብኣ ኸይጸድፍ እሞ፡ ንቤትካ ዕዳ ደም ከየምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ።—ዘዳግም 22:8

9. ንእንስሳታት ብኸመይ ክንሕዞም ኣሎና፧

9 ንእንስሳታት እንሕዘሉ መገዲ እውን ንየሆዋ የገድሶ እዩ። ንምግብን ንኽዳንን ኢልና ወይ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ኢልና እንስሳታት ክንቀትል ተፈቒዱልና እዩ። (ዘፍጥረት 3:21፣ 9:3፣ ዘጸኣት 21:28) ይኹን እምበር፡ ንእንስሳታት ብጭካነ ኽንሕዞም ወይ ንምዝንጋዕ ኢልና ኽንቀትሎም የብልናን።—ምሳሌ 12:10

ነቲ ቕዱስ ዝዀነ ህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

10. ደም ንህይወት ከም ዚውክል ብኸመይ ንፈልጥ፧

10 ደም ንህይወት ስለ ዚውክል፡ የሆዋ ኸም ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ቃየል ንኣቤል ምስ ቀተሎ፡ የሆዋ ንቃየል፡ “ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ” በሎ። (ዘፍጥረት 4:10) ደም ኣቤል ንህይወቱ እዩ ዚውክል ነይሩ፣ ቃየል ንኣቤል ስለ ዝቐተሎ ድማ የሆዋ ቐጺዕዎ እዩ። የሆዋ ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እውን፡ ደም ንህይወት ከም ዚውክል ከም ብሓድሽ ገሊጹ እዩ። ንኖህን ንስድራ ቤቱን ስጋ እንስሳታት ኪበልዑ ፈቒዱሎም ነይሩ እዩ። “ዚንቀሳቐስ እንስሳ ዘበለ ዅሉ ህያው፡ ምግቢ ይኹንኩም። ከምቲ ለምለም ኣትክልቲ ዝሃብኩኹም፡ ኵላቶም እህበኩም ኣለኹ” በሎም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ሓደ ነገር ከይበልዑ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። እወ፡ “ስጋ ምስ ህይወቱ፡ ማለት ምስ ደሙ፡ ኣይትብልዑ” ኢልዎም ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 1:29፣ 9:3, 4

11. ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ ደም እንታይ ትእዛዝ እዩ ሂብዎም ነይሩ፧

11 የሆዋ ንኖህ ደም ከይበልዕ ምስ ኣዘዞ ድሕሪ 800 ዓመት ኣቢሉ፡ ንህዝቡ እውን፡ “ሓደ ኻብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና ዚብላዕ እንስሳ ዘገዳም ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሒዙ፡ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ ብሓመድ ይኽደኖ” ኢሉ ኣዘዞም። ድሕሪኡ ድማ፡ “ደም ኣይትብልዑ” በሎም። (ዘሌዋውያን 17:13, 14) የሆዋ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ንደም ቅዱስ ገይሮም ኪርእይዎ እዩ ዚደሊ። ስጋ ኺበልዑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ደም ግና ኪበልዑ የብሎምን። ዚበልዕዎ እንስሳ ኺሓርዱ ኸለዉ፡ ነቲ ደም ኣብ ምድሪ ኼፍስስዎ ኣለዎም።

12. ክርስትያናት ብዛዕባ ደም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

12 ድሕሪ ሞት የሱስ እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ሃዋርያትን ሽማግለታትን እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ክርስትያናት ካብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ትእዛዝ ነየናይ ኪሕልዉ ኸም ዘለዎም ንምውሳን ተኣኪቦም ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ኣንብብ፣ 21:25።) የሆዋ ኸኣ፡ ንደም ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኺርድኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሳቶም እውን ንደም ከም ቅዱስ ገይሮም ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም ኪግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ደም ኪበልዑ፡ ኪሰትዩ ወይ ከኣ ደሙ ብዚግባእ ናይ ዘይፈሰሰ እንስሳ ስጋ ኺበልዑ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ከምኡ ምግባር፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ፈሊኻ ዚርአ ኣይነበረን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ደም ኣይበልዑን ወይ ኣይሰትዩን እዮም። ሎሚኸ፧ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንደም ከም ቅዱስ ጌርና ኽንርእዮ እዩ ዚደልየና።

13. ክርስትያናት ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧

13 እቲ ንክርስትያናት እተዋህቦም ትእዛዝ፡ ንምምሕልላፍ ደምከ ዚምልከት ድዩ፧ እወ፡ ይምልከት እዩ። የሆዋ ደም ከይንበልዕን ከይንሰትን ኣዚዙና እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓኪም ኣልኮላዊ መስተ ኸይትሰቲ እንተ ዚእዝዘካ፡ ናብ ሰብነትካ ብመርፍእ ወጊእካ መእተኻዮዶ፧ ከምኡ ኸም ዘይትገብር ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ደም ከይንበልዕን ከይንሰትን ዚእዝዝ ሕጊ፡ ብምምሕልላፍ ደም ኣቢሉ ደም ናብ ሰብነትና ኺኣቱ ዘይምፍቃድ እውን የጠቓልል እዩ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 29 ርአ።

14, 15. ክርስትያናት ንህይወት ኬኽብሩን ንየሆዋ ኺእዘዙን ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

14 ሓደ ሓኪም ብምምሕልላፍ ደም ኣቢሉ ደም ናብ ሰብነትና ኺኣቱ እንተ ዘይፈቒድና ኸም እንመውት እንተ ነጊሩናኸ እንታይ ኢና እንገብር፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ትእዛዝ ኪእዘዝ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ባዕሉ ኺውስን ኣለዎ። ክርስትያናት ነታ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነት ህይወቶም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዋ። ብህይወት ክንነብር ዚሕግዘና ኻልእ ሕክምናዊ ኣማራጺታት ንደሊ ኢና፣ ግናኸ ምምሕልላፍ ደም ፈጺምና ኣይንቕበልን ኢና።

15 ጥዑያት ኴንና ኽንነብር ንጽዕር ኢና። ደም ንህይወት ስለ ዚውክልን ኣምላኽ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮን ግና፡ ምምሕልላፍ ደም ኣይንቕበልን ኢና። ንየሆዋ ኸይተኣዘዝና ብህይወት ካብ ምንባር፡ ሕጊ የሆዋ ምኽባር ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። የሱስ፡ “ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 16:25) ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ክንእዘዞ ንደሊ ኢና። የሆዋ ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከምቲ ንሱ ንህይወት ክብርትን ቅድስትን ገይሩ ዚርእያ፡ ንሕና እውን ከምኡ ጌርና ኢና እንርእያ።—እብራውያን 11:6

16. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንፈጣሪኦም ዚእዘዝዎ ስለምንታይ እዮም፧

16 እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ንሱ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ትእዛዝ ኪእዘዙ ቘሪጾም እዮም። ደም ኣይበልዑን ወይ ኣይሰትዩን፡ ንሕክምና ኢሎም እውን ደም ኣይቅበሉን እዮም። * ይኹን እምበር፡ ህይወቶም ምእንቲ ኼድሕኑ ኻልእ ዓይነት ሕክምናዊ ኣማራጺታት ይቕበሉ እዮም። እቲ ፈጣሪ ህይወትን ደምን ንዓታቶም ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጥ ይኣምኑ እዮም። ንስኻኸ ኣምላኽ ንዓኻ ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጥ ትኣምን ዲኻ፧

የሆዋ ዚፈቕዶ ግቡእ ኣጠቓቕማ ደም

17. የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝፈቐደሎም ግቡእ ኣጠቓቕማ ደም እንታይ ጥራይ እዩ ነይሩ፧

17 ኣብቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ህይወት እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፣ እቲ . . . ዜተዓርቕ፡ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ኣብ መሰውኢ ንዓኻትኩም ኬተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም” በሎም። (ዘሌዋውያን 17:11) እስራኤላውያን ኪሓጥኡ ኸለዉ፡ እንስሳ ብምስዋእን ንሓደ ኻህን ከኣ ካብ ደም እቲ እንስሳ ኣብቲ ኣብ መቕደስ ዚርከብ መሰውኢ ኼፍስሶ ብምሕታትን፡ ምሕረት የሆዋ ንምርካብ ኪልምኑ ይኽእሉ ነበሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝፈቐደሎም ግቡእ ኣጠቓቕማ ደም እዚ ጥራይ እዩ ነይሩ።

18. መስዋእቲ የሱስ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱልና፧

18 የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና ህይወቱ ወይ ደሙ ብምሃቡ፡ ነቲ ብዛዕባ መስዋእቲ እንስሳታት ዚገልጽ ሕጊ ተኪእዎ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ እብራውያን 10:1) ህይወት የሱስ ኣዝዩ ኽቡር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ንየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ኣተንስኦ፡ ንዅሎም ብየሱስ ዚኣምኑ ደቂ ሰብ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ እብራውያን 9:11, 12፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19

ንህይወትን ንደምን ዘሎካ ኣኽብሮት ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

19. ‘ካብ ደም ኵሉ ንጹሃት’ ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

19 የሆዋ ዜደንቕ ውህበት፡ ማለት ህይወት ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ኢና። ንሰባት ከኣ፡ ብየሱስ እንተ ኣሚኖም ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ኽንነግሮም ንደሊ ኢና። ንሰባት ነፍቅሮም ኢና፡ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ድማ ክንምህሮም ንጽዕር ኢና። (ህዝቅኤል 3:17-21) ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ፈጸምና ኸኣ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሃየ መስክሩ፣ ከመይሲ፡ ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ንዓኻትኩም ካብ ምንጋር ኣየድሓርሓርኩን” ክንብል ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27) እወ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንህይወት ዘለዎ ኣረኣእያን ብምንጋር፡ ንህይወትን ንደምን ኣዚና ኸም እነኽብር ከነርኢ ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 16 ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 77-79 ርአ።