ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ኣርባዕተ

ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

1, 2. የሆዋ ስድራ ቤታት እንታይ ኪረኽባ እዩ ዚደሊ፧

መስራቲ ሓዳር፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ፈጢሩ ‘ናብቲ ሰብኣይ ከም ዘምጽኣ’ ይነግረና እዩ። ኣዳም በዚ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ። (ዘፍጥረት 2:22, 23) ስለዚ፡ የሆዋ፡ ሰብ ሓዳር ሕጉሳት ኪዀኑ እዩ ዚደሊ።

2 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ሰባት ሕጕስቲ ስድራ ቤት የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ጽቡቕ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልዎምን ብሓባር ደስ ዜብል ግዜ ኼሕልፉን ዚሕግዝ ብዙሕ ስርዓታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ።—ሉቃስ 11:28

ግደ ሰብኡት

3, 4. (ሀ) ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ ኣለዎ፧ (ለ) ሰብኣይን ሰበይትን ይቕረ ኺባሃሃሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ኪሕዛ ኸም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። ኤፌሶን 5:25-29 ኣንብብ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዅሉ ሳዕ ብፍቕሪ ኺሕዛ ኣለዎ። ኬዕቍባን ኪከናኸናን ኣለዎ፣ ኪጐድኣ ድማ የብሉን።

4 ሰብኣይ፡ ሰበይቱ እንተ ተጋግያ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ ሰብኡት፡ “ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡ ኣይትነድሩለን” ተባሂሎም ኣለዉ። (ቈሎሴ 3:19) ሰብኡት፡ ንሳቶም እውን ከም ዚጋገዩ ኺርስዑ የብሎምን። ኣምላኽ ይቕረ ኺብለሎም እንተ ደልዮም፡ ንሳቶም እውን ንኣንስቶም ይቕረ ኺብሉለን ኣለዎም። (ማቴዎስ 6:12, 14, 15) ሰብኣይን ሰበይትን ይቕረ ዚባሃሃሉ እንተ ዀይኖም፡ ዜሐጕስ ሓዳር ኪህልዎም ይኽእል እዩ።

5. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኬኽብራ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኬኽብራ ይደሊ እዩ። ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ሰበይቱ ዜድልያ ነገራት ብጥንቃቐ ኺሓስብ ኣለዎ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዚግባእ ዘይሕዛ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ንጸሎቱ ኣይሰምዖን እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ሰባት እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮም። ንሰብኡት ካብ ኣንስቲ ኣብሊጹ ኣይርእዮምን እዩ።

6. ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” እዮም ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

6 የሱስ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን፡ “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን” በለ። (ማቴዎስ 19:6) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ስለ ዝዀኑ፡ ኣይጠላለሙን እዮም። (ምሳሌ 5:15-21፣ እብራውያን 13:4) ሰብኣይን ሰበይትን ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ከይደለዩ፡ ንጾታዊ ድሌት መጻምድቶም ኬማልኡ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 7:3-5) ሰብኣይ ነቲ፡ “ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን” ዚብል መዘኻኸሪ ኺርስዖ የብሉን። ስለዚ፡ ንሰበይቱ ኼፍቅራን ኪሕብሕባን ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ሰበይቲ ሰብኣያ ለዋህን ፈቃርን ኪዀነላ እያ እትደሊ።—ኤፌሶን 5:29

ግደ ኣንስቲ

7. ሓንቲ ስድራ ቤት ርእሲ ዜድልያ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኵለን ስድራ ቤታት ብሓድነት ምእንቲ ኺዓይያ ዚመርሐን ርእሲ የድልየን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ” ይገልጽ እዩ።

8. ሰበይቲ ንሰብኣያ ብዙሕ ከተኽብሮ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

8 ዘይጋገ ሰብኣይ የለን። እንተዀነ ግና፡ ሰበይቲ ንውሳነታት ሰብኣያ ትድግፎን ብፍታዋ ምስ ሰብኣያ ትተሓባበርን እንተ ዀይና፡ ብምልእታ ስድራ ቤት ትጥቀም እያ። (1 ጴጥሮስ 3:1-6) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ይብል። (ኤፌሶን 5:33) ሰብኣያ ኣማኒ እንተ ዘይኰይኑኸ እንታይ ክትገብር ኣለዋ፧ ዋላ እውን ኣማኒ እንተ ዘይኰነ፡ ንሰብኣያ ኸተኽብሮ ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣልዮም፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣ ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም።” (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ሰበይቲ እተርእዮ ሰናይ ኣብነት፡ ሰብኣያ ንእምነታ ኺርድኣላን ኬኽብረላን ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ።

9. (ሀ) ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ዘየሰማምዓ ነገር ኬጋጥማ ኸሎ እንታይ ክትገብር ኣለዋ፧ (ለ) ቲቶስ 2:4, 5 ንኣንስቲ እንታይ ምኽሪ እያ እትህብ፧

9 ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ዘየሰማምዓ ነገር ኬጋጥማ ኸሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብኣኽብሮት ሓሳባታ ኽትገልጽ ኣለዋ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ነቲ ሳራ ዘቕረበቶ ሓሳብ ዋላ እኳ እንተ ዘይፈተዎ፡ የሆዋ፡ “ቃላ ስማዕ” በሎ። (ዘፍጥረት 21:9-12) ሰብኣይ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ ሰበይቱ ነቲ ውሳነኡ ኽትድግፎ ኣለዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ኤፌሶን 5:24) ብዘይካዚ፡ ሕያወይቲ ሰበይቲ ንስድራ ቤታ ትከናኸን እያ። (ቲቶስ 2:4, 5 ኣንብብ።) ሰብኣያን ደቃን ነቲ ምእንታኦም ኢላ እትገብሮ ጻዕሪ ምስ ረኣዩ፡ ዝያዳ የፍቅሩዋን የኽብሩዋን እዮም።—ምሳሌ 31:10, 28

ሳራ ንኣንስቲ ሰናይ ኣብነት እትዀነን ብኸመይ እያ፧

10. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕን እንታይ ይብል፧

10 ሓድሓደ ግዜ፡ ሰብ ሓዳር ኪፈላለዩ ወይ ኪፋትሑ ይውስኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ . . . ሰብኣይ እውን ካብ ሰበይቱ ኣይፈለ” እዩ ዚብለና። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11) ሰብ ሓዳር ኪፈላለዩ ዜገድድ ከቢድ ኵነታት ኪህሉ ይኽእል እዩ፣ እዚ ግና ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ውሳነ እዩ። ኪፋትሑኸ ይኽእሉ ድዮም፧ ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል ብቑዕ ምኽንያት፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺሞም ጥራይ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።—ማቴዎስ 19:9

ግደ ወለዲ

የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ሰናይ ኣብነት ይዀኖ እዩ

11. ውሉዳት ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም እንታይ እዩ፧

11 ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ብዙሕ ግዜ ኼሕልፉ ኣለዎም። ንውሉዳትካ ተድልዮም ኢኻ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኽትምህሮም የድልዮም እዩ።—ዘዳግም 6:4-9

12. ወለዲ ንውሉዳቶም ምእንቲ ኼዕቍብዎም እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

12 ናይ ሰይጣን ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአት ትኸይድ ስለ ዘላ፡ ንደቅኻ ኺጐድኡ ዚደልዩ፡ እንተላይ ብጾታዊ መገዲ ኺሃስይዎም ዚደልዩ ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ወለዲ ብዛዕባ እዚ ምስ ውሉዳቶም ምዝራብ ይኸብዶም እዩ። ይኹን እምበር፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኬጠንቅቕዎም፡ ብኸመይ ካባታቶም ኪርሕቁ ኸም ዘለዎም ድማ ኪምህርዎም ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንውሉዳቶም ኬዕቍብዎም ኣለዎም። *1 ጴጥሮስ 5:8

13. ወለዲ ንውሉዳቶም ኪምህርዎም ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧

13 ወለዲ ንውሉዳቶም ስነ ስርዓት ኪምህርዎም ሓላፍነት ኣለዎም። ንውሉዳትካ ብኸመይ ክትምህሮም ትኽእል፧ ውሉዳትካ ስልጠና የድልዮም እዩ። ይኹን እምበር፡ ብጭካነ መአረምታ ኽትህቦም የብልካን። (ኤርምያስ 30:11) ስለዚ፡ ተቘጢዕካ ኸለኻ ንውሉዳትካ ኣይትገስጾም። ቃላትካ ‘ኸም ሰይፊ ዚወግእን’ ዚጐድእን ኪኸውን የብሉን። (ምሳሌ 12:18) ውሉዳትካ ስለምንታይ ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ኪርድኡ ምሃሮም።—ኤፌሶን 6:4፣ እብራውያን 12:9-11ተወሳኺ ሓበሬታ 30 ርአ።

ግደ ውሉዳት

14, 15. ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

14 የሱስ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣቦኡ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 22:42፣ ዮሃንስ 8:28, 29) የሆዋ፡ ውሉዳት እውን ንወለዶም ኪእዘዙ ይደልዮም እዩ።—ኤፌሶን 6:1-3

15 ውሉዳት ንወለዶም ምእዛዝ ኪኸብዶም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንወለዶም እንተ ተኣዚዞም፡ የሆዋን ወለዶምን ይሕጐሱ እዮም። *ምሳሌ 1:8፣ 6:20፣ 23:22-25

መንእሰያት ሕማቕ ነገር ኪገብሩ ኺፍተኑ ኸለዉ ንኣምላኽ እሙናት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

16. (ሀ) ሰይጣን ንመንእሰያት ሕማቕ ኪገብሩ ዚፍትኖም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ክትመርጽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

16 ድያብሎስ ብኣዕሩኽካን ብኻልኦት መንእሰያትን ኣቢሉ ግጉይ ተግባራት ክትገብር ኪፍትነካ ይኽእል እዩ። ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኪኸብደካ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። ንኣብነት፡ ዲና ጓል ያእቆብ ንየሆዋ ዘየፍቅራ መሓዙት ነበራኣ። እዚ ድማ ንዓኣን ንስድራ ቤታን ብዙሕ ሽግር ኣምጽኣሎም። (ዘፍጥረት 34:1, 2) ኣዕሩኽካ ንየሆዋ ዘየፍቅሩ እንተ ዀይኖም፡ የሆዋ ዘይፈትዎ ተግባራት ክትገብር ኪፍትኑኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ንኣምላኽን ብዙሕ ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 17:21, 25) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ንየሆዋ ምስ ዜፍቅሩ ሰባት ክትተዓራረኽ ዘሎካ።—1 ቈረንቶስ 15:33

ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

17. ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ፧

17 ኣባላት ስድራ ቤት ስርዓታት ኣምላኽ ዚስዕቡ እንተ ዀይኖም፡ ብዙሕ ጸገማት ኬወግዱ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ ንሰበይትኻ ኣፍቅራ፡ ብፍቕሪ ድማ ተኸናኸና። ሰበይቲ እንተ ዄንኪ፡ ንሰብኣይኪ ኣኽብርዮን ተኣዘዝዮን፡ ኣብነት እታ ኣብ ምሳሌ 31:10-31 እተገልጸት ሰበይቲ ድማ ስዓቢ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ደቅኻ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎ ምሃሮም። (ምሳሌ 22:6) ኣቦ እንተ ዄንካ፡ ንስድራ ቤትካ “ጽቡቕ ጌርካ” ምራሕ። (1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5፣ 5:8) ውሉድ እንተ ዄንካ፡ ንወለድኻ ተኣዘዝ። (ቈሎሴ 3:20) ኣብ ስድራ ቤት ዘይጋገ ሰብ የልቦን። ስለዚ፡ ትሑትን ይቕረ በሃልን ኩን። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዚኸውን መምርሒ የሆዋ ሒዙ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 12 ንውሉዳት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 32 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ሓደ ውሉድ፡ ወለዱ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ነገር ኪገብር እንተ ኣዚዞምዎ፡ ኪእዘዝ ግዴታ የብሉን።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29