ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሽዱሽተ

ንኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ኸተምልኾ ወስን

ንኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ኸተምልኾ ወስን

1, 2. ንርእስኻ እንታይ ኢልካ ኢኻ ኽትሓትታ ዘሎካ፧ እዚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ንኣምላኽ ከም ዜምልኹ ዚዛረቡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት ከም ዚምህሩን ከም ዚገብሩን ተማሂርካ ኢኻ። (2 ቈረንቶስ 6:17) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ ኻብ “ዓባይ ባቢሎን፡” ማለት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንወጽእ ዝኣዘዘና። (ራእይ 18:2, 4) ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ኵላትና ናይ ገዛእ ርእስና ውሳነ ኽንገብር ኣሎና፣ ንርእስና ድማ፡ ‘ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ድየ ዘምልኾ ወይስ በቲ ዝለመድክዎ መገዲ እየ ኸምልኾ ዝደሊ፧’ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና።

2 ድሮ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ወጺእካ ወይ ተሰናቢትካ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ኢኻ ጌርካ። ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ተግባራትን ልምድታትን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብውሽጥኻ ትፈትዎ ትኸውን። እምበኣር፡ ገለ ኻብዚ ተግባራትን ልምድታትን እዚ ንርአ እሞ፡ ብዛዕባኡ ኣረኣእያ የሆዋ ኺህልወካ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ንመርምር።

ምስልታትን ንምውታት ኢልካ ዚግበር ልማዳትን

3. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ብዘይ ምስሊ ንኣምላኽ ምምላኽ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብምስሊ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምምላኽ እንታይ ይብል፧

3 ገሊኦም ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤቶም ምስልታት ወይ ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ነገራት ይሕዙ እዮም። ንስኻ እውን እዚ ነገራት እዚ እንተ ኣልዩካ፡ ብዘይ ምስሊ ንኣምላኽ ምምላኽ ዘይንቡር ወይ ጌጋ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብኸመይ ከነምልኾ ኸም ዚግብኣና ምሂሩና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ኣምላኽ ብምስልታት ኣቢልና ኸነምልኾ ኸም ዘይደሊ ኣነጺሩ ይነግረና እዩ።—ዘጸኣት 20:4, 5 ኣንብብ፣ መዝሙር 115:4-8፣ ኢሳይያስ 42:8፣ 1 ዮሃንስ 5:21

4. (ሀ) ንምዉታት ኢልካ ዚግበር ልማዳት ከነወግድ ዚግብኣና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ ምስ ምዉታት ንምዝራብ ከይፍትኑ ዝኸልከሎም ስለምንታይ እዩ፧

4 ገሊኦም ሰባት ምእንቲ ምዉታት ይጽልዩ፡ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ገንዘብን ሰዊኦም ከኣ ከም ተዝካር ዝኣመሰለ ልማዳት ይፍጽሙ እዮም። ንምዉታት ኬሐጕሱን ሓገዞም ኪረኽቡን እውን ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ዚሞቱ ሰባት ኪጠቕሙና ዀነ ኺጐድኡና ኸም ዘይክእሉ ተማሂርና ኢና። ብህይወት የለዉን። ብዘይካዚ፡ ምሳታቶም ክንራኸብ ምጽዓር ሓደገኛ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ኻብ ምዉታት ዝመጸ ዚመስል ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ፡ ብሓቂ ኻብ ኣጋንንቲ እዩ ዚመጽእ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ምዉታት ንምዝራብ ከይፍትኑ ወይ ከኣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋንንታዊ ተግባራት ከይሳተፉ ዝኸልከሎም።—ዘዳግም 18:10-12ተወሳኺ ሓበሬታ 2631ን ርአ።

5. ንኣምላኽ ብምስሊ ምምላኽ ወይ ከኣ ንምዉታት ኢልካ ዚግበር ልማዳት ክትሓድጎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

5 ንኣምላኽ ብምስሊ ምምላኽ ወይ ከኣ ንምዉታት ኢልካ ዚግበር ልማዳት ክትሓድጎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን የሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኸመይ ከም ዚስምዖ ብጥንቃቐ ኽትሓስብን ኣሎካ። ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ‘ይፍንፍኖ’ ወይ ይጸልኦ እዩ። (ዘዳግም 27:15) ኣረኣእያ የሆዋ ኺህልወካን በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ንዕኡ ኸተምልኾን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ መዓልቲ መዓልቲ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ኢሳይያስ 55:9) የሆዋ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገራት ከተወግድ ዜኽእለካ ብርታዐ ኸም ዚህበካ ተኣማመን።

በዓል ልደት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧

6. ዕለተ ልደት የሱስ፡ 25 ታሕሳስ ክትከውን እተመርጸት ስለምንታይ እያ፧

6 በዓል ልደት ኣብ መላእ ዓለም ዚፍቶ በዓል እዩ፣ ብዙሓት ሰባት ከኣ ልደት የሱስ ዚብዓለሉ ዕለት ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ይኹን እምበር፡ በዓል ልደት ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተተሓሓዘ እዩ። ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ እቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ሮማውያን ኣብ 25 ታሕሳስ በዓል ልደት ጸሓይ የብዕሉ ነበሩ። መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ድማ ንብዙሓት ኣረማውያን፡ ክርስትያናት ኪገብርዎም ስለ ዝደለዩ፡ የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ እኳ እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ልደት የሱስ ኪብዓል ወሰኑ። * (ሉቃስ 2:8-12) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግና በዓል ልደት ኣየብዕሉን እዮም ነይሮም። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ኣትሒዙ ን200 ዓመት ዚኸውን፡ የሱስ “ብልክዕ መዓስ ከም እተወልደ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እዚ ዚግደሱ እውን ብዙሓት ኣይነበሩን” ይብል። (ሴክሬድ ኦሪጅንስ ኦቭ ፕሮፋውንድ ቲንግስ) በዓል ልደት ኪብዓል ዝጀመረ፡ ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ እዩ።

7. ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

7 ብዙሓት ሰባት፡ በዓል ልደትን ምስኡ ዚተሓሓዝ ከም ድግስን ህያብ ምውህሃብን ዝኣመሰለ ልምድታትን ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣመሪካን፡ በዓል ልደት ኣረማዊ መበቈል ስለ ዘለዎ ኸይብዓል እተወሰነሉ እዋን ነይሩ እዩ። ነቲ በዓል እቲ ዜብዕል ዘበለ ይቕጻዕ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ሰባት ከም ብሓድሽ በዓል ልደት ኬብዕሉ ጀመሩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዓል ልደት ዘየብዕሉ ግና ስለምንታይ እዮም፧ ብዅሉ ተግባራቶም ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ስለ ዚደልዩ እዮም።

ዕለተ ልደትና ኸነብዕል ግቡእ ድዩ፧

8, 9. ቀዳሞት ክርስትያናት ዕለተ ልደቶም ዘየብዕሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

8 ብዙሓት ሰባት ዜብዕልዎ ኻልእ ልሙድ በዓል ከኣ ዕለተ ልደት እዩ። እሞኸ ክርስትያናት ንዕለተ ልደቶም ኬብዕልዎ ግቡእ ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ዕለተ ልደቶም ዘብዓሉ ሰባት ንየሆዋ ዘየምልኹ እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 40:20፣ ማርቆስ 6:21) በዓላት ዕለተ ልደት ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ንምኽባር እዩ ዚብዓል ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቀዳሞት ክርስትያናት፡ “ልደት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምብዓል ከም ልምዲ ኣረማውያን ገይሮም ይርእይዎ” ነበሩ።—ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ።

9 ጥንታውያን ሮማውያንን ግሪኻውያንን፡ ሰብ ኣብ ዚውለደሉ ዕለት ሓደ መንፈስ ኣብ ልደቱ ኸም ዚርከብ፡ እቲ መንፈስ እቲ ኸኣ ነቲ ሰብ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኸም ዜዕቍቦ ይኣምኑ ነበሩ። ዘ ሎር ኦቭ በርዝደይስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እዚ መንፈስ እዚ ምስቲ እቲ ውልቀ ሰብ እተወልደላ ዕለት ዝልደቱ ኣምላኽ ምስጢራዊ ርክብ ኣለዎ” ትብል።

10. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዕለተ ልደቶም ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

10 እሞ ደኣ የሆዋ ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ በዓላት ዚፈትዎዶ ይመስለካ፧ (ኢሳይያስ 65:11, 12) ኣይፈትዎን እዩ። ስለዚ፡ ንዕለተ ልደትና ዀነ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን በዓል ኣይነብዕልን ኢና።

መበቈል በዓላት ብሓቂ ኼገድስና ኣለዎ ድዩ፧

11. ገሊኦም ሰባት በዓላት ዜብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧ ንዓኻኸ ብዝያዳ ኼገድሰካ ዘለዎ እንታይ እዩ፧

11 ገሊኦም ሰባት መበቈል በዓል ልደትን ካልእ በዓላትን ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነዚ በዓላት እዚ የብዕሉ እዮም። በዓላት ምስ ስድራ ቤቶም ግዜ ዜሕልፉሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ምስ ስድራ ቤትካ ግዜ ኸተሕልፍ ምድላይካ ጌጋ ኣይኰነን። እቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ምስ ስድራ ቤትና ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና እዩ ዚደሊ። (ኤፌሶን 3:14, 15) ይኹን እምበር፡ ንቤተ ሰብና ኸነሐጕሶም ኢልና ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ በዓላት ከነብዕል ኣይንደልን ኢና፣ የግዳስ፡ ብዝያዳ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ኢና እንደሊ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ” ዝበለ።—ኤፌሶን 5:10

12. የሆዋ ንገሊኡ በዓላት ዘይቅበሎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ብዙሓት ሰባት መበቈል በዓላት ካበይ ምዃኑ ብሓቂ ኼገድሰና ኸም ዘይብሉ ዚስምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ከምኡ ኣይስምዖን እዩ። ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምትሕሓዝ ዘለዎ ዀነ ንሰባትን ንሃገራዊ ኣርማታትን ዚውድስ በዓላት ኣይቅበሎን እዩ። ንኣብነት፡ ግብጻውያን ንሓያሎ ናይ ሓሶት ኣማልኽቶም ዜብዕሉሉ በዓላት ነበሮም። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ንሓደ ኻብቲ በዓላት ቀዲሖም፡ “ንየሆዋ በዓል እዩ” ኢሎም ኬብዕሉ ጀመሩ። የሆዋ ግና ከምኡ ስለ ዝገበሩ ቐጽዖም። (ዘጸኣት 32:2-10) ስለዚ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበሎ፡ ‘ርኹስ ኣይንተንኪ።’—ኢሳይያስ 52:11 ኣንብብ።

ንኻልኦት ሕያውነት ኣርእዮም

13. በዓላት ምብዓል ምስ ሓደግካዮ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺመጸካ ዚኽእል፧

13 በዓላት ምብዓል ምስ ሓደግካዮ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ብዙሕ ሕቶታት ይመጸካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ከምዚ ኢልካ ትሓትት ትኸውን፦ መሳርሕተይ ስለምንታይ በዓል ልደት ከም ዘየብዕል እንተ ሓቲቶምኒ እንታይ እየ ኽገብር፧ ሓደ ሰብ ህያብ በዓል ልደት እንተ ሂቡኒ እንታይ እየ ኽገብር፧ መጻምድተይ ኣብ በዓላት ክሳተፍ እንተ ሓቲቱኒ፡ እንታይ እየ ኽገብር፧ ደቀይ ልደቶም ወይ ካልእ በዓላት ብዘይምብዓሎም ሕማቕ ምእንቲ ኸይስምዖምከ እንታይ ክገብር እኽእል፧

14, 15. ሓደ ሰብ፡ ሰናይ በዓል ኪዀነልካ እንተ ተመንዩልካ ወይ ከኣ ህያብ እንተ ሂቡካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

14 ኣብ ኵሉ እቲ ዜጋጥመካ ዅነታት እንታይ ከም እትብል ወይ እንታይ ከም እትገብር ንምፍላጥ ከተመዛዝን ኣሎካ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ ሰናይ በዓል ኪዀነልካ እንተ ተመንዩልካ፡ “አመስግነካ” ጥራይ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባኻ ዝያዳ ኺፈልጥ ዚደሊ ሰብ እንተ ዀይኑ ግና፡ ስለምንታይ በዓላት ከም ዘይተብዕል ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ሳዕ ብሕያውነትን ብሜላን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ይብለና። (ቈሎሴ 4:6) ምስ ካልኦት ግዜ ምሕላፍን ህያብ ምውህሃብን ደስ ዚብለካ እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ግና ኣብ ግዜ በዓላት ክትገብሮ ኸም ዘይትመርጽ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

15 ሓደ ሰብ ህያብ እንተ ሂቡካኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሕግታት ዘይህበና እኳ እንተ ዀነ፡ ሰናይ ሕልና ኺህልወና ኸም ዘለዎ ግና ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19) ምናልባት እቲ ህያብ ዚህበካ ሰብ፡ በዓላት ከም ዘይተብዕል ዘይፈልጥ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ፡ “በዓላት ከም ዘይተብዕል እፈልጥ እየ፡ ነዛ ህያብ ግና ክህበካ ደልየ” ይብለካ ይኸውን። ኣብዚ እተጠቕሰ ኽልቲኡ ዅነታት፡ ነቲ ህያብ ክትቅበሎ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ባዕልኻ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሰናይ ሕልና ኺህልወካ ኽትጽዕር ኣሎካ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሹ ዚኽእል ነገራት ክንገብር ኣይንደልን ኢና።

ንስኻን ስድራ ቤትካን

እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ሕጉሳት እዮም

16. ስድራ ቤትካ ኣብ እዋን በዓላት ምሳታቶም ግዜ ኸተሕልፍ እንተ ደልዮምኻ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

16 ስድራ ቤትካ ሓደ በዓል ኬብዕሉ እንተ ደልዮም እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ምሳታቶም ክትብኣስ የብልካን። ዝደለይዎ ኺገብሩ መሰል ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ። ከምቲ ንምርጫኻ ኬኽብሩልካ እትደሊ፡ ንስኻ እውን ብሕያውነት ንምርጫኦም ኣኽብረሎም። (ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።) ስድራ ቤትካ ኣብ እዋን በዓላት ምሳታቶም ግዜ ኸተሕልፍ እንተ ደልዮምኻኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ቕድሚ ምውሳንካ፡ ቅኑዕ ውሳነ ኽትገብር ምእንቲ ኺሕግዘካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ብዛዕባኡ ሕሰብ፡ ምርምር እውን ግበር። ወትሩ ንየሆዋ ኸተሐጕስ ከም እትደሊ እውን ኣይትረስዕ።

17. ደቅኻ ኻልኦት በዓላት ኬብዕሉ ኸለዉ ምእንቲ ኸይስምዖም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

17 ደቅኻ ኻልኦት በዓላት ኬብዕሉ ኸለዉ ምእንቲ ኸይስምዖም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ በብግዜኡ ፍሉይ ነገራት ክትገብረሎም ትኽእል ኢኻ። ህያባት እውን ሃቦም። ገለ ኻብቲ ንደቅኻ ኽትህቦም እትኽእል ብሉጽ ህያባት ከኣ ግዜኻን ፍቕርኻን እዩ።

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ተመላለስ

18. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኰነ ኻብቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ልምድታትን በዓላትን ክንርሕቕ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንመላለስ ኣሎና። ብኸመይ፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ብምእካብ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። (መዝሙር 22:22፣ 122:1) ብሓባር ክንእከብ ከለና፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።—ሮሜ 1:12

19. ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ምክፋል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም እትመላለስ እተርእየሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ብምክፋል እዩ። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ እከይ ይጭነቑ እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። ብዛዕባ እታ እተደንቕ ተስፋኻ ንገሮም። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብን ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ክትነግርን ከለኻ፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትሓብርን ኣብ ልምድታታ ኽትካፈልን ዝነበረካ ድሌት ኪጠፍእ እዩ። ንኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ኸተምልኾ ብዝጸዓርካ መጠን፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ፡ የሆዋ ድማ ንጻዕርኻ ኺባርኾ እዩ።—ሚልክያስ 3:10

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ በዓል ልደት ኣብ 7 ጥሪ (ብኣቈጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ) እዩ ዚብዓል።