ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ትሽዓተ

ናብ የሆዋ ልገብ

ናብ የሆዋ ልገብ

1, 2. ሎሚ መን እዩ ኼዕቍበና ዚኽእል፧

ኣብ መገዲ ትጓዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ድብንብን ኢሉ እዩ ዘሎ። በርቂ መስመስ ኪብልን ነጕዲ ኺነጕድን ይጅምር። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ዝናም ይዘንም። መዕቀሊ ደሊኻ ኽትጐዪ ትጅምር። ውሑስን ማይ ዘየእቱን መዕቀሊ ምስ ረኸብካስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ እትሕጐስ!

2 ንሕና እውን ሎሚ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢና እንነብር ዘለና። ኵነታት ዓለም እናኸፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ‘መን ኬዕቍበኒ ይኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት ትኸውን። ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንየሆዋ፡ ‘መዕቈብየይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን ኢኻ’ ኽብሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 91:2) እወ፡ የሆዋ ኻብዚ ሕጂ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ኪገላግለናን ዜደንቕ ተስፋ መጻኢ ኺህበናን ይኽእል እዩ።

3. ኣብ የሆዋ ኽንዕቈብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 የሆዋ ዜዕቍበና ብኸመይ እዩ፧ ንጸገማትና ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ጕድኣት ኬውርደልና ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ኣዝዩ ዝሓየለ እዩ። ገለ ጕድኣት እንተ ወሪዱና እውን፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ ነቲ ዝወረደና ጕድኣት ከም ዜዐርዮ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ኢሉ የተባብዓና። (ይሁዳ 21) ኣብ ጽንኩር እዋናት ሓገዝ የሆዋ ምእንቲ ኽንረክብ ናብኡ ኽንለግብ ኣሎና። ናብኡ ኽንለግብ እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧

ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ ሃበላ

4, 5. የሆዋ ፍቕሩ ዘርኣየና ብኸመይ እዩ፧

4 ናብ የሆዋ ኽንለግብ እንተ ደሊና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ኽንርዳእ ኣሎና። ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት እሞ ሕሰብ። ነዛ ደስ ብዜብል ኣትክልትን እንስሳታትን ዝመልአት ውቅብቲ ምድሪ ሂቡና እዩ። እንበልዖ ምቍር ምግብታትን ዚስተ ማይን እውን ሂቡና እዩ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኸኣ ስሙን ዜደንቕ ባህርያቱን ምሂሩና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ምእንታና ህይወቱ ኣሕሊፉ ኺህብ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ኣርእዩና እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ሳላ እዚ መስዋእቲ እዚ ድማ፡ ብሩህ ተስፋ ኺህልወና ኽኢሉ እዩ።

5 የሆዋ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኣቚሙ እዩ፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ መከራ ኸተወግዶ እያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንምድሪ፡ ደቂ ሰብ ብሰላምን ብሓጐስን ንዘለኣለም ዚነብሩላ ገነት ክትገብራ እያ። (መዝሙር 37:29) የሆዋ ፍቕሩ ዘርኣየና ኻልእ መገዲ ድማ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኸመይ ጌርና ዝሓሸ ናብራ ኽንነብር ከም እንኽእል ብምምሃር እዩ። ናብኡ ኽንጽሊ እውን ዕድመ ኣቕሪቡልና እዩ፣ ጸሎትና ኺሰምዕ ድማ ኵሉ ሳዕ ድልዊ እዩ። እወ፡ የሆዋ ንዅላትና ዘላቶ ፍቕሪ ብንጹር ኣርእዩ እዩ።

6. ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ እትህበላ ብኸመይ ኢኻ፧

6 ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ እትህበላ ደኣ ብኸመይ ኢኻ፧ ስለቲ ዝገበረልካ ዘበለ ነገራት ከም እተመስግኖ ኣርኢ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣመስገንቲ ኣይኰኑን። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን፡ የሱስ ንዓሰርተ ድዉያት ኣሕወዮም፣ እቲ ዘመስገኖ ግና ሓደ ጥራይ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 17:12-17) ንሕና ግና ከምቲ ንየሱስ ዘመስገኖ ሰብኣይ ኢና ኽንከውን እንደሊ። ኵሉ ሳዕ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኢና እንደሊ።

7. ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኸነፍቅሮ ዘሎና፧

7 ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ እውን ከነርኢ ኣሎና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብምሉእ ኣእምሮኦምን ኬፍቅርዎ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ነበረ። (ማቴዎስ 22:37 ኣንብብ።) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

8, 9. ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

8 ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ምዝራብና ጥራይ እኹል ድዩ፧ ኣይፋልን። ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ኣእምሮናን ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ፍቕርና ብግብሪ ኸነርኢ ኣሎና። (ማቴዎስ 7:16-20) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ ኸም እትድርኸና መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ትእዛዛቱኸ ኸቢድ ድዩ፧ ኣይፋልን፡ “ከቢድ ኣይኰነን።”1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

9 ንየሆዋ ምስ እንእዘዞ፡ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ኪህልወና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ናብ የሆዋ ኽንለግብ ዚሕግዘና ግና እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

ብቐጻሊ ንየሆዋ ቕረቦ

10. ብዛዕባ የሆዋ ብቐጻሊ ኽትምሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

10 ዓርኪ የሆዋ ዝዀንካ ብኸመይ ኢኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ፈሊጥካዮን ምስኡ ዕርክነት መስሪትካን ኢኻ። እዚ ዕርክነት እዚ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፣ ኪጠፍእ ድማ ኣይትደልዮን ኢኻ። ስለዚ፡ ከምቲ ሓዊ ብቐጻሊ ምእንቲ ኺነድድ ዕንጨይቲ እትውስኸሉ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ምእንቲ ኺድልድል ከኣ ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ኽትምሃር ኣሎካ።—ምሳሌ 2:1-5

ከምቲ ሓዊ ምእንቲ ኺጐሃሃር ዕንጨይቲ ዜድልዮ፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እውን ወትሩ ሃልሃል ከም እትብል ዚገብራ ነገር የድልያ እዩ

11. ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ንልብኻ ዚትንክፎ ነገራት ክትምሃር ኢኻ። የሱስ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ገለጸሎም፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም እተሰምዖም እሞ ኣስተብህል። “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ።—ሉቃስ 24:32

12, 13. (ሀ) እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ እንታይ እያ ኽትከውን እትኽእል፧ (ለ) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸይትጠፍእ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

12 ከምቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ተረድኡ ልቦም እተተንከፈ፡ ንስኻ እውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምስ ጀመርካ ልብኻ ተተንኪፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንየሆዋ ኽትፈልጦን ከተፍቅሮን ሓጊዙካ እዩ። እዛ ዘጥረኻያ ፍቕሪ እዚኣ ኽትዝሕል ከም ዘይትደልያ ፍሉጥ እዩ።—ማቴዎስ 24:12

13 ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ድሕሪ ምምስራትካ፡ ዕርክነትካ ንምድልዳል ኣበርቲዕካ ኽትጽዕር ኣሎካ። ብዛዕባኡን ብዛዕባ የሱስን ክትምሃር፡ ነቲ እትምሃሮ ነገራት ከተስተንትነሉ፡ ብኸመይ ኣብ ህይወትካ ተግባራዊ ኸም እትገብሮ ኸኣ ክትሓስበሉ ኣሎካ። (ዮሃንስ 17:3) መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ወይ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘እዚ እተመሃርክዎ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ ንየሆዋ ብምሉእ ልበይን ነፍሰይን ከምልኾ ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧’—1 ጢሞቴዎስ 4:15

14. ጸሎት ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧

14 እትፈትዎ ዓርኪ እንተ ኣልዩካ፡ ምስኡ ኣዘውቲርካ ኢኻ እትዘራረብ፣ እዚ ኸኣ ንዕርክነትኩም የደልድሎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ ኣዘውቲርና ንዛረቦ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትድልድል እያ። (1 ተሰሎንቄ 5:17 ኣንብብ።) ጸሎት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝሃበና ፍሉይ ህያብ እዩ። ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ካብ ልብና ኽንዛረቦ ኣሎና። (መዝሙር 62:8) ብኣእምሮና ዝሸምደድናዮ ጥራይ ብምድግጋም ክንጽሊ የብልናን። የግዳስ፡ ነቲ እንጽልየሉ ነገር ካብ ልብና ኽንኣምነሉ ኣሎና። ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕን ካብ ልብና ንጽልን እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኽትድልድል እያ።

ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንገሮም

15, 16. ብዛዕባ ዕዮ ስብከት እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧

15 ናብ የሆዋ ኽንለግብ እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እምነትና ንሰባት ክንነግሮም ኣሎና። ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምዝራብ ፍሉይ መሰል፡ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ እዩ። (ሉቃስ 1:74) እዚ ዕዮ እዚ፡ የሱስ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝሃቦም ሓላፍነት እውን እዩ። ኵላትና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ኣሎና። ንስኻኸ ትሰብኽዶ ኣለኻ፧—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

16 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ኽቡር መሰል ከም ዝዀነ ስለ እተገንዘበ፡ “መዝገብ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ዕላማታቱን ንሰባት ምንጋር፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ። ንየሆዋ እተገልግለሉ መገዲ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ንኣገልግሎትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (እብራውያን 6:10) ዕዮ ስብከት ንዓኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ዚጠቅም ዕዮ እዩ፣ ምኽንያቱ ንየሆዋ ኽትቀርብዎን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረኽቡን ይሕግዘኩም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ካብዚ ንላዕሊ ዜሐጕስ ዕዮ የለን።

17. ዕዮ ስብከት ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

17 ዕዮ ስብከት ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ ዕዮ እዩ። ‘ነቲ ቓል ክንሰብኽን ብህጹጽ ክንገብሮን ኣሎና።’ (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ቐልጢፋ ድማ ትቐርብ ኣላ!” ይብል። ብዛዕባ መወዳእታ እውን፡ “ኣይኪድንጕን ድማ እዩ” ይብለና። (ጸፎንያስ 1:14፣ ኣንባቆም 2:3) እወ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ነዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ኬጥፍኣ እዩ። ቅድሚኡ ግና፡ ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኼገልግልዎ መጠንቀቕታ ኺንገሮም ኣለዎ።

18. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ሓቢርና ኸነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 የሆዋ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓቢርና ኸነምልኾ እዩ ዚደልየና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” ይብል። (እብራውያን 10:24, 25) ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክንእከብ ጻዕሪ ንግበር። ኣኼባታት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕን ክንበራታዕን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።

19. ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነፍቅሮም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

19 ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ፡ ንየሆዋ ኸተምልኾ ዚሕግዙኻ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትረክብ ኢኻ። ከምዚ ኸማኻ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ዚከኣሎም ዘበለ ዚገብሩ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ክትረክብ ኢኻ። ንሳቶም ከማኻ ዘይፍጹማትን ዚጋገዩን እዮም። ኪጋገዩ ኸለዉ ይቕረ በለሎም። (ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።) ኵሉ ሳዕ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣተኵር፣ ከምኡ ምስ እትገብር፡ ከተፍቅሮም ኢኻ፡ ንየሆዋ ድማ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።

ናይ ሓቂ ህይወት

20, 21. “ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ እያ፧

20 የሆዋ ዅሎም ኣዕሩኹ ብሉጽ ህይወት ኪህልዎም እዩ ዚደሊ። ኣብ መጻኢ እትህልወና ህይወት ካብዛ ሕጂ ዘላትና ህይወት ምሉእ ብምሉእ እተፈልየት ከም እትኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ።

የሆዋ “ናይ ሓቂ ህይወት” ክትረክብ እዩ ዚደልየካ። እሞኸ ኽትረኽባ ዲኻ፧

21 ኣብ መጻኢ፡ ን70 ወይ ን80 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ክንነብር ኢና። ኣብ ውቅብቲ ገነት፡ ፍጹም ጥዕናን ሰላምን ታሕጓስን ዝመልኦ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክንረክብ ኢና። ነዛ ህይወት እዚኣ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ህይወት” ዚብላ። የሆዋ ነዚ ናይ ሓቂ ህይወት እዚ ኺህበና ኣተስፍዩና እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ተስፋ እዚ ‘ኣጽኒዕና ንምሓዝ’ ክንጽዕር ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19

22. (ሀ) ነታ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ኽንሕዛ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብጻዕርና ጥራይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

22 ነታ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ኽንሕዛ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ‘ሰናይ ክንገብር፡’ ‘ብሰናይ ግብሪ ድማ ክንህብትም’ ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 6:18) እወ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓቂ ህይወት ብጻዕርና ጥራይ እትርከብ ኣይኰነትን። እወ፡ ሳላ ጻዕርና ጥራይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ “ብጸጋ” ዚህቦም ናጻ ውህበት እዩ። (ሮሜ 5:15) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ነዚ ውህበት እዚ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኺህቦም ብሓቂ ይደሊ እዩ።

23. ሕጂ ቕኑዕ ምርጫታት ክትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

23 እምበኣር፡ ‘ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ድየ ዘምልኾ ዘለኹ’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ለውጢ ኽትገብር ከም ዘሎካ እንተ ፈሊጥካ፡ ቀልጢፍካ ለውጢ ግበር። ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልናን ንዕኡ እንተ ተኣዚዝናዮን፡ የሆዋ ዕቝባና ኪኸውን እዩ፣ ኣብዘን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ናይ ሰይጣን ዓለም ከኣ ነቶም እሙናት ህዝቡ ኺሕልዎም እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ከምቲ ዘተስፈዎ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ኬንብረና እዩ። እወ፡ ሕጂ ቕኑዕ ምርጫታት እንተ ጌርካ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።