ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 1

ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና እዩ። ንዅሉ ነገር ንሱ እዩ ፈጢርዎ፣ ንዚርአን ንዘይርአን ንሱ እዩ ገይርዎ። ንዚርአ ነገራት ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ብዙሓት መላእኽቲ ፈጢሩ እዩ። መላእኽቲ እንታይ ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ ንመላእኽቲ፡ የሆዋ እዩ ፈጢርዎም። ከም ኣምላኽ ድማ መንፈስ እዮም። ከምቲ ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል፡ ንመላእኽቲ እውን ክንርእዮም ኣይንኽእልን ኢና። እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ቐዳማይ መልኣኽ፡ ሓጋዚኡ ዀይኑ እዩ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ከዋኽብትን ፕላነታትን ኵሉ ኻልእ ነገራትን ኣብ ዚፍጠረሉ እዋን፡ ንየሆዋ ሓጊዝዎ እዩ። ሓንቲ ኻብተን ፕላነታት ዝዀነት ምድሪ፡ ጽብቕቲ መንበሪትና እያ።

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንምድሪ፡ መንበሪት እንስሳታትን ሰባትን ክትከውን ኣዳለዋ። ብርሃን ጸሓይ ከኣ ኣብ ምድሪ ኸም ዚበርህ ገበረ። ኣኽራንን ውቅያኖሳትን ኣፍላግን ድማ ፈጠረ።

ቀጺሉኸ እንታይ ኰነ፧ የሆዋ፡ ‘ሳዕርን ኣትክልትን ኣእዋምን ክፈጥር እየ’ በለ። በብዓይነቱ ፍረታትን ኣሕምልትን ዕምባባታትን ድማ ኪበቍል ጀመረ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንዅሎም እንስሳታት ፈጠረ፣ በረርትን ሓምበስትን ለመምትን ተንፈሓዅትን እንስሳታት ፈጠረ። ገሊኣቶም ከም ማንቲለ ንኣሽቱ እዮም ነይሮም፣ ገሊኣቶም ከኣ ከም ሓርማዝ ዓበይቲ እዮም ነይሮም። ንስኻ እንታይ እንስሳ ትፈቱ፧

ቀጺሉ፡ የሆዋ ነቲ ቐዳማይ መልኣኽ፡ “ሰብ ንግበር” በሎ። ሰባት ካብ እንስሳታት እተፈልዩ እዮም። ኪምህዙ ይኽእሉ እዮም። ኪዛረቡ፡ ኪስሕቁ፡ ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም። ንምድርን ንእንስሳታትን ኪከናኸኑ ድማ እዮም ተፈጢሮም። እቲ ቐዳማይ ሰብ መን ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።”—ዘፍጥረት 1:1