ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 2

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ

የሆዋ፡ ኤደን ኣብ እትብሃል ስፍራ ገነት ተኸለ። እታ ገነት ከኣ ዕምባባታትን ኣእዋምን እንስሳታትን ዝመልኣ እያ ነይራ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ማለት ንኣዳም ካብ ሓመድ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ኡፍ በለሉ። ሽዑ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ እቲ ሰብ ህያው ኰነ! የሆዋ ንኣዳም፡ ነታ ገነት ኪከናኸናን ንዅሎም እንስሳታት ስም ኬውጽኣሎምን ሓላፍነት ሃቦ።

የሆዋ ንኣዳም ሓንቲ ኣገዳሲት ሕጊ ሃቦ። ‘ካብ ኵሉ ኣእዋም ክትበልዕ ትኽእል ኢኻ፣ ካብ ሓንቲ ፍልይቲ ኦም ግና ኣይትብላዕ። ካብታ ኦም እቲኣ እንተ በሊዕካ፡ ክትመውት ኢኻ’ በሎ።

ጸኒሑ፡ የሆዋ፡ ‘ንኣዳም ሓጋዚት ክገብረሉ እየ’ በለ። ድሕሪኡ፡ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣደቀሶ። ቀጺሉ፡ ኣምላኽ ብሓንቲ ኻብ መሰናግለ ኣዳም ገይሩ ንኣዳም ሰበይቲ ፈጠረሉ። ስም እታ ሰበይቲ ኸኣ ሄዋን እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ቀዳመይቲ ስድራ ቤት መስረቱ። እሞኸ ኣዳም ብዛዕባ እታ ሓዳስ ሰበይቱ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧ ብዙሕ ስለ እተሓጐሰ፡ ‘እዛ የሆዋ ኻብ መሰንገለይ ዝፈጠራ ኽትጽብቕ! ኣብ መወዳእታኡ፡ ከማይ ዝኣመሰለት ረኺበ’ በለ።

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ውሉዳት ኪወልዱን ንምድሪ ኺመልእዋን ኣዘዞም። ብሓባር እናዓየዩ ንምልእቲ ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ዝኣመሰለት ገነት ወይ ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺገብርዋ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ እተሓስበ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንምሃሮ ኢና።

“እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ [ፈጠሮም]።”—ማቴዎስ 19:4