ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 3

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን

ሓደ መዓልቲ፡ ሄዋን በይና ኸላ፡ ሓደ ተመን ተዛረባ። ‘ኣምላኽሲ፡ ካብ ኵሉ ኦም ከይትበልዑ ኸልኪሉኩም ድዩ፧’ ኢሉ ሓተታ። ሄዋን ድማ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ክንበልዕ ንኽእል ኢና፣ ካብ ሓንቲ ጥራይ ኢና ዘይንበልዕ። ካብ ፍረ እታ ኦም እቲኣ እንተ በሊዕና፡ ክንመውት ኢና’ በለቶ። እቲ ተመን ከኣ፡ ‘ኣይክትሞቱን ኢኹም። እኳ ደኣስ፡ ካብኣ እንተ በሊዕኩም፡ ከም ኣምላኽ ክትኰኑ ኢኹም’ በላ። ሓቁ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን፡ ሓስዩ እዩ። ሄዋን ግና ኣመነቶ። ነታ ፍረ ስቕ ኢላ ምስ ጠመተታ ኸኣ፡ ንምብላዓ ዝያዳ ድሌት ሓደራ። ነታ ፍረ ድማ በልዓታ፣ ንኣዳም እውን ሃበቶ። ኣዳም ከኣ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዞም ከም ዚሞቱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እናፈለጠ ኻብታ ፍረ በልዐ።

ጸኒሑ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ተዛረቦም። ስለምንታይ ከም ዘይተኣዘዝዎ ድማ ሓተቶም። ሄዋን፡ ‘እቲ ተመን ኣጋግዩኒ’ በለት፣ ኣዳም ከኣ፡ ‘ሄዋን ኣጋግያትኒ’ በለ። ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ የሆዋ ኻብ ገነት ሰጐጎም። ናብታ ገነት ምእንቲ ኸይምለሱ ኸኣ፡ ኣብ መእተዊኣ፡ መላእኽትን ሃልሃልታ ዘለዋ ሰይፍን ገበረ።

የሆዋ ድማ ነቲ ንሄዋን ሓስዩ እተዛረባ ኸም ዚቐጽዖ ተዛረበ። ከም ሓቂ፡ ተመን ኣይኰነን ንሄዋን ተዛሪብዋ። የሆዋ ንኣትማን፡ ናይ ምዝራብ ክእለት ኣይሃቦምን። ነቲ ተመን ከም ዚዛረብ ዝገበሮ፡ ሓደ እኩይ መልኣኽ እዩ ነይሩ። ንሄዋን ኬታልላ ኢሉ ኸኣ እዩ ኸምኡ ገይሩ። እቲ መልኣኽ እቲ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ይብሃል። ሰይጣን ንሰባት ምእንቲ ኸየታልሎም፡ ኣብ መጻኢ የሆዋ ንዕኡ ኼጥፍኦ እዩ።

“ድያብሎስ . . . ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፣ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።”—ዮሃንስ 8:44