ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 5

መርከብ ኖህ

መርከብ ኖህ

ድሕሪ ግዜ፡ ሰባት ኣብ ምድሪ በዝሑ። መብዛሕትኦም ከኣ ክፉኣት ነበሩ። ገሊኦም ኣብ ሰማይ ዝነበሩ መላእኽቲ እውን ከይተረፉ ኽፉኣት ኰኑ። ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ መንበሪኦም ሓዲጎም፡ ናብ ምድሪ ወረዱ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩስ ትፈልጥዶ፧ ስጋ ሰብ ለቢሶም ኣንስቲ ምእንቲ ኺምርዓዉ ኢሎም እዮም።

እቶም መላእኽቲ ድማ ካብተን ኣንስቲ ውሉዳት ወለዱ። እቶም ውሉዳቶም ምስ ዓበዩ ኸኣ፡ ኣዝዮም ብርቱዓትን ዓመጽትን ኰኑ። ንሰባት ድማ ይጐድኡ ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ዅነታት ኪቕጽል ኣይፈቐደን። ስለዚ፡ ነቶም ክፉኣት ሰባት ብማይ ኣይሂ፡ ማለት ብምዕልቕላቕ ማይ ኬጥፍኦም ወሰነ።

ሓደ ሰብኣይ ግና ካብ ካልኦት እተፈልየ ነበረ። ንሱ ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ። ስሙ ኖህ ይብሃል ነበረ። ንሱን ሰበይቱን፡ ሴምን ካምን ያፌትን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ነበርዎም። ንሰለስቲኦም ከኣ ሰለስተ ኣንስቲ ነበራኦም። የሆዋ ንኖህ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ ነገሮ። እታ መርከብ ከኣ ኣብ ማይ ጸምበለል እትብል ዓባይ ሳጹን እያ እትመስል ነይራ። የሆዋ ንኖህ፡ ብዙሓት እንስሳታት ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ናብታ መርከብ ኬእትዎም ነገሮ።

ኖህ ብኡብኡ መርከብ ኪሰርሕ ጀመረ። ኖህን ስድራ ቤቱን ነታ መርከብ ንምስራሕ፡ 50 ዓመት ዚኸውን ወሰደሎም። ነታ መርከብ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ገይሮም ሰርሕዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህ ንሰባት ብዛዕባ ማይ ኣይሂ የጠንቅቖም ነበረ። ግናኸ፡ ዋላ ሓደ ኣይሰምዖን።

ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ መርከብ ዚኣትዉሉ ግዜ ኣኸለ። ሽዑ እንታይ ከም ዝዀነ ቐጺልና ንርአ።

“ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37