ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 6

ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ

ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ

ኖህን ስድራ ቤቱን እንስሳታትን ናብታ መርከብ ኣተዉ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዓጸዎ። ድሕሪኡ፡ ኪዘንም ጀመረ። ብዙሕ ስለ ዝዘነመ፡ እታ መርከብ ጸምበለል ክትብል ጀመረት። ኣብ መወዳእታ፡ ብዘላ ምድሪ ብማይ ተሸፈነት። ኵሎም እቶም ካብታ መርከብ ወጻኢ ዝነበሩ ኽፉኣት ሰባት ድማ ሞቱ። ኖህን ስድራ ቤቱን ግና ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ስለ ዝነበሩ፡ ደሓኑ። ንየሆዋ ስለ እተኣዘዝዎ፡ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ምንባሮምሲ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧

እቲ ዝናም 40 መዓልትን 40 ለይትን ዘነመ፣ ድሕሪኡ፡ ኣቋረጸ። በብቝሩብ እቲ ማይ ጐደለ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ዓረፈት። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ብዙሕ ማይ ነበረ፣ ስለዚ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ሽዑሽዑ ኻብታ መርከብ ኪወጹ ኣይከኣሉን።

በብቝሩብ እቲ ማይ ነጸፈ። ኖህን ስድራ ቤቱን ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ብድምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ጸንሑ። የሆዋ ኸኣ ኻብታ መርከብ ወጺኦም፡ ኣብታ ኻብ ክፉኣት ሰባት ዝጸረየት ምድሪ ኺነብሩ ነገሮም። ንሳቶም ድማ የሆዋ ስለ ዘድሓኖም ኬመስግንዎ ደለዩ፣ ምስጋናኦም ንምግላጽ ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡሉ።

የሆዋ በቲ መስዋእቶም ተሓጐሰ። ካብኡ ንደሓር ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ፈጺሙ ኸም ዘየጥፍኣ ኸኣ ቃል ኣተወ። ከም ምልክት እቲ ዝኣተዎ ቓል ድማ፡ ኣብ ሰማይ ንመጀመርታ ግዜ ቐስተ ደበና ኸም ዚርአ ገበረ። ቀስተ ደበና ርኢኻዶ ትፈልጥ፧

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኖህን ንስድራ ቤቱን፡ ‘ውሉዳት ውለዱ፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ’ በሎም።

“ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ፡ . . . ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን።”—ማቴዎስ 24:38, 39