ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 7

ግምቢ ባቤል

ግምቢ ባቤል

ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ደቂ ኖህን ኣንስቶምን ብዙሓት ውሉዳት ወለዱ። ሰባት ከኣ እናበዝሑ ኸዱ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ድማ፡ ናብ እተፈላለየ ኽፋላት ምድሪ ኺብተኑ ጀመሩ።

ገሊኦም ሰባት ግና ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ‘ከተማ ንስራሕ እሞ ኣብዚ ንኹን። ክሳብ ሰማይ ዚበጽሕ ነዊሕ ግምቢ ንስራሕ። ፍሉጣት ከኣ ኽንከውን ኢና’ በሉ።

የሆዋ በቲ እቶም ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ ንዕዮኦም ኣቋረጾ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧ ብሃንደበት በብዓይነቱ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ገበሮም። ንሓድሕዶም ኪራዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ሓደግዎ። እታ ዚሃንጽዋ ዝነበሩ ኸተማ ድማ ባቤል፡ ማለት “ድብልቕልቕ” ተባህለት። ስለዚ፡ ሰባት ካብቲ ቦታ ግዒዞም ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺነብሩ ጀመሩ። ኣብቲ ሓድሽ ቦታታት ግና ሕማቕ ነገር ምግባር ኣይሓደጉን። ግናኸ፡ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ነይሮምዶ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እዚ ኽንምሃር ኢና።

“ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪልዕል እዩ።”—ሉቃስ 18:14