ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 9

ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!

ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!

ኣብርሃምን ሳራን ካብ ዚምርዓዉ ብዙሕ ዓመታት ገይሮም ነበሩ። ነታ ኣብ ኡር ዝነበረት ምሽእቲ ቤቶም ሓዲጎም ኣብ ድንኳን ይነብሩ ነበሩ። ሳራ ግና ንየሆዋ ትኣምኖ ስለ ዝነበረት፡ በዚ ኣየማረረትን።

ሳራ ውሉድ ኪህልዋ ስለ ዝደለየት፡ ንኣብርሃም፡ ‘ገረደይ ኣጋር ውሉድ እንተ ወሊዳ፡ ከም ውሉደይ ኪዀነለይ ይኽእል እዩ’ በለቶ። ድሕርዚ፡ ኣጋር ወዲ ወለደት። ስሙ ድማ እስማኤል ተባህለ።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ፡ ሳራ ኸኣ ጓል 89 ዓመት ምስ ኰነት፡ ሰለስተ በጻሕቲ መጽዎም። ኣብርሃም ድማ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ኪብሉ እሞ ምግቢ ኺበልዑ ዓደሞም። እቶም በጻሕቲ መን ምንባሮምሲ ትፈልጥዶ፧ መላእኽቲ እዮም ነይሮም! ንሳቶም ከኣ ንኣብርሃም፡ ‘ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ፡ ንስኻን ሰበይትኻን ወዲ ኺህልወኩም እዩ’ በልዎ። ሳራ ድማ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ኰይና ትሰምዖም ነበረት። ብልባ እናሰሓቐት ከኣ፡ ‘ኣነ ኣሪገ ኽነሰይሲ ብሓቂዶ ውሉድ ክወልድ እየ፧’ በለት።

ንዓመታኡ፡ ከምቲ መልኣኽ የሆዋ ዝበሎ፡ ሳራ ወዲ ወለደት። ኣብርሃም ከኣ ንዕኡ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ሰሓቕ” ማለት እዩ።

ይስሃቅ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ እስማኤል ንዕኡ ኼላግጸሉ ኸሎ ሳራ ረኣየት። ስለዚ፡ ንወዳ ኻብ ጕድኣት ክትከላኸለሉ ስለ ዝደለየት፡ ናብ ኣብርሃም ከይዳ፡ ንኣጋርን ንእስማኤልን ኪሰጕጎም ነገረቶ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብርሃም ከምኡ ኺገብር ኣይደለየን። የሆዋ ግና ንኣብርሃም፡ ‘ንሳራ ስምዓያ። ንእስማኤል ክከናኸኖ እየ። ነቲ ዘተስፈኹኻ ቓል ግና ብይስሃቅ ኣቢለ እየ ዝፍጽሞ’ በሎ።

“ሳራ . . . ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ።”—እብራውያን 11:11