ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 12

ያእቆብ ውርሲ ወረሰ

ያእቆብ ውርሲ ወረሰ

ይስሃቅ ንርብቃ ኺምርዓዋ ኸሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ነበረ። ብዙሕ እውን የፍቅራ ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ ማንታ ኣወዳት ወለዱ።

እቲ ዓብዪ ኤሳው፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ያእቆብ ይብሃሉ ነበሩ። ኤሳው ናብ መሮር ወይ ናብ በረኻ ኸይዱ እንስሳታት ምህዳን ይፈቱ ነበረ። ያእቆብ ግና ኣብ ቤት ምዃን ይፈቱ ነበረ።

ኣብቲ ግዜያት እቲ፡ ሓደ ኣቦ ምስ ሞተ፡ ነቲ በዅሪ ወዲ መብዛሕትኡ መሬትን ገንዘብን ይውሃቦ ነበረ። እዚ ኸኣ ውርሲ ይብሃል። ኣብ ስድራ ቤት ይስሃቅ ግና፡ ካልእ ውርሲ እውን ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ክፍሊ እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ቓል ምዃን እዩ ነይሩ። ኤሳው ብዛዕባ እቲ ተስፋታት ግዲ ኣይነበሮን፣ ያእቆብ ግና፡ እቲ ተስፋታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኤሳው ኣብ ሃድን ድሕሪ ምውዓሉ፡ ደኺሙ ተመልሰ። እቲ ያእቆብ ዚሰርሖ ዝነበረ ጥዑም ምግቢ ምስ ጨነዎ ኸኣ፡ ‘ጥሜት ተወዲአ እየ እሞ፡ ካብቲ ቐይሕ ጸብሒ ሒደት ሃበኒ!’ በሎ። ያእቆብ ድማ፡ ‘ሕራይ ክህበካ እየ፣ ቅድም ግና ውርስኻ ኽትህበኒ ቓል እተወለይ’ በሎ። ኤሳው ከኣ፡ ‘ብዛዕባ ውርሰይ ግዲ የብለይን። ውሰዶ! ዚብላዕ ጥራይ ሃበኒ’ በሎ። ኤሳው ዝገበሮስ ቅኑዕ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ኤሳው ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ነገር፡ ብጸብሒ እዩ ለዊጥዎ።

ይስሃቅ ኣመና ምስ ኣረገ፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ኺምርቖ ሓሰበ። ርብቃ ግና ነቲ ንእሽቶ ወዳ ስለ ዝሓገዘቶ፡ ያእቆብ ነቲ ምርቓ ወሰዶ። ኤሳው ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ነቲ ፍላይ ማንታኡ ዝዀነ ሓዉ ድማ ኪቐትሎ ሓሰበ። ይስሃቅን ርብቃን ግና ንያእቆብ ካብ ጕድኣት ኪከላኸሉሉ ስለ ዝደልዩ፡ ‘ኤሳው ክሳዕ ዚሃድእ፡ ኪድ እሞ ምስ ኣኮኻ ላባን ተቐመጥ’ በልዎ። ያእቆብ ከኣ ምኽሪ ወለዱ ሰሚዑ፡ ህይወቱ ንምድሓን ሃደመ።

“ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ህይወቱ እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ ኣብ ክንዲ ህይወቱ እንታይ ምሃበ፧”—ማርቆስ 8:36, 37