ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 13

ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ

ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ

የሆዋ ንያእቆብ፡ ከምቲ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሓለዎም፡ ንዕኡ እውን ከም ዚሕልዎ ቓል ኣተወሉ። ያእቆብ ድማ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣብኡ ድማ ተመርዓወ፡ ብዙሓት ውሉዳት ወለደ፡ ኣዝዩ ሃብታም እውን ኰነ።

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንያእቆብ፡ ‘ናብ ዓድኻ ተመለስ’ በሎ። ስለዚ፡ ያእቆብን ቤተ ሰቡን ነዊሕ ጕዕዞ ጀመሩ። ኣብ መገዲ ኸለዉ ድማ፡ ገሊኦም ሰባት ናብ ያእቆብ መጺኦም፡ ‘ኤሳው ሓውካ ይመጽእ ኣሎ፣ ምስኡ እውን 400 ሰብኡት ኣለዉ!’ በልዎ። ያእቆብ ከኣ፡ ኤሳው ንዕኡን ንቤተ ሰቡን ከይጐድኦም ፈርሀ። ናብ የሆዋ ድማ፡ ‘በጃኻ ኻብ ሓወይ ኣድሕነኒ’ ኢሉ ጸለየ። ንጽብሒቱ፡ ያእቆብ ንኤሳው፡ ብዙሓት ኣባጊዕን ኣጣልን ከብትን ኣግማልን ኣእዱግን ከም ህያብ ሰደደሉ።

በታ ለይቲ እቲኣ፡ ያእቆብ በይኑ ኸሎ፡ መልኣኽ ረኣየ! እቲ መልኣኽ ከኣ ምስ ያእቆብ ኪቃለስ ጀመረ። ክልቲኦም ክሳዕ ንግሆ ተቓለሱ። ሽዑ፡ ያእቆብ ዋላ እኳ እንተ ተጐድአ፡ ኣይተሓለለን። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ‘ሕደገኒ’ በሎ። ያእቆብ ግና፡ ‘ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ’ በሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መልኣኽ ንያእቆብ ባረኾ። ድሕርዚ፡ ያእቆብ፡ ካብ ኤሳው ጕድኣት ኪመጾ የሆዋ ኸም ዘይፈቅድ ፈለጠ።

በታ ንግሆ እቲኣ፡ ያእቆብ ኣማዕድዩ ምስ ጠመተ፡ ንኤሳውን ነቶም 400 ሰብኡትን ረኣዮም። ያእቆብ ድማ ቅድሚ ቤተ ሰቡ ኸይዱ፡ ኣብ ቅድሚ ሓዉ ሸውዓተ ሳዕ ሰገደ። ኤሳው ከኣ ናብ ያእቆብ ጐይዩ ኸይዱ ሓቘፎ። ክልቲኦም ኣሕዋት ነብዑ፣ በዚ ኸምዚ እውን ተዓርቁ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ያእቆብ ዝገበሮ ነገር እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧

ድሕሪኡ፡ ኤሳው ናብ ዓዱ ተመልሰ፣ ያእቆብ ከኣ መገዱ ቐጸለ። ያእቆብ ብድምር 12 ኣወዳት ነበርዎ። ንሳቶም ድማ ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ፡ ዳን፡ ንፍታሌም፡ ጋድ፡ ኣሴር፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ዮሴፍ፡ ብንያም ይብሃሉ ነበሩ። የሆዋ ንሓደ ኻብዞም ኣወዳት እዚኦም፡ ማለት ንዮሴፍ፡ ንህዝቡ ንምድሓን ተጠቒሙሉ እዩ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም።”—ማቴዎስ 5:44, 45