ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 15

የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን

የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ዋላ ሓደ ኺገልጾ ዘይክእል ሕልምታት ሓለመ። ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ ዮሴፍ ትርጉም ሕልሙ ኺገልጸሉ ኸም ዚኽእል ነገሮ። ፈርኦን ድማ ብኡብኡ ንዮሴፍ ልኢኹ ኣምጽኦ።

ፈርኦን ከኣ፡ ‘ሕልምታተይ ክትገልጸለይ ትኽእል ዲኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን፡ ‘ኣብ ግብጺ ንሸውዓተ ዓመት ብዙሕ እኽሊ ኺህሉ እዩ፣ ድሕሪኡ ግና ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ኪኸውን እዩ። ህዝብኻ ምእንቲ ኸይጠምዩ፡ እኽሊ ኣኪቡ ዜቐምጥ ጥበበኛ ሰብ ምረጽ’ በሎ። ፈርኦን ከኣ፡ ‘ንዓኻ መሪጸካ ኣለኹ! ኣብ ግብጺ ኻልኣይ ዝለዓለ ስልጣን ኪህልወካ እዩ!’ ኢሉ መለሰሉ። ግናኸ፡ ዮሴፍ ንትርጉም ሕልምታት ፈርኦን ብኸመይ እዩ ፈሊጥዎ፧ የሆዋ እዩ ንዮሴፍ ሓጊዝዎ።

ኣብተን ዚቕጽላ ሸውዓተ ዓመት፡ ዮሴፍ እኽሊ ኣከበ። ድሕሪኡ፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ጥሜት ኰነ። ካብ ኵሉ ቦታታት ከኣ ሰባት ካብ ዮሴፍ እኽሊ ኺዕድጉ ይመጹ ነበሩ። ያእቆብ ኣቦ ዮሴፍ ድማ፡ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ስለ ዝሰምዐ፡ ንዓሰርተ ደቁ እኽሊ ኺዕድጉ ለኣኾም።

ደቂ ያእቆብ ድማ ናብ ዮሴፍ ከዱ፣ ንሱ እውን ብኡብኡ ኣለለዮም። ንሳቶም ግና ዮሴፍ ምዃኑ ኣይፈለጥዎን። ከምቲ ዮሴፍ ብንእስነቱ ዝሓለሞ ኸኣ፡ ሰገዱሉ። ዮሴፍ ከኣ፡ ኣሕዋቱ ገና ናይ ጽልኢ ባህርይ ዘለዎም እንተ ዀይኖም ኪፈልጥ ደለየ። ስለዚ፡ ‘ንስኻትኩም ሰለይቲ ኢኹም። ሃገርና በየን ድኽምቲ ኸም ዝዀነት ክትርእዩ ኢኹም መጺእኩም’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ኣይኰንናን! ንሕና 12 ኣሕዋት ካብ ከነኣን ኢና። ሓደ ሓውና ሞይቱ እዩ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ምስ ኣቦኡ ኣሎ’ በልዎ። ዮሴፍ ድማ፡ ‘ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናባይ ኣምጽእዎ እሞ ኽኣምነኩም እየ’ በሎም። ስለዚ፡ ናብ ኣቦኦም ተመልሱ።

ቤተ ሰብ ያእቆብ እኽሊ ምስ ተወድኦም፡ ያእቆብ ንደቁ መሊሱ ናብ ግብጺ ለኣኾም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንብንያም እቲ ንእሽቶ ሓዎም ምሳታቶም ወሰድዎ። ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ ምእንቲ ኺፍትኖም ኢሉ ብብሩር እተሰርሐት ጽዋኡ ወይ መስተዪቱ ኣብ ከረጺት ብንያም ኣእተዋ፣ ድሕሪኡ፡ ንኣሕዋቱ ሰሪቕኩምዋ ኢሉ ኸሰሶም። ኣገልገልቲ ዮሴፍ ነታ ጽዋእ ኣብ ከረጺት ብንያም ምስ ረኸብዋ፡ ኣሕዋቱ ሰምበዱ። ንዮሴፍ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ንብንያም፡ ንዓታቶም ኪቐጽዖም ለመንዎ።

ሽዑ ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ ኸም እተለወጡ ፈለጠ። ስለዚ፡ ስምዒቱ ኺሓብእ ኣይከኣለን። ንብዓት ሰዓሮ፣ ‘ኣነ ሓውኩም ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧’ ኢሉ እውን ሓተቶም። ኣሕዋቱ ድማ ብዙሕ ሰምበዱ። ንሱ ኸኣ፡ ‘በቲ ዝገበርኩምኒ፡ ሕማቕ ኣይሰማዕኩም። ኣምላኽ ህይወትኩም ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ እዩ ንዓይ ናብዚ ልኢኹኒ። ሕጂ ቐልጢፍኩም ኬድኩም ንኣቦይ ናብዚ ኣምጽእዎ’ በሎም።

ንሳቶም ድማ ናብ ኣቦኦም ከዱ፡ ነቲ ብስራት ከኣ ነገርዎ፡ ናብ ግብጺ እውን ወሰድዎ። ዮሴፍን ኣቦኡን ድማ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ተራኸቡ።

“ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።”—ማቴዎስ 6:15