ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 21

እቲ ዓስራይ መዓት

እቲ ዓስራይ መዓት

ሙሴ ንፈርኦን፡ መሊሱ ኺርእዮ ኸም ዘይፍትን ቃል ኣተወሉ። ቅድሚ ምኻዱ ግና፡ ንፈርኦን፡ ‘ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ኣብ ግብጺ ዘሎ ዅሉ በዅሪ፡ ካብ ወዲ ፈርኦን ክሳዕ ደቂ ባሮት ኪሞቱ እዮም’ በሎ።

የሆዋ ኸኣ ንእስራኤላውያን ፍሉይ ድራር ኪገብሩ ኣዘዞም። ከምዚ እውን በሎም፦ ‘ሓደ ዓመት ዝገበረ በጊዕ ወይ ጤል ሕረዱ፣ ገለ ኻብ ደሙ ኸኣ ኣብ ልዳት ቤትኩም ልኸይዎ። ነቲ ስጋ ድማ ኣብስልዎ፡ ምስ ቅጫ እውን ብልዕዎ። ክዳንኩም ተኸዲንኩም፡ ኣሳእንኩም ጌርኩም፡ ንምኻድ ድሉዋት ኩኑ። በዛ ለይቲ እዚኣ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም።’ እስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ ተሃንጥዮም ከም ዝነበሩስ ክትግምቶዶ ትኽእል፧

ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ መልኣኽ የሆዋ ብዅሉ ኣባይቲ ግብጺ ሓለፈ። ኣብተን ልዳውተን ደም ዘይተለኽየ ኣባይቲ ዝጸንሐ ዘበለ ዅሉ በዅሪ ድማ ሞተ። እቲ መልኣኽ ግና ነቲ ደም እተለኽየ ኣባይቲ ሰጊርዎ ሓለፈ። በዚ ኸምዚ፡ ንሃብታማት ኰኑ ንድኻታት ግብጻውያን ውሉዶም ሞቶም። ካብ ደቂ እስራኤላውያን ግና ሓደ እኳ ኣይሞተን።

ወዲ ፈርኦን እውን ሞተ። ፈርኦን ከኣ ድሕርዚ ኺጻወር ኣይከኣለን። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ብኡብኡ ጸዊዑ፡ ‘ተንስኡ። ካብዚ ውጹ። ኪዱ ንኣምላኽኩም ኣምልኽዎ። እንስሳታትኩም እውን ምሳኻትኩም ተማሊእኩም ኪዱ’ በሎም።

እስራኤላውያን ከኣ ምልእቲ ወርሒ ዃዕ ኢላ ኸላ፡ በብዓሌቶምን በብነገዶምን ተሰሪዖም ወጹ። ብድምር ድማ 600,000 ሰብኡትን ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበሩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ብዙሓት ካልኦት ህዝቢ ንየሆዋ ንምምላኽ ምሳታቶም ወጹ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እስራኤላውያን ሓራ ወጹ!

የሆዋ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ንምዝካር፡ ኣብ ዓዓመት ፍሉይ ድራር ይገብሩ ነበሩ። እቲ በዓል ድማ ፋስጋ ይብሃል ነበረ፣ ፋስጋ ኪብሃል ከሎ፡ “ምሕላፍ” ማለት እዩ።

“ሓይለይ ኣባኻ ምእንቲ ኸርኢ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ።”—ሮሜ 9:17