ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 25

ንኣምልኾ ዚኸውን ማሕደር

ንኣምልኾ ዚኸውን ማሕደር

ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ማሕደር ዚብሃል ፍሉይ ድንኳን ኪሰርሕ የሆዋ ኣዘዞ። እቲ ማሕደር ከኣ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዜምልኹሉ እዩ ነይሩ። ነቲ ማሕደር እውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ሒዞምዎ ኺግዕዙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ ‘ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ማሕደር ንምስራሕ ብዓቕሞም ኪህቡ ንገሮም’ በሎ። እስራኤላውያን ድማ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ክቡራት ኣእማንን ስልማትን ሃቡ። ብተወሳኺ እውን፡ ዓለባታት ጸምርን ዓለባታት በፍታን ቈራብትን ብዙሕ ካልእ ነገራትን ሃቡ። ብልግሲ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝሃቡ፡ ሙሴ፡ ‘ይኣኽለና። ተወሳኺ ኣይተምጽኡ’ በሎም።

ብዙሓት ክኢላታት ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ማሕደር ንምስራሕ ሓገዙ። የሆዋ ድማ ነቲ ዕዮ ንምዕያይ ዜኽእል ጥበብ ሃቦም። ገሊኦም ፈትሊ ፈተሉ፡ ዓለባ ኣለሙ፡ ጥልፊ ኸኣ ጠለፉ። ገሊኦም ድማ ኣእማን ጸረቡ፡ ስርሓት ወርቂ ሰርሑ፡ ወይ ዕንጨይቲ ጸረቡ።

እቶም ህዝቢ፡ ነቲ ማሕደር ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ገይሮም ሰርሕዎ። ነቲ ማሕደር ኣብ ክልተ ኽፋል ዚኸፍል ጽቡቕ መጋረጃ ድማ ሰርሑ። እተን ክፍልታት ከኣ ቅድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን ይብሃላ ነበራ። ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን ድማ፡ ብዕንጨይቲ ሰራውን ብወርቅን እተሰርሐ ታቦት ኪዳን ነበረ። ኣብታ ቕድስቲ ኸኣ፡ ቀዋሚ ቐንዴል ወርቅን ሰደቓን መሰውኢ ዕጣንን ነበረ። ኣብቲ ኣጸድ ድማ፡ ገበራ ነሓስን ዓብዪ መሰውእን ነበረ። እቲ ታቦት ኪዳን ንእስራኤላውያን፡ ነቲ ንየሆዋ ኺእዘዝዎ እተመባጽዕዎ መብጽዓ የዘኻኽሮም ነበረ። ኪዳን እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ኪዳን ፍሉይ ዓይነት መብጽዓ እዩ።

የሆዋ ንኣሮንን ንደቁን፡ ካህናት ኰይኖም ኣብቲ ማሕደር ኬገልግሉ መረጾም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ማሕደር ኪከናኸንዎን ኣብኡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኬቕርቡን ነበሮም። ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን ድማ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ ኣሮን ጥራይ እዩ ኺኣቱ ዚፍቀደሉ ዝነበረ። ንሱ እውን ንሓጢኣቱን ንሓጢኣት ስድራ ቤቱን ንሓጢኣት ብዘሎ ህዝቢ እስራኤልን ንምስዋእ፡ ሓንሳእ ኣብ ዓመት እዩ ናብኣ ዚኣቱ ዝነበረ።

እስራኤላውያን ነቲ ማሕደር፡ ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ድሕሪ ዓመት ወድእዎ። በዚ ኸምዚ፡ ንኣምልኾ የሆዋ እትኸውን ቤት ሰርሑ።

የሆዋ ኸኣ ነቲ ማሕደር ብኽብሩ መልኦ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር እውን ደበና ነበረ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክሳዕ ዝጸንሐ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ዘለዉዎ ይጸንሑ ነበሩ። እቲ ደበና ምስ ተላዕለ ግና፡ ይነቕሉ ነበሩ። ነቲ ማሕደር በታቲኖም ይስከምዎ እሞ፡ ነቲ ደበና ይስዕብዎ ነበሩ።

“ካብቲ ዝፋን ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ ‘እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ።’”—ራእይ 21:3