ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 28

ኣድጊ በላዓም ተዛረበት

ኣድጊ በላዓም ተዛረበት

እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዳርጋ 40 ዓመት ጸንሑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንብዙሓት ሓያላት ከተማታት ስዒሮም ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ብምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ሰፈሩ። ናብ ምድሪ ተስፋ ዚኣትዉሉ ግዜ ኸኣ ቀሪቡ ነበረ። ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ምድሩ ኸይስእን ፈርሀ። ስለዚ፡ በላዓም ንዝስሙ ሰብኣይ ናብ ሞኣብ መጺኡ፡ ንእስራኤላውያን ኪረግሞም ሓተቶ።

የሆዋ ግና ንበላዓም፡ ‘ንእስራኤላውያን ከይትረግሞም’ በሎ። ስለዚ፡ በላዓም ምኻድ ኣበየ። ንጉስ ባላቅ ከኣ ንበላዓም ካልኣይ ሳዕ ኪመጽእ ሓተቶ፡ ዝደለዮ ዅሉ ኺህቦ እውን ቃል ኣተወሉ። በላዓም ግና ኣበየ። ሽዑ፡ ኣምላኽ፡ ‘ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፣ ግናኸ፡ ኣነ ዝበልኩኻ ጥራይ ተዛረብ’ በሎ።

በላዓም ከኣ ኣድጊ ተወጢሑ፡ ናብ ደቡብ፡ ናብ ሞኣብ ገጹ ኺጕዓዝ ጀመረ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ከይረግሞም እኳ እንተ ኣዘዞ፡ ንሱ ግና ኪረግሞም ሓሲቡ ነበረ። ኣብ መገዲ ድማ፡ መልኣኽ የሆዋ ሰለስተ ሳዕ ተራእየ። በላዓም ነቲ መልኣኽ ኣይረኣዮን፣ ኣድጊ በላዓም ግና ረኣየቶ። ኣብ ፈለማ፡ እታ ኣድጊ ኻብ መገዲ ናብ ግራት ኣላገሰት። ድሕሪኡ፡ እታ ኣድጊ ናብ መንደቕ ተጸግዐት እሞ ንእግሪ በላዓም ምስቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ኣድጊ ኣብ ማእከል መገዲ በጥ በለት። ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚ፡ በላዓም ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።

ሳልሳይ ሳዕ ምስ ወቕዓ፡ የሆዋ ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ። እታ ኣድጊ ኸኣ ንበላዓም፡ ‘ስለምንታይ ኢኻ ደጋጊምካ ወቒዕካኒ፧’ ኢላ ሓተተቶ። በላዓም ድማ፡ ‘ስለ እተጻወትክለይ እየ። ሰይፊ እንተ ዚህልወንስ ምቐተልኩኺ ነይረ’ በላ። እታ ኣድጊ ኸኣ፡ ‘ንብዙሕ ዓመታት ተወጢሕካኒ ኢኻ። ከምዚ ገይረካዶ እፈልጥ እየ፧’ በለቶ።

ሽዑ፡ የሆዋ ንበላዓም፡ ነቲ መልኣኽ ከም ዚርእዮ ገበሮ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ ‘የሆዋ ንእስራኤል ከይትረግም ኣጠንቂቑካ እዩ’ በሎ። በላዓም ከኣ፡ ‘በዲለ። ክምለስ እየ’ በሎ። እቲ መልኣኽ ግና፡ ‘ናብ ሞኣብ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፣ ግናኸ፡ የሆዋ ዚብለካ ጥራይ ተዛረብ’ በሎ።

እሞኸ በላዓም ካብዚ ተማሂሩዶ፧ ኣይተማህረን። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ በላዓም ንእስራኤላውያን ሰለስተ ሳዕ ኪረግሞም ፈተነ፣ የሆዋ ግና ኣብ ሰለስቲኡ ኸም ዚምርቖም ገበሮ። ኣብ መወዳእታ፡ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሞኣብ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ንበላዓም እውን ቀተልዎ። እሞ ደኣ በላዓም ካብ መጀመርታ ንየሆዋ እንተ ዚሰምዖዶ ኣይምሓሾን፧

“ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ።”—ሉቃስ 12:15