ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 30

ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

እስራኤላውያን ሰለይቲ ናብ ከተማ ያሪኮ ምስ ከዱ፡ ኣብ ቤት ሓንቲ ረሃብ እትብሃል ሰበይቲ ኣተዉ። ንጉስ ያሪኮ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንተዋጋእቱ ናብ ቤት ረሃብ ለኣኾም። ንሳ ድማ ነቶም ክልተ ሰለይቲ ኣብ ናሕሲ ቤታ ሓብኣቶም እሞ፡ ነቶም ተዋጋእቲ ብኻልእ ኣንፈት ለኣኸቶም። ነቶም ሰለይቲ ኸኣ፡ ‘የሆዋ ምሳኻትኩም ምዃኑን ነዛ ምድሪ ኸም ዚህበኩምን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ክሕግዘኩም እየ። ንስድራ ቤተይ ከም እተድሕንዎም በጃኹም ቃል እተዉለይ’ በለቶም።

እቶም ሰለይቲ ድማ ንረሃብ፡ ‘ኣብ ውሽጢ ቤትኪ ንዚጸንሕ ዝዀነ ሰብ ከም ዘይንጐድኦ ቓል ንኣትወልኪ’ በልዋ። ብተወሳኺ እውን፡ ‘ቀይሕ ገመድ ኣብ መስኰትኪ እሰሪ፣ ስድራ ቤትኪ እውን ኪድሕኑ እዮም’ በልዋ።

ረሃብ ከኣ ነቶም ሰለይቲ ብመስኰት ኣቢላ ብገመድ ኣውረደቶም። ንሳቶም ከኣ ናብ ኣኽራን ከይዶም ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ እሞ ናብ እያሱ ተመልሱ። ድሕሪኡ፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ንምውሳድ ተዳልዮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። እታ ቐዳመይቲ ዚስዕርዋ ከተማ ኸኣ፡ ያሪኮ እያ ነይራ። የሆዋ ድማ ነታ ኸተማ ንሽዱሽተ መዓልቲ ሓሓደ ሳዕ ኪዞርዋ ነገሮም። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዞርዋ። ሽዑ፡ እቶም ካህናት መለኸቶም ነፍሑ፡ እቶም ተዋጋእቲ ኸኣ ዓው ኢሎም ጨደሩ። መካበብያ እታ ኸተማ ድማ ፈረሰ! ኣብቲ መካበብያ ዝነበረት ቤት ረሃብ ግና ኣይፈረሰትን። ረሃብ ብየሆዋ ስለ እተኣመነት ከኣ፡ ንሳን ስድራ ቤታን ደሓኑ።

“ከምኡ ኸኣ ረሃብ . . . ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምን ብኻልእ መገዲ ምስ ሰደደቶምን፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧”—ያእቆብ 2:25