ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 31

እያሱን ጊብዖናውያንን

እያሱን ጊብዖናውያንን

እቲ ኣብ ያሪኮ ዝዀነ ነገር፡ ኣብ ከነኣን ኣብ ዚርከቡ ኻልኦት ኣህዛብ ተወርየ። ነገስታቶም ከኣ ብሓባር ኰይኖም ምስ እስራኤላውያን ኪዋግኡ ወሰኑ። ጊብዖናውያን ግና ካልእ ሓሳብ ሓሰቡ። ዝኣረገ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ናብ እያሱ ኸዱ እሞ፡ ‘ካብ ርሑቕ ሃገር ኢና መጺእና። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብጽን ኣብ ሞኣብን ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና። ከይተጥቅዑና ቓል እተዉልና፣ ንሕና እውን ኣገልገልትኹም ክንከውን ኢና’ በልዎ።

እያሱ ስለ ዝኣመኖም፡ ከየጥቅዖም ቃል ኣተወሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግና፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዘይምዃኖም ፈለጠ። ካብ ምድሪ ከነኣን እዮም ነይሮም። እያሱ ድማ ንጊብዖናውያን፡ ‘ስለምንታይ ኢኹም ሓሲኹም፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ስለ ዝፈራህና ኢና። የሆዋ ኣምላኽኩም ይዋግኣልኩም ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። በጃኹም ኣይትቕተሉና’ ኢሎም መለሱ። እያሱ ኸኣ ቃሉ ሓለወ፡ ብህይወት ኪነብሩ እውን ሓደጎም።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓሙሽተ ነገስታት ከነኣንን ሰራዊቶምን ንጊብዖናውያን ኪዋግእዎም መጹ። እያሱን ሰራዊቱን ከኣ ኬድሕንዎም ኢሎም ምሉእ ለይቲ ተጓዕዙ። ንጽብሒቱ ንግሆ እቲ ውግእ ጀመረ። ከነኣናውያን ድማ ፋሕ ኢሎም ኪሃድሙ ጀመሩ። ብዝኸድዎ ዘበለ ግና የሆዋ ዓበይቲ ኣእማን በረድ ኣውደቐሎም። ሽዑ፡ እያሱ ንየሆዋ፡ ንጸሓይ ደው ኬብላ ለመኖ። ጸሓይ ደው ኢላ ዘይትፈልጥ ክነሳ፡ ስለምንታይ እዩ ንየሆዋ ኸምኡ ኺገብር ዝለመኖ፧ ምኽንያቱ፡ እያሱ ብየሆዋ ይእመን ነበረ። እስራኤላውያን ንነገስታት ከነኣንን ንሰራዊቶምን ክሳዕ ዚስዕርዎም፡ ምሉእ መዓልቲ ጸሓይ ኣይዓረበትን።

“‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን። ካብዚ ዝሓለፈ፡ ካብቲ እኩይ እዩ።”—ማቴዎስ 5:37