ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 35

ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት

ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት

ሓደ ኤልቃና ዝስሙ እስራኤላዊ፡ ሃናን ጵኒናን ዝስመን ክልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ንሱ ድማ ንሃና ይፈትዋ ነበረ። ሃና ውሉድ ኣይነበራን፣ ጵኒና ኸኣ ብዙሓት ውሉዳት ነበርዋ፣ ስለዚ፡ ንሃና ዅሉ ሳዕ ተላግጸላ ነበረት። ዓመት ዓመት ድማ፡ ኤልቃና ንስድራ ቤቱ፡ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር ከይዶም ምእንቲ ኼምልኹ ናብኡ ይወስዶም ነበረ። ሓደ ግዜ ኣብኡ ኸለዉ ኸኣ፡ ሃና ብዙሕ ከም ዝጐሃየት ኣስተብሃለ። ስለዚ፡ ‘ሃና ኣይትብከዪ። ኣነ ኣለኹልኪ። እፈትወኪ እየ’ በላ።

ድሕሪኡ፡ ሃና በይና ኽትጽሊ ኸደት። እናበኸየት ድማ ንየሆዋ ለመነቶ። ‘የሆዋ፡ ወዲ እንተ ሂብካኒ፡ ንዓኻ ኽህበካ እየ፡ ምሉእ ህይወቱ እውን ኬገልግለካ እዩ’ ኢላ እውን ተመባጽዐት።

ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ንሃና ኽትበኪ ረኣያ፣ ዝሰኸረት ድማ መሰሎ። ሃና ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ኣነ ኣይሰኸርኩን። ከቢድ ጸገም ኣሎኒ፣ ምስ የሆዋ እውን እዛረብ ኣለኹ’ በለቶ። ኤሊ ኸኣ ከም እተጋገየ ፈለጠ እሞ፡ ‘የሆዋ ዝደለኽዮ ይሃብኪ’ በላ። ሽዑ፡ ሃና ጽቡቕ ተሰሚዕዋ መገዳ ኸደት። ኣብ ውሽጢ ዓመት ከኣ፡ ወዲ ወለደት፡ ሳሙኤል ኢላ እውን ሰመየቶ። ሃና ኽሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሰትሲ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧

ሃና ነቲ ንየሆዋ እተመባጽዓቶ መብጽዓ ኣይረስዓቶን። ንሳሙኤል ጡብ ምስ ኣሕደገቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኬገልግል ወሰደቶ። ንኤሊ ድማ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ወዲ እዚ እየ ጸልየ። ምሉእ ህይወቱ፡ ንየሆዋ ሂበዮ እየ’ በለቶ። ኤልቃናን ሃናን ዓመት ዓመት ንሳሙኤል ይበጽሕዎን ሓድሽ ክዳን ይህብዎን ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ንሃና፡ ተወሰኽቲ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ሃባ።

“ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 7:7