ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 36

መብጽዓ ይፍታሕ

መብጽዓ ይፍታሕ

እስራኤላውያን መሊሶም ንየሆዋ ሓዲጎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ጀመሩ። ድሕሪኡ፡ ዓሞናውያን ምስ እስራኤላውያን ምስ ተዋግኡ፡ እቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣይረድእዎምን። ንብዙሕ ዓመታት፡ እስራኤላውያን ተሸገሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንየሆዋ፡ ‘በዲልና ኢና። ካብ ኢድ ጸላእትና በጃኻ ኣድሕነና’ በልዎ። ንጣኦታቶም ኣርሒቖም ድማ፡ ንየሆዋ ኼምልኹ ጀመሩ። የሆዋ እውን ድሕሪኡ ኺሽገሩ ኣይደለዮምን።

ይፍታሕ ዝስሙ ተዋጋኢ ኸኣ ንእስራኤላውያን ናብቲ ምስ ዓሞናውያን ዚገብርዎ ውግእ ኪመርሖም ተመርጸ። ንሱ ድማ ንየሆዋ፡ ‘ኣብዚ ውግእ እዚ ኽንዕወት እንተ ሓጊዝካና፡ ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ቤተይ ዚወጽእ ናይ መጀመርታ ሰብ ንዓኻ ክህበካ እየ’ በሎ። የሆዋ ኸኣ ንይፍታሕ ጸሎቱ ሰምዖ፡ ኣብቲ ውግእ ኪዕወት እውን ሓገዞ።

ይፍታሕ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ጓሉ ንዅሉ ሰብ ቀዲማ ኽትቅበሎ ወጸት፣ ንሳ ኸኣ ሓንቲ በይና ውሉዱ ነበረት። ክትወጽእ ከላ እውን፡ ትስዕስዕን ከበሮ ትወቅዕን ነበረት። እሞኸ ይፍታሕ እንታይ ገበረ፧ መብጽዓኡ ስለ ዝዘከረ፡ ‘ኣየ፡ ጓለየ! ልበይ ሴርክዮ። ንየሆዋ ተመባጺዐሉ እየ። መብጽዓይ ምእንቲ ኽፍጽም፡ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዚርከብ ማሕደር ከተገልግሊ ኽሰድደኪ እየ’ በላ። ጓሉ ድማ፡ ‘ኣቦየ፡ ንየሆዋ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ መብጽዓኻ ፈጽም። ምስ መሓዙተይ ኣብ ኣኽራን ከይደ፡ ክልተ ወርሒ ኸሕልፍ ጥራይ ፍቐደለይ። ድሕሪኡ ክኸይድ እየ’ በለቶ። ድሕርዚ፡ ጓል ይፍታሕ ምሉእ ህይወታ ኣብቲ ማሕደር ብተኣማንነት ኣገልገለት። ዓመት ዓመት ድማ፡ መሓዙታ ናብ ሺሎ ኸይደን ይበጽሓኣ ነበራ።

“እቲ ኻባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር፡ . . . ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።”—ማቴዎስ 10:37