ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 39

ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ዚመርሕዎም ፈራዶ ወይ መሳፍንቲ እኳ እንተ ሃቦም፡ ንሳቶም ግና ንጉስ ደለዩ። ንሳሙኤል ከኣ፡ ‘ኣብ ከባቢና ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ንጉስ ኣለዎም። ስለዚ፡ ንዓና ንጉስ ግበረልና’ በልዎ። ሳሙኤል ከኣ፡ እዚ ጌጋ ኸም ዝዀነ ስለ እተሰምዖ፡ ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ጸለየ። የሆዋ ድማ፡ ‘እቶም ሰባት ንዓይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንዓኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ። ንጉስ ኪነግሶም ከም ዚኽእል፡ እቲ ንጉስ ግና ብዙሕ ነገር ኪገብሩ ኸም ዚእዝዞም ንገሮም’ በሎ። ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ፡ ‘ኣይግድሰናን እዩ። ንጉስ ኣንግሰልና’ በልዎ።

ሽዑ፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ ሳኦል ዝስሙ ሰብኣይ ቀዳማይ ንጉስ ከም ዚኸውን ነገሮ። ሳኦል ንሳሙኤል ኣብ ራማ ኺበጽሖ ምስ ከደ ኸኣ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ዘይቲ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ንጉስ ኪኸውን ቀብኦ።

ድሕርዚ፡ ሳሙኤል ንእስራኤላውያን፡ ነቲ ሓድሽ ንጉሶም ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ ኣከቦም። ኣብኡ ግና ንሳኦል ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ምኽንያቱ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቕሑ ተሓቢኡ ነበረ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ካብኡ ወሲዶም ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ኣበልዎ። ሳኦል ድማ ካብ ኵሎም ይነውሕ ነበረ፣ ኣዝዩ መልክዐኛ እውን ነበረ። ሳሙኤል ከኣ፡ ‘ነቲ የሆዋ ዝሓረዮ ርኣይዎ’ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!’ ኢሎም ጨደሩ።

ኣብ መጀመርታ፡ ንጉስ ሳኦል ንሳሙኤል ይሰምዖን ንየሆዋ ይእዘዞን ነበረ። ድሕሪኡ ግና፡ ተቐየረ። መስዋእቲ ምቕራብ፡ ናይ ንጉስ ዕዮ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ክሳዕ ዚመጾ ኺጽበ ነገሮ፣ ሳሙኤል ግና ብግዜኡ ኣይመጸን። ስለዚ፡ ሳኦል ባዕሉ መስዋእቲ ኬቕርብ ወሰነ። እሞኸ ሽዑ ሳሙኤል እንታይ ኢልዎ፧ ‘ትእዛዝ የሆዋ ኽትጥሕስ ኣይነበረካን’ እዩ ኢልዎ። እሞኸ ሳኦል ካብ ጌጋኡ ተማሂሩዶ፧

ኣብ ካልእ ግዜ፡ ሳኦል ምስ ኣማሌቃውያን ንምውጋእ ኪኸይድ ከሎ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ንዋላ ሓደ ብህይወት ከይሓድግ ነገሮ። ሳኦል ግና ንንጉስ ኣጋግ ኣይቀተሎን። የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ‘ሳኦል ሓዲጉኒ እዩ፣ ኣይሰምዓንን እዩ ዘሎ’ በሎ። ሳሙኤል ድማ ብዙሕ ጐሃየ፣ ንሳኦል እውን፡ ‘ንየሆዋ ስለ ዘይትእዘዞ ዘለኻ፡ ካልእ ንጉስ ኪሓሪ እዩ’ በሎ። ሳሙኤል ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሳኦል ብጫፍ ክዳኑ ሓዞ እሞ፡ ክዳኑ ተቐድደ። ሽዑ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ‘የሆዋ ነታ መንግስቲ ኻባኻ ቐዲድዋ ኣሎ’ በሎ። እወ፡ የሆዋ ነታ መንግስቲ፡ ንዕኡ ንዜፍቅሮን ንዚእዘዞን ሰብ ኪህቦ ወሰነ።

“ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ።”—1 ሳሙኤል 15:22