ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 40

ዳዊትን ጐልያድን

ዳዊትን ጐልያድን

የሆዋ ንሳሙኤል፡ ‘ናብ እንዳ እሴይ ኪድ። ሓደ ኻብ ደቂ እሴይ ከኣ፡ ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን እዩ’ በሎ። ስለዚ፡ ሳሙኤል ናብ እንዳ እሴይ ከደ። ነቲ ዓብዪ ወዲ ምስ ረኣዮ፡ ‘ንሱ ኪኸውን ኣለዎ’ ኢሉ ሓሰበ። የሆዋ ግና ንሳሙኤል ንዕኡ ኸም ዘይሓረዮ ነገሮ። ‘ኣነ ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልቢ ሰብ እየ ዝርኢ’ ድማ በሎ።

እሴይ ንዝተረፉ ሽዱሽተ ደቁ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣቕረቦም። ሳሙኤል ግና፡ ‘የሆዋ ንዋላ ሓዲኦም ኣይሓረዮምን። ካልእ ኣወዳት ኣለዉኻዶ፧’ በሎ። እሴይ ከኣ፡ ‘ዳዊት ዚብሃል ምንኣስ ኵሎም ዝዀነ ወደይ ኣሎ። ኣባጊዕ ይጓሲ ኣሎ’ በሎ። ድሕሪኡ፡ ዳዊት ምስ መጸ፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ ‘ንሱ እዩ እሞ፡ ቅብኣዮ’ በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ኣብ ርእሲ ዳዊት ዘይቲ ኣፍሰሰ፡ ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን እውን ቀብኦ።

ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እስራኤላውያን ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዚስሙ ኣዝዩ ገዚፍ ተዋጋኢ ነበሮም። ጐልያድ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ንእስራኤላውያን የባጭወሎም ነበረ። ‘ምሳይ ዚዋጋእ ሰብ ስደዱለይ። ንሱ እንተ ስዒሩኒ፡ ባሮትኩም ክንከውን ኢና። ኣነ እንተ ስዒረዮ ግና፡ ባሮትና ትዀኑ’ ኢሉ እውን ጨደረ።

ዳዊት ከኣ ነቶም ተዋጋእቲ ዝዀኑ ኣሕዋቱ ዚኸውን ምግቢ ሒዙ ናብ ሰፈር ሰራዊት እስራኤላውያን ከደ። ኣብኡ ድማ ንጐልያድ ምስ ሰምዖ፡ ‘ኣነ ምስኡ ኽዋጋእ እየ’ በለ። ንጉስ ሳኦል ከኣ፡ ‘ንስኻ ገና ቘልዓ ኢኻ’ በሎ። ዳዊት ድማ፡ ‘የሆዋ ኺሕግዘኒ እዩ’ ኢሉ መለሰሉ።

ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ኣጽዋሩ ሃቦ፣ ዳዊት ግና፡ ‘ነዚ ኣጽዋር እዚ ተኸዲነ ኽዋጋእ ኣይክእልን እየ’ በለ። ስለዚ፡ ዳዊት ወንጭፉ ሒዙ ናብ ርባ ኸደ። ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሓርዩ ኸኣ፡ ኣብ ከረጺቱ ኣንበረን። ድሕሪኡ፡ ዳዊት ናብ ጐልያድ ጐየየ። ጐልያድ ከኣ፡ ‘ኣታ ቘልዓ፡ ንዓ እሞ፡ ስጋኻ ንኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊትን ክህቦም እየ’ በሎ። ዳዊት ግና በዚ ኣይፈርሀን። ‘ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ትመጸኒ ኣለኻ፣ ኣነ ግና ብስም የሆዋ እመጸካ ኣለኹ። ምስ ኣምላኽ እምበር፡ ምሳና ኣይኰንካን እትዋጋእ ዘለኻ። ኣብዚ ዘሎ ዅሉ ሰብ ድማ የሆዋ ኻብ ሰይፊ ወይ ካብ ኲናት ከም ዚሕይል ኪርኢ እዩ። ንዅላትኩም ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ኺህበና እዩ’ ኢሉ ጨደረ።

ዳዊት ድማ እምኒ ኣብታ ወንጭፉ ገይሩ ብዘለዎ ሓይሉ ወንጨፋ። ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ፡ እታ እምኒ ተወንጪፋ ኸይዳ ኣብ ግምባር ጐልያድ ኣተወት። እቲ ገዚፍ ጐልያድ ድማ ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወደቐ። ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ህይወቶም ንምድሓን ሃደሙ። ንስኻኸ ኸም ዳዊት ኣብ የሆዋ ትውከል ዲኻ፧

“ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ከምኡ ኣይኰነን፣ ብኣምላኽሲ ዅሉ ይከኣል እዩ።”—ማርቆስ 10:27