ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 42

እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን

እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን

እቲ በዅሪ ወዲ ሳኦል ዝዀነ ዮናታን ተባዕ ተዋጋኢ ነበረ። ዳዊት ብዛዕባ ዮናታን፡ ካብ ንስሪ ዚቕልጥፍ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይል ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ፡ ዮናታን ኣብ ሓደ ዅርባ፡ 20 ተዋጋእቲ ፍልስጥኤማውያን ረኣየ። ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ፡ ‘ኣባታቶም መጥቃዕቲ እንፍኑ፡ የሆዋ ምልክት እንተ ሂቡና ጥራይ ኢና። ፍልስጥኤማውያን፡ “ናባና ደይቡ” እንተ ኢሎምና፡ ከነጥቅዖም ኢና’ በሎ። ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን፡ ‘ናባና ደይቡ እሞ ንዋጋእ!’ በልዎም። ስለዚ፡ ክልቲኦም ናብቲ ዅርባ ደይቦም ነቶም ተዋጋእቲ ሰዓርዎም።

ዮናታን በዅሪ ወዲ ሳኦል ስለ ዝነበረ፡ ንኣቦኡ ተኪኡ ኺነግስ ምኸኣለ ነይሩ። ግናኸ፡ የሆዋ ንዳዊት ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ከም ዝሓረዮ፡ ዮናታን ይፈልጥ ነበረ። ይኹን እምበር፡ በዚ ኣይቀንአን። ዮናታንን ዳዊትን ከኣ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኰኑ። ሓደ ነቲ ሓደ ኼዕቍቦን ኪከላኸለሉን ቃል ተኣታተዉ። ከም ምልክት ዕርክነቶም ከኣ፡ ዮናታን ንዳዊት፡ ክዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ዕጣቑን ሃቦ።

ዳዊት ካብ ሳኦል ሃዲሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዮናታን ናብኡ ኸይዱ፡ ‘በርትዕ፡ ትባዕ። የሆዋ ንጉስ ክትከውን ሓርዩካ እዩ። ኣቦይ እውን ነዚ ይፈልጦ እዩ’ በሎ። ከም ዮናታን ዝኣመሰለ እሙን ዓርክስ ምደለኻዶ፧

ዮናታን ንዓርኩ ንምሕጋዝ፡ ብተደጋጋሚ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ። ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ይደሊ ምንባሩ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንኣቦኡ፡ ‘ንዳዊት እንተ ቐቲልካዮ፡ ሓጢኣት ኪዀነካ እዩ። ዋላ ሓንቲ ኣይበደለካን’ በሎ። ሳኦል ከኣ ብዮናታን ብዙሕ ተቘጥዐ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሳኦልን ዮናታንን ኣብ ውግእ ብሓንሳእ ሞቱ።

ዮናታን ምስ ሞተ፡ ዳዊት ንመፊቦሸት ወዲ ዮናታን ደለዮ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ‘ኣቦኻ እሙን ዓርኪ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኽከናኸነካ እየ። ኣብ ቤተ መንግስተይ ክትነብር፡ ኣብ መኣደይ ድማ ክትበልዕ ኢኻ’ በሎ። ስለዚ፡ ዳዊት ንዓርኩ ዮናታን ፈጺሙ ኣይረስዖን።

“ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን።”—ዮሃንስ 15:12, 13