ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 43

ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት

ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት

ንጉስ ሳኦል ምስ ሞተ፡ ዳዊት ነገሰ። ሽዑ ዳዊት ወዲ 30 ዓመት ነበረ። ንገለ ዓመታት ንጉስ ኰይኑ ድሕሪ ምግዛኡ፡ ሓደ ምሸት ኣብ ናሕሲ ቤተ መንግስቱ ዀይኑ፡ ጽብቕቲ ሰበይቲ ረኣየ። ብዛዕባኣ ምስ ሓተተ ድማ፡ ስማ ባትሴባ ምዃኑ፡ ኡርያ ንዚብሃል ተዋጋኢ እውን ሰበይቱ ምዃና ተነግሮ። ዳዊት ንባትሴባ ናብ ቤተ መንግስቱ ኣምጽኣ። ምስኣ ኸኣ ደቀሰ፡ ንሳ እውን ጠነሰት። ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ዝገበሮ ነገር ኪሓብኦ ፈተነ። ንሓለቓ ሰራዊቱ እውን፡ ንኡርያ ኣብ ግምባር ውግእ ኬእትዎ እሞ እቶም ሰራዊት ካብ ድሕሪኡ ኼንሳሕቡ ኣዘዞ። ኡርያ ኣብ ውግእ ምስ ተቐትለ፡ ዳዊት ንባትሴባ ተመርዓዋ።

የሆዋ ግና ንዅሉ እቲ እተገብረ ኽፉእ ረኣዮ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ የሆዋ ንነብዪ ናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከኣ፡ ‘ሓደ ሃብታም ብዙሓት ኣባጊዕ ነበራኦ፣ ሓደ ድኻ ድማ ሓንቲ ኣዝዩ ዚፈትዋ ንእሽቶ በጊዕ ጥራይ ነበረቶ። እቲ ሃብታም ከኣ ነቲ ድኻ፡ ነታ ዘላቶ ሓንቲ በጊዕ ወሰደሉ’ በሎ። ዳዊት ድማ ተቘጢዑ፡ ‘እቲ ሃብታም ኪመውት ይግብኦ እዩ!’ በለ። ሽዑ ናታን ንዳዊት፡ ‘እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ንስኻ ኢኻ’ በሎ። ዳዊት በዚ ብዙሕ ሓዘነ፡ ንናታን ከኣ፡ ‘ንየሆዋ በዲለዮ እየ’ በሎ። እዚ ሓጢኣት እዚ፡ ንዳዊትን ንስድራ ቤቱን ብዙሕ ሽግር ኣምጺኡሎም እዩ። የሆዋ ንዳዊት ቀጺዕዎ እዩ፣ ቅኑዕን ትሑትን ስለ ዝነበረ ግና፡ ብህይወት ኪቕጽል ፈቒዱሉ እዩ።

ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ቤተ መቕደስ ኪሃንጸሉ ደለየ፣ የሆዋ ግና፡ እታ ቤተ መቕደስ ብሰሎሞን ወዲ ዳዊት ክትህነጽ ደለየ። ዳዊት ድማ ንሰሎሞን ዜድልዮ ዘበለ ኼዳልወሉ ጀመረ፣ ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ ዓባይ ክትከውን ኣለዋ። ሰሎሞን ከኣ ገና ንእሽቶ እዩ፣ ስለዚ፡ ከዳልወሉ እየ’ እውን በለ። ንዕዮ ህንጸት ድማ ብዙሕ ገንዘብ ወፈየ። ክኢላታት ሰራሕተኛታት ከኣ ረኸበ። ወርቅን ብሩርን ድማ ኣከበ፣ ካብ ጢሮስን ሲዶንን እውን ዕንጨይቲ ቄድሮስ ኣምጽአ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ ድማ፡ ንሰሎሞን ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ ሃቦ። ‘ነዚ ነገራት እዚ፡ የሆዋ እዩ ኣጽሒፉኒ። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ኣይትፍራህ። በርትዕን ስራሕን’ ኢሉ እውን ተዛረቦ።

“ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።”—ምሳሌ 28:13