ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 44

ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ

ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ

ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ፡ የሆዋ፡ ‘እንታይ ክህበካ ትደሊ፧’ በሎ። ሰሎሞን ከኣ፡ ‘ኣነ ንእሽቶ እየ፡ እንታይ ከም ዝገብር እውን ኣይፈልጥን እየ። ንህዝበይ ምእንቲ ኽከናኸኖም፡ በጃኻ ጥበብ ሃበኒ’ ኢሉ መለሰ። የሆዋ ድማ፡ ‘ጥበበኛ ኽትከውን ስለ ዝለመንካ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ጥበበኛ ሰብ ክገብረካ እየ። ብዙሕ ሃብቲ እውን ክህበካ እየ። እንተ ተኣዚዝካኒ ኸኣ፡ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እየ’ በሎ።

ሰሎሞን ድማ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ጀመረ። ብብሉጽ ወርቅን ብሩርን ዕንጨይትን ኣእማንን ገይሩ እውን ሃነጻ። ኣሽሓት ክኢላታት ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ኣብታ ቤተ መቕደስ ይሰርሑ ነበሩ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ከኣ፡ እታ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ እትውፈየሉ ግዜ ኣኸለ። መሰውኢ ድማ ነበራ፣ ኣብኡ እውን መስዋእትታት ተዳልዩ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ተምበርኪኹ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ብዕቤታ ዀነ ብጽባቐኣ ንዓኻ እትበቅዕ ኣይኰነትን፣ በጃኻ ግና ኣምልኾና ተቐበል፡ ጸሎትና እውን ስማዕ’ ኢሉ ጸለየ። እሞኸ የሆዋ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስን ብዛዕባ እቲ ሰሎሞን ዝጸለዮ ጸሎትን እንታይ ተሰምዖ፧ ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድአ፡ ብኡብኡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ መስዋእትታት በልዖ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ በታ ቤተ መቕደስ ባህ ከም ዝበሎ ገለጸ። እስራኤላውያን እውን ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ተሓጐሱ።

ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብጥበቡ ኣብ ብዘላ እስራኤልን ኣብ ርሑቕ ቦታታትን ተፈልጠ። ሰባት ካብ ጸገማቶም ፍታሕ ኪረኽቡ ኢሎም ናብ ሰሎሞን ይመጹ ነበሩ። ንግስቲ ሳባ እውን ከይተረፈት ብኸቢድ ሕቶታት ክትፍትኖ መጸት። መልሱ ምስ ሰምዐት ድማ፡ ‘ሰባት ብዛዕባኻ ዝነገሩኒ ነገር ኣይኣመንክዎን ነይረ፣ ሕጂ ግና ካብቲ ዝበሉኒ ንላዕሊ ጥበብ ኣሎካ። ኣምላኽካ የሆዋ ባሪኹካ እዩ’ በለቶ። ህይወት ኣብ እስራኤል ጥዑም እዩ ነይሩ፣ እቶም ህዝቢ እውን ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ግና እቲ ዅነታት ተቐየረ።

“እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ።”—ማቴዎስ 12:42