ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 48

ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ

ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ

ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ‘ናብ ሰራጵታ ኺድ። ኣብኣ ድማ ሓንቲ መበለት ክትምግበካ እያ’ በሎ። ኤልያስ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ዕንጨይቲ ኽትኣሪ ረኣየ። ንሱ ድማ ማይ ከተስትዮ ሓተታ። ክትከይድ ከላ ኸኣ፡ ‘በጃኺ ቝራስ እንጌራ ኣምጽእለይ’ በላ። እታ መበለት ግና፡ ‘ንዓኻ ዝህበካ እንጌራ የብለይን። ንዓይን ንወደይን ዚኣክል ሓርጭን ዘይትን ጥራይ እዩ ዘሎኒ’ በለቶ። ኤልያስ ድማ፡ ‘ንዓይ እንጌራ እንተ ጌርክለይ፡ ዝናም ክሳዕ ዚዘንም፡ እቲ ሓርጭን እቲ ዘይትን ከም ዘይውዳእ የሆዋ ቓል ኣትዩ ኣሎ’ በላ።

ስለዚ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ቤታ ኸይዳ፡ ነቲ ነብዪ የሆዋ እንጌራ ኣዳለወትሉ። ከምቲ የሆዋ እተዛረቦ ድማ፡ እቲ ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እታ መበለትን ወዳን ዚብላዕ እንጌራ ኣይሰኣኑን። እቲ ሓርጭን እቲ ዘይትን ከቶ ኣይተወድአን።

ድሕሪኡ፡ ሓደ ዜሕዝን ነገር ኰነ። ወዲ እታ መበለት ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ሞተ። ንሳ ኸኣ ንኤልያስ ኪሕግዛ ለመነቶ። ሽዑ፡ ኤልያስ ነቲ ቘልዓ ኻብ ሕቝፋ ተቐቢሉ ናብታ ኣብ ደርቢ እትርከብ ክፍሊ ወሰዶ። ኣብ ዓራቱ ኣደቂሱ ድማ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ነዚ ቘልዓ ኣተንስኣዮ’ ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ነቲ ቘልዓ ምትንሳኡ ስለምንታይ ዜደንቕ ነገር ከም ዝዀነስ ትፈልጥዶ፧ ምኽንያቱ፡ ክሳዕ ሕጂ ኸም እንፈልጦ፡ ቅድሚኡ ኻብ ሞት ዝተንስአ ሰብ ኣይነበረን። እታ መበለትን ወዳን ከኣ እስራኤላውያን ኣይነበሩን።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ሞት ተንሲኡ ኼተንፍስ ጀመረ! ኤልያስ ድማ ነታ መበለት፡ ‘ርኣዪ! ወድኺ ህያው ኰይኑ’ በላ። ንሳ ኸኣ ኣዝያ ተሓጐሰት እሞ ንኤልያስ፡ ‘ንስኻ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኢኻ። የሆዋ ዝበለካ ጥራይ ስለ እትዛረብ እየ ነዚ ፈሊጠ’ በለቶ።

“ንኳዃት እሞ ኣስተብህሉሎም፦ ኣምላኽ ይምግቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ፡ ኣይዓጽዱ፣ ቆፎ ወይስ ማዕከን እውን የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩምዶ ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧”—ሉቃስ 12:24