ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 49

ሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቐጽዐት

ሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቐጽዐት

ንጉስ ኣከኣብ ብመስኰት ቤተ መንግስቱ ነቲ ናቦት ዚብሃል ሰብ ዚውንኖ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺርእዮ ይኽእል ነበረ። ኣከኣብ ከኣ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቱ ኺገብሮ ደለየ፣ ካብ ናቦት እውን ኪዕድጎ ፈተነ። ርስቲ ምሻጥ ምስ ሕጊ የሆዋ ዚጻረር ስለ ዝነበረ ግና፡ ናቦት ነቲ መሬት ምሻጡ ኣበየ። እሞኸ ኣከኣብ ንናቦት ቅኑዕ ብምግባሩ ኣኽቢርዎዶ፧ ኣየኽበሮን። የግዳስ፡ ኣከኣብ ኣመና ተቘጥዐ። ብዙሕ ስለ ዝሓረቐ፡ ካብ መደቀሲኡ ኣይወጸን፡ ምብላዕ እውን ኣበየ።

እታ ሰበይቲ ኣከኣብ ዝዀነት እክይቲ ንግስቲ ኢዛቤል ከኣ፡ ‘ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ። ዝደለኻዮ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ነቲ መሬት ክህበካ እየ’ በለቶ። ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ደብዳበታት ጸሓፈት፣ ኣብተን ደብዳበታት ከኣ፡ ናቦት ንኣምላኽ ከም ዝረገመ ገይሮም ኪኸስስዎ፡ ድሕሪኡ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኣዘዘቶም። እቶም ዓበይቲ ድማ ከምቲ ኢዛቤል ዝበለቶም ገበሩ። ድሕሪኡ፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ‘ናቦት ሞይቱ እዩ። ኣታኽልቲ ወይኑ ናትካ እዩ’ በለቶ።

ኢዛቤል ነቲ ንጹህ ዝነበረ ናቦት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ንዜፍቅሩ ብዙሓት ሰባት እውን ቀተለት። ብዘይካዚ፡ ጣኦታት ተምልኽ፡ ካልእ ክፉእ ነገራት እውን ትገብር ነበረት። የሆዋ ድማ ንዅሉ እቲ ኢዛቤል ዝገበረቶ ኽፉእ ተግባራት ይርእዮ ነበረ። እሞኸ እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧

ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ ወዱ ዮራም ነገሰ። የሆዋ ኸኣ፡ ንኢዛቤልን ንስድራ ቤታን ንምቕጻዕ፡ የሁ ንዝስሙ ሰብኣይ ለኣኾ።

የሁ ድማ ሰረገላ ተወጢሑ ናብቲ ኢዛቤል ዝነበረትሉ ይዝርኤል ኪኸይድ ጀመረ። ዮራም ከኣ ምስ የሁ ኺራኸብ ናብኡ ኸደ እሞ፡ ‘ኣብ መንጎና ሰላም ኣሎ ድዩ፧’ በሎ። የሁ ድማ፡ ‘ኣዴኻ ኢዛቤል እኩይ ተግባር ክሳዕ ዝገበረት፡ ሰላም ኣይኪህሉን እዩ’ በሎ። ዮራም ከኣ ሰረገላኡ ጠውዩ ኺሃድም ፈተነ። የሁ ግና ፍላጻ ወርዊሩ ንዮራም ወግኦ፣ ንሱ እውን ሞተ።

ድሕሪኡ፡ የሁ ናብ ቤተ መንግስቲ ኢዛቤል ከደ። ኢዛቤል ከኣ የሁ ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠት፡ ኣዒንታ ተዃሒላ፡ ጸጕሪ ርእሳ ተሰሪሓ፡ በቲ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ መስኰት ተጸበየቶ። የሁ ምስ መጸ ድማ፡ ብሕማቕ ቃላት ሰላምታ ሃበቶ። የሁ ኸኣ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣገልገልታ፡ “ኣጽድፍዋ!” በሎም። ንሳቶም ድማ በቲ መስኰት ኣጽደፍዋ፣ ናብ ባይታ ወዲቓ እውን ሞተት።

ድሕሪኡ፡ የሁ ን70 ደቂ ኣከኣብ ቀተሎም፣ ነታ ምድሪ እውን ካብ ኣምልኾ በዓል ኣጽረያ። የሆዋ ዅሉ ነገር ከም ዚፈልጥን ኣብ ግቡእ ግዜኡ ነቶም ክፉእ ዚገብሩ ኸም ዚቐጽዖምንሲ ርኢኻዶ፧

“ኣብ ፈለማ ብስስዐ እተረኽበ ርስቲ፡ ኣብ መወዳእታ ኣይባረኽን።”—ምሳሌ 20:21