ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 50

የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ

የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ

ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ መሰውኢታት በዓልን ጣኦታትን ኣጥፍኦ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ ሕግታት የሆዋ ኺሕልዉ ይደልዮም ነበረ። ስለዚ፡ ነቶም ህዝቢ ሕግታት የሆዋ ምእንቲ ኺምህርዎም፡ መሳፍንትን ሌዋውያንን ናብ ኵላ ይሁዳ ሰደደ።

እቶም ኣብ ከባቢ ይሁዳ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ የሆዋ ምስ ህዝቡ ኸም ዝዀነ ስለ ዝፈለጡ፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መጥቃዕቲ ምፍናው ፈርሁ። ንንጉስ ዮሳፋጥ እውን ህያባት ኣምጽኡሉ። ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን ካብ ዞባ ሰዒር ዝዀኑ ህዝብን ግና ምስ ይሁዳ ኺዋግኡ መጹ። ዮሳፋጥ ከኣ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ፈለጠ። ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ድማ ናብ የሩሳሌም ኣከቦም። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከኣ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ብዘይ ብኣኻ፡ ክንስዕር ኣይንኽእልን ኢና። እንታይ ከም እንገብር በጃኻ ንገረና’ ኢሉ ጸለየ።

የሆዋ ነቲ ጸሎቱ ኺምልስ ከሎ ድማ፡ ‘ኣይትፍርሁ። ኣነ ኽሕግዘኩም እየ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸም ዘድሕነኩም ርኣዩ’ በለ። እሞኸ የሆዋ ብኸመይ ኣድሓኖም፧

ንጽብሒቱ፡ ዮሳፋጥ ዘመርቲ ሓርዩ፡ ቀቅድሚ እቲ ሰራዊት ከም ዚኸዱ ገበረ። ካብ የሩሳሌም ነቒሎም ከኣ ናብ ዓውደ ውግእ፡ ናብታ ተቆዓ እትብሃል ቦታ ተጓዕዙ።

እቶም ዘመርቲ ዓው ኢሎም ብታሕጓስ ንየሆዋ ኺውድስዎ ኸለዉ ኸኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ ተዋግኣሎም። ንዓሞናውያንን ንሞኣባውያንን ከኣ ተደናጊሮም ንሓድሕዶም ከም ዚዋግኡ ገበሮም፣ ዋላ ሓደ እውን ኣይተረፈን። የሆዋ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ንተዋጋእቶምን ንኻህናቶምን ኣዕቈቦም። ኵሎም እቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ሰምዑ፣ የሆዋ ንህዝቡ ይከላኸለሎም ከም ዘሎ እውን ፈለጡ። የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዜድሕኖም፧ ብብዙሕ መገድታት ኬድሕኖም ይኽእል እዩ። ካብ ሰባት ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ።

“ኣብዚ ውግእ እዚ ኽትዋግኡ ኣይኬድልየኩምን እዩ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡ እቲ የሆዋ ምእንታኹም ዚገብሮ ድሕነት ርኣዩ።”—2 ዜና መዋእል 20:17