ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 54

የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ

የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ

ነበርቲ እታ ነነዌ እትብሃል ከተማ ኣሶራውያን እኩያት ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ንነብዪ ዮናስ ናብ ነነዌ ኸይዱ፡ መገድታቶም ኪቕይሩ መጠንቀቕታ ኺህቦም ኣዘዞ። ዮናስ ግና ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ሃደመ። ናብ ተርሲስ ናብ እትኸይድ መርከብ ተሰቒሉ እውን ጕዕዞ ጀመረ።

እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ኸላ ድማ፡ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ፣ እቶም ባሕረኛታት እውን ኣዝዮም ፈርሁ። ናብ ኣማልኽቶም ከኣ ጸልዩ፡ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ዚኸውን ዘሎ፧’ ኢሎም እውን ሓተቱ። ኣብ መወዳእታ፡ ዮናስ፡ ‘ብሰረይ እዩ። ካብቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ እሃድም እየ ዘለኹ። ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ እሞ፡ እቲ ማዕበል ኪሃድእ እዩ’ በሎም። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ባሕረኛታት ንዮናስ ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ኣይደለዩን፣ ንሱ ግና ከምኡ ኺገብሩ ነገሮም። ናብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ ኸኣ፡ እቲ ማዕበል ሃድአ።

ዮናስ ዚመውት መሲልዎ ነበረ። ናብ ውሽጢ ባሕሪ ኺጥሕል ከሎ ድማ፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። ሽዑ፡ የሆዋ ዓብዪ ዓሳ ሰደደ። እቲ ዓሳ ድማ ንዮናስ ከይቀተለ ወሓጦ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ዀይኑ፡ ‘ወትሩ ኽእዘዘካ መብጽዓ እኣቱ ኣለኹ’ ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ድማ ንዮናስ፡ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲ ብደሓን ከም ዚጸንሕ ድሕሪ ምግባር፡ ነቲ ዓሳ ናብ ንቑጽ ምድሪ ኸም ዚተፍኦ ገበሮ።

የሆዋ ንዮናስ ስለ ዘድሓኖ፡ ዮናስ ድሕሪኡ ናብ ነነዌ ኪኸይድ ኣይነበሮን ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። የሆዋ መሊሱ ንዮናስ ናብ ነነዌ ኪኸይድ ኣዘዞ። ሽዑ ኸኣ፡ ዮናስ ከምቲ እተኣዘዞ ገበረ። ናብታ ኸተማ ኸይዱ ድማ፡ ነቶም እኩያት ሰባት፡ ‘ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትጠፍእ እያ’ በሎም። ድሕሪኡ ግና፡ ዘይተጸበዮ ነገር ኰነ፣ እቶም ሰብ ነነዌ ሰሚዖም መገድታቶም ቀየሩ። ንጉስ ነነዌ ኸኣ ንህዝቡ፡ ‘ናብ ኣምላኽ ተማህለሉን ተነስሑን። ምናልባት ኣየጥፍኣናን ይኸውን’ በሎም። የሆዋ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኸም እተነስሑ ምስ ረኣየ፡ ንነነዌ ኣየጥፍኣን።

ዮናስ ከኣ፡ እታ ኸተማ ስለ ዘይጠፍአት፡ ተቘጥዐ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ንዮናስ ተዓጊስዎን ምሒርዎን እዩ፣ ዮናስ ግና ንህዝቢ ነነዌ ኣይመሓሮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከንፈሩ ጀሊዑ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ተኽሊ ሓምሓም ኮፍ በለ። ድሕሪኡ፡ እታ ተኽሊ ሓረረት፣ ዮናስ ድማ ተቘጥዐ። ስለዚ፡ የሆዋ ንዮናስ፡ ‘ንስኻ ኻብ ሰብ ነነዌ ንላዕሊ ብዛዕባ እዛ ተኽሊ ኢኻ እትሓሊ። ኣነ ስለ ዝመሓርክዎም እዮም ድሒኖም’ በሎ። እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ህዝቢ ነነዌ ኻብ ዝዀነ ተኽሊ ንላዕሊ ኣገዳስነት ነይርዎም እዩ።

“የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ።”—2 ጴጥሮስ 3:9