ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 57

የሆዋ ንኤርምያስ ኪሰብኽ ለኣኾ

የሆዋ ንኤርምያስ ኪሰብኽ ለኣኾ

የሆዋ ንኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ንህዝቢ ይሁዳ ኼገልግሎም ሓረዮ። ነቶም ህዝቢ ኺሰብከሎምን ካብ ክፉእ መገዶም ኪምለሱ ኼጠንቅቖምን ድማ ነገሮ። ኤርምያስ ግና፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ኣነ ቘልዓ እየ። ንሰባት ከመይ ገይረ ኸም ዝዛረቦም ኣይፈልጥን እየ’ በሎ። የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣይትፍራህ። እንታይ ከም እትብል ክነግረካ እየ። ኣነ ኽሕግዘካ እየ’ በሎ።

የሆዋ ንኤርምያስ፡ ንዓበይቲ እቶም ህዝቢ ኣኪቡ፡ ኣብ ቅድሚኦም ንሓንቲ ሳርማ ኺሰብራ እሞ፡ ‘የሩሳሌም ልክዕ ከምዚ ኽትሰባበር እያ’ ኺብሎም ነገሮ። ኤርምያስ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ምስ ገበረ ግና፡ እቶም ዓበይቲ ብዙሕ ተቘጥዑ። ጳሽሑር ዝስሙ ኻህን ንኤርምያስ ኣብ ጕንዲ ኣሰሮ። ኤርምያስ ምሉእ ለይቲ ኺንቀሳቐስ ኣይከኣለን። ንጽብሒቱ፡ ጳሽሑር ፈትሖ። ኤርምያስ ከኣ፡ ‘ሕጂ ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑ እዩ። ስብከት ክሓድጎ እየ’ በለ። ኰይኑ ግና፡ ሓዲግዎዶ፧ ኣይሓደጎን። ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ብዝያዳ ምስ ሓሰበ፡ ‘መልእኽቲ የሆዋ ኣብ ውሽጠይ ከም ሓዊ እዩ። ስብከት ክሓድጎ ኣይክእልን እየ’ በለ። ስለዚ፡ ኤርምያስ ነቶም ህዝቢ የጠንቅቖም ነበረ።

ብዙሕ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ኣብ ይሁዳ ሓድሽ ንጉስ ነገሰ። እቶም ካህናትን እቶም ናይ ሓሶት ነብያትን ከኣ ንመልእኽቲ ኤርምያስ ይጸልእዎ ነበሩ። ነቶም መሳፍንቲ ኸኣ፡ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኪመውት ይግብኦ እዩ’ በልዎም። ኤርምያስ ድማ፡ ‘እንተ ቐቲልኩምኒ፡ ንጹህ ሰብ ኢኹም ትቐትሉ ዘለኹም። ኣነ ቓል የሆዋ ደኣ እየ ተዛሪበ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ተዛሪበ’ በሎም። እቶም ካህናት ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኪመውት ይግብኦ እዩ’ በሉ።

ኤርምያስ ስብከቱ ደው ኣየበለን፣ እቶም መሳፍንቲ ድማ ብዙሕ ተቘጥዑ። ነቲ ንጉስ ከኣ፡ ንኤርምያስ ኪቐትሎ ሓተትዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ዝደለይዎ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ነገሮም። ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ ወሲዶም ጭቃ ኣብ ዝመልኦ ዓሚቝ ዒላ ደርበይዎ፣ ኣብኡ ኺመውት እውን ተስፋ ገይሮም ነበሩ። ኤርምያስ ድማ ኣብቲ ጭቃ ኺጥሕል ጀመረ።

ሽዑ፡ ዔቤድ-ሜሌክ ዝስሙ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ንንጉስ፡ ‘እቶም መሳፍንቲ ንኤርምያስ ናብ ዒላ ደርብዮምዎ! ኣብኡ እንተ ሓዲግናዮ፡ ኪመውት እዩ’ ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ድማ ንዔቤድ-ሜሌክ፡ 30 ሰብኡት ምስኡ ኺወስድ እሞ፡ ንኤርምያስ ካብቲ ዒላ ኼውጽእዎ ነገሮ። ኤርምያስ ዝዀነ ይኹን ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠሞ ስብከቱ ደው ኣየበለን። ንሕናኸ ኸምኡ ኽንከውንዶ ኣይግብኣናን፧

“ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም፣ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።”—ማቴዎስ 10:22