ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 58

የሩሳሌም ጠፍአት

የሩሳሌም ጠፍአት

ህዝቢ ይሁዳ ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ሓዲጎም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣምለኹ። ንብዙሕ ዓመታት ድማ፡ የሆዋ ኺሕግዞም ፈተነ። ኬጠንቅቕዎም ኢሉ እውን ብዙሓት ነብያት ሰደደሎም፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ነብያት ኣላገጹሎም። እሞኸ የሆዋ ነቲ ኣምልኾ ጣኦቶም ከመይ ገይሩ መወዳእታ ገይሩሉ፧

ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንብዙሓት ኣህዛብ ይስዕር ነበረ። ንየሩሳሌም ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሰዓራ፡ ንንጉስ ዮያኪንን ነቶም መሳፍንትን ነቶም ተዋጋእትን ነቶም ኢደ ጥበበኛታትን ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተረኽበ ዅሉ መዛግብቲ እውን ወሰዶ። ድሕሪኡ፡ ነቡካድነጻር ንጼዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ።

ኣብ መጀመርታ፡ ጼዴቅያስ ንነቡካድነጻር ይእዘዞ ነበረ። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣህዛብን እቶም ናይ ሓሶት ነብያትን ግና ንጼዴቅያስ ካብ ባቢሎን ኪዓሉ መኸርዎ። ኤርምያስ ከኣ፡ ‘እንተ ዓሊኻ፡ ኣብ ይሁዳ፡ ቅትለትን ጥሜትን ሕማምን ኪኸውን እዩ’ ኢሉ ኣጠንቀቖ።

ጼዴቅያስ ንሸሞንተ ዓመት ድሕሪ ምግዛኡ፡ ካብ ባቢሎን ዓለወ። ንሰራዊት ግብጺ ድማ ኪሕግዝዎ ሓተቶም። ድሕሪኡ፡ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ንምጥቃዕ ሰራዊቱ ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። ኤርምያስ ድማ ንጼዴቅያስ፡ ‘ኢድካ ንባቢሎን እንተ ሂብካ፡ ንስኻን እዛ ኸተማን ከም እትድሕኑ፡ የሆዋ ይብል ኣሎ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ ግና፡ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብሓዊ ኼንድድዋ፡ ንዓኻ እውን ኣሲሮም ኪወስዱኻ እዮም’ በሎ። ጼዴቅያስ ግና፡ ‘ኢደይ ኣይህብን እየ’ በለ።

ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን፡ ሰራዊት ባቢሎን ነቲ መካበብያ የሩሳሌም ኣፍሪሶም ኣተዉ እሞ፡ ነታ ኸተማ ብሓዊ ኣንደድዋ። ነታ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣንደድዋ፡ ንብዙሓት ሰባት ድማ ቀተልዎም፡ ንኣሽሓት እውን እሱራት ገይሮም ወሰድዎም።

ጼዴቅያስ ከኣ ካብ የሩሳሌም ኣምለጠ፣ ባቢሎናውያን ግና ደድሕሪኡ ሰዓቡ። ኣብ ጥቓ ያሪኮ ሒዞም ድማ ናብ ነቡካድነጻር ኣምጽእዎ። ንጉስ ባቢሎን ከኣ፡ ጼዴቅያስ እናረኣየ ንደቁ ቐተሎም። ድሕሪኡ፡ ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ኣሰሮ፣ ኣብኡ ኸኣ ሞተ። የሆዋ ግና ንህዝቢ ይሁዳ፡ ‘ድሕሪ 70 ዓመት፡ ናብ የሩሳሌም ክመልሰኩም እየ’ ኢሉ ኣተስፈዎም።

እሞ ደኣ ነቶም ብንእስነቶም ናብ ባቢሎን እሱራት ኰይኖም እተወስዱ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ቀጺሎምዶ፧

“ኣታ ዅሉ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ፍርድታትካ ሓቅን ቅኑዕን እዩ።”—ራእይ 16:7