ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 59

ንየሆዋ እተኣዘዙ ኣርባዕተ መንእሰያት

ንየሆዋ እተኣዘዙ ኣርባዕተ መንእሰያት

ነቡካድነጻር ንመሳፍንቲ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሽፈናዝ ዝስሙ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ገበሮም። ነቡካድነጻር ከኣ ንኣሽፈናዝ፡ ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎምን በላሕትን መንእሰያት ኪረክብ ኣዘዞ። እቶም መንእሰያት ድማ ሰለስተ ዓመት ኪስልጥኑ ነበሮም። እቲ ስልጠና እቲ ኸኣ ነቶም መንእሰያት ኣብ ባቢሎን ኣገደስቲ ሰበ ስልጣን ኪዀኑ ዜዳልዎም ነበረ። እቶም መንእሰያት ድማ ምንባብን ምጽሓፍን ኪምሃሩ፡ ቋንቋ ባቢሎናውያን እውን ኪኽእሉ ነበሮም። ከምቲ እቲ ንጉስን ኣብ ቤተ መንግስቱ ዚርከቡ ሰባትን ዚበልዕዎ ዓይነት ምግቢ ኺበልዑ እውን ትጽቢት ይግበረሎም ነበረ። ኣርባዕተ ኻብቶም መንእሰያት ከኣ፡ ዳንኤል፡ ሓናንያ፡ ሚሻኤል፡ ዓዛርያ ይብሃሉ ነበሩ። ኣሽፈናዝ ድማ፡ ቤልጥሻጽር፡ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሓድሽ ስማት ኣውጽኣሎም። እሞኸ እዚ ትምህርቲ እዚ ንየሆዋ ምግልጋል ከም ዚሓድግዎ ገይርዎምዶ፧

እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ቘሪጾም ነበሩ። ብመሰረት ሕጊ የሆዋ፡ ገሊኡ ኻብቲ ንንጉስ ዚቐርብ ዝነበረ ምግቢ ርኹስ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ምግቢ ኺበልዑ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ፡ ንኣሽፈናዝ፡ ‘ምግቢ ንጉስ ክንበልዕ በጃኻ ኣይተገድደና’ በልዎ። ኣሽፈናዝ ከኣ፡ ‘እንተ ዘይበሊዕኩም እሞ፡ ንጉስ ድማ ከም ዝሓመምኩም መሲሉ እንተ ተራእይዎ፡ ኪቐትለኒ እዩ’ በሎም።

ሽዑ፡ ዳንኤል ሓደ ሓሳብ ኣምጽአ። ንሓላዊኦም ከኣ፡ ‘ንዓሰርተ መዓልቲ ኣሕምልትን ማይን ጥራይ ሃበና። ድሕሪኡ፡ ምስቶም ምግቢ ንጉስ ዚበልዑ መንእሰያት ኣወዳድረና’ በሎ። እቲ ሓላዊ ድማ ምስኡ ተሰማምዐ።

ንዓሰርተ መዓልቲ ምስ ፈተኖም ከኣ፡ ዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኹን ካብቶም ካልኦት መንእሰያት ዝጠዓዩ ዀይኖም ተራእዩ። የሆዋ ድማ፡ ንዕኡ እዙዛት ብምዃኖም ባህ በሎ። ንዳንኤል እውን ራእያትን ሕልምታትን ኪርዳእ ዜኽእሎ ጥበብ ሃቦ።

እቲ ስልጠና ምስ ተወድአ፡ ኣሽፈናዝ ነቶም መንእሰያት ናብ ነቡካድነጻር ወሰዶም። እቲ ንጉስ ከኣ ምስ ተዛረቦም፡ ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ካብ ካልኦት መንእሰያት ዚበልጽ ምስትውዓልን ንቕሓትን ከም ዘለዎም ረኣየ። ንኣርባዕቲኦም ከኣ ኣብ ቤተ መንግስቱ ኺሰርሑ መረጾም። ስለዚ፡ እቲ ንጉስ ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባ ኣገዳሲ ጕዳያት ምኽሪ ይሓትቶም ነበረ። ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዓታቶም ካብቶም ናይቲ ንጉስ ጥበበኛታትን ገበርቲ ስሒርን ዚበልጽ ጥበብ ሂብዎም ነበረ።

ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ኣብ ዓዲ ጓና እኳ እንተ ነበሩ፡ ህዝቢ የሆዋ ምዃኖም ኣይረስዑን። ንስኻኸ ወለድኻ ምሳኻ ኣብ ዘይህልዉሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ንየሆዋ ኽትዝክሮ ዲኻ፧

“ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም።”—1 ጢሞቴዎስ 4:12