ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 63

ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት

ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት

ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኰነ። ሓደ ምሸት፡ ኣብታ ሃገሩ ንዚርከቡ ኣሽሓት ሰበ ስልጣን ድራር ዓደሞም። ንገላዉኡ ድማ፡ ነቲ ነቡካድነጻር ካብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝወሰዶ ጽዋኣት ወርቂ ኼምጽእዎ ኣዘዞም። ቤልሻጽርን ዕዱማቱን ድማ በቲ ጽዋኣት እናሰተዩ ንኣማልኽቶም ወደሱ። ብሃንደበት፡ ኢድ ሰብ ተራእየት እሞ ኣብቲ ኣብ መመገቢ ኣዳራሽ ዚርከብ መንደቕ ምስጢራዊ ቓላት ጸሓፈት።

ሽዑ፡ ቤልሻጽር ተሸበረ። ነቶም ገበርቲ ስሒር ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ነዘን ቃላት እዚአን ኪገልጸለይ ዚኽእል እንተ ኣልዩ፡ ኣብ ባቢሎን ሳልሳይ ገዛኢ ኺገብሮ እየ’ ኢሉ ቓል ኣተወሎም። ንሳቶም ድማ ዝፈተኑ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ነተን ቃላት ኪገልጹሉ ኣይከኣሉን። ሽዑ፡ ንግስቲ መጸት እሞ፡ ‘ንነቡካድነጻር ዚገልጸሉ ዝነበረ ዳንኤል ዝስሙ ሰብኣይ ኣሎ። ንሱ ነዘን ቃላት እዚአን ኪገልጸልካ ይኽእል እዩ’ በለቶ።

ዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ መጸ። ቤልሻጽር ድማ፡ ‘ነዘን ቃላት እዚአን ከተንብበንን ትርጉመን ክትገልጸለይን እንተ ኽኢልካ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽገብረልካ፡ ኣብ ባቢሎን እውን ሳልሳይ ገዛኢ ኽገብረካ እየ’ በሎ። ዳንኤል ከኣ ከምዚ በሎ፦ ‘ህያባትካ ኣይደልን እየ፣ እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ማለት ምዃነን ግና ክነግረካ እየ። ኣቦኻ ነቡካድነጻር ዕቡይ እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ድማ ኣዋሪድዎ። ንሱ እንታይ ከም ዝዀነ እናፈለጥካ ኽነስኻ፡ በቲ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝመጸ ጽዋኣት ወርቂ ጌርካ ብምስታይ ንየሆዋ ንዒቕካዮ። ስለዚ፡ እተን ኣምላኽ ዝጸሓፈን ቃላት ከምዚ ይብላ፦ መኔ፡ መኔ፡ ቴቄል፡ ፋርሲን። እዘን ቃላት እዚአን ከኣ፡ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ንባቢሎን ከም ዚስዕርዋ፡ ንስኻ እውን ካብ ንግስነትካ ኸም እትወርድ የመልክታ።’

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ባቢሎን ዘይትስዓር እያ እትመስል ነይራ። እታ ኸተማ ብድልዱል መካበብያን ብዓሚቝ ፈለግን እተኸብበት እያ ነይራ። በታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኣጥቅዕዋ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ ተዋጋእቱ ናብ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ምእንቲ ኺምርሹ ኢሉ ነቲ ፈለግ መገዱ ኣቐየሮ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ፡ እቲ ማዕጾ ተኸፊቱ ጸንሖም። እቶም ሰራዊት ከኣ ብእኡ ኣትዮም ነታ ኸተማ ሰዓርዋ፡ ንንጉሳ እውን ቀተልዎ። ሽዑ፡ ቂሮስ ገዛኢ ባቢሎን ኰነ።

ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ፡ ቂሮስ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ ‘የሆዋ ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ዳግም ክሃንጻ ኣዚዙኒ እዩ። ካብ ህዝቡ ኺሕግዝ ዚደሊ ዘበለ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።’ ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ካብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ድሕሪ 70 ዓመት ናብ ዓዶም ተመልሱ። ቂሮስ ከኣ ነቲ ነቡካድነጻር ካብታ ቤተ መቕደስ ዝወሰዶ ብወርቅን ብብሩርን እተሰርሐ ጽዋኣትን ኣቕሑን መለሶ። እሞኸ፡ የሆዋ ንቂሮስ፡ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉስ ርኢኻዶ፧

“እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ! ማሕደር ኣጋንንቲ . . . ዀይና!”—ራእይ 18:2