ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 64

ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ

ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ

ዳርዮስ እቲ ሜዶናዊ ድማ፡ ካልእ ንጉስ ባቢሎን ነበረ። ዳርዮስ ከኣ፡ ዳንኤል ፍሉይ ሰብ ምዃኑ ረኣየ። ስለዚ፡ ንዳንኤል ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሸሞ። እቶም ሰበ ስልጣን ግና ንዳንኤል ቀንኡሉ፡ ኬጥፍእዎ እውን ደለዩ። ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ናብ የሆዋ ኸም ዚጽሊ ድማ ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ፡ ንዳርዮስ፡ ‘ኦ ንጉስ፡ ኵሉ ሰብ ናባኻ ጥራይ ኪጽሊ ሕጊ ኣውጽእ። ነቲ ሕጊ እቲ ዝጠሓሰ ሰብ ከኣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ይደርበ’ በልዎ። ዳርዮስ ድማ ነቲ ሓሳቦም ፈተዎ፡ ነቲ ሕጊ እውን ፈረመሉ።

ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። ኣብ ቅድሚ እተኸፍተት መስኰት ከኣ፡ ተምበርኪኹ ናብ የሆዋ ጸለየ። እቶም ቀናኣት ሰባት ድማ ናብ ቤቱ ጥሒሶም ኣተዉ እሞ፡ ኪጽሊ ኸሎ ሓዝዎ። ተቐላጢፎም ናብ ዳርዮስ ከይዶም ከኣ፡ ‘ዳንኤል ኣይእዘዘካን እዩ ዘሎ። ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ናብ ኣምላኹ ይጽሊ ኣሎ’ በልዎ። ዳርዮስ ድማ ንዳንኤል ይፈትዎ ነበረ፣ በዚ ምኽንያት እዚ እውን፡ ኪቐትሎ ኣይደለየን። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ንዳንኤል ዜድሕነሉ መገዲ ኺረክብ ፈተነ። ኰይኑ ግና፡ ንጉስ እውን እንተ ዀነ ነቲ እተፈረመሉ ሕጊ ኪቕይሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ከይፈተወ ንዳንኤል ናብ ጕድጓድ ሕሱማት ኣናብስ ኪድርብይዎ ኣዘዞም።

በታ ለይቲ እቲኣ፡ ዳርዮስ ብዳንኤል ብዙሕ ስለ እተሻቐለ፡ ኪድቅስ ኣይከኣለን። ምስ ነግሀ፡ ቀልጢፉ ናብቲ ጕድጓድ ከደ እሞ ንዳንኤል ጸዊዑ፡ ‘ኣምላኽካ ኣድሒኑካዶ፧’ በሎ።

ሽዑ፡ ዳርዮስ ምላሽ ሰምዐ። ዳንኤል እዩ መሊሱሉ! ንሱ ኸኣ ንዳርዮስ፡ ‘የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ። ንሳቶም እውን ኣይጐድኡንን’ በሎ። ዳርዮስ ድማ ኣዝዩ ተሓጐሰ! ንዳንኤል ካብቲ ጕድጓድ ኬውጽእዎ ኸኣ ኣዘዘ። ዳንኤል ዋላ ሓንቲ እውን ኣይተሓንፈጠን። ሽዑ፡ ንጉስ፡ ‘ነቶም ንዳንኤል ዝኸሰስዎ ሰባት ናብቲ ጕድጓድ ደርብይዎም’ ኢሉ ኣዘዘ። ነቶም ሰባት ናብቲ ጕድጓድ ምስ ደርበይዎም ከኣ፡ እቶም ኣናብስ በልዕዎም።

ሽዑ፡ ዳርዮስ ናብ ህዝቡ፡ ‘ኵሉ ሰብ ንኣምላኽ ዳንኤል ይፍርሃዮ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ኣናጊፍዎ እዩ’ ኢሉ ትእዛዝ ለኣኸ።

ንስኻኸ ኸም ዳንኤል፡ መዓልቲ መዓልቲ ናብ የሆዋ ትጽሊ ዲኻ፧

“የሆዋ ነቶም ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ።”—2 ጴጥሮስ 2:9