ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 68

ኤልሳቤጥ ወለደት

ኤልሳቤጥ ወለደት

ድሕሪ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ልዕሊ 400 ዓመት ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዘካርያስ ዝስሙ ካህንን ሰበይቱ ኤልሳቤጥን ኣብ ጥቓ ኸተማ የሩሳሌም ይነብሩ ነበሩ። ካብ ዚምርዓዉ ነዊሕ ዓመታት ገይሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ፡ ዘካርያስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዕጣን ኪዓጥን ከሎ፡ ገብርኤል መልኣኽ ተራእዮ። ዘካርያስ ድማ ፈርሀ፣ ገብርኤል ግና፡ ‘ኣይትፍራህ። ካብ የሆዋ ብስራት እየ ኣምጺአልካ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ስሙ እውን ዮሃንስ ክትብሎ ኢኻ። የሆዋ ንዮሃንስ ንፍሉይ ዕዮ ሓርይዎ ኣሎ’ በሎ። ዘካርያስ ከኣ፡ ‘ከመይ ገይረ ኽኣምነካ እኽእል፧ ኣነን ሰበይተይን ስለ ዝኣረግና፡ ውሉድ ክንወልድ ኣይንኽእልን ኢና’ በሎ። ገብርኤል ድማ፡ ‘ኣነ ነዚ ብስራት እዚ ኽነግረካ ኻብ ኣምላኽ እየ ተላኢኸ። ስለ ዘይኣመንካኒ ግና፡ እቲ ሕጻን ክሳዕ ዚውለድ፡ ምዝራብ ክትስእን ኢኻ’ በሎ።

ዘካርያስ ከኣ ኣብታ መቕደስ ደንጐየ። ኣብ መወዳእታ ምስ ወጸ ድማ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዝነበሩ ህዝቢ እንታይ ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ደለዩ። ዘካርያስ ግና ኪዛረብ ኣይከኣለን። ብኢዱ ጥራይ እዩ ኼመልክትሎም ዚኽእል ዝነበረ። ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ፡ ዘካርያስ ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ኸም ዝመጾ ፈለጡ።

ድሕርዚ፡ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎ፡ ኤልሳቤጥ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ፈተውታን ኣዝማዳን ከኣ ነቲ ሕጻን ኪርእይዎ መጹ። ምስኣ ድማ ብዙሕ ተሓጐሱ። ኤልሳቤጥ ከኣ፡ ‘ዮሃንስ ተባሂሉ እዩ ኺስመ’ በለቶም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ካብ ቤተ ሰብኪ ዮሃንስ እተሰምየ የልቦን። ብስም ኣቦኡ፡ ዘካርያስ ኢልኪ ስመይዮ’ በልዋ። ዘካርያስ ግና፡ ‘ስሙ ዮሃንስ እዩ’ ኢሉ ጸሓፈሎም። ሽዑሽዑ ኸኣ፡ ዘካርያስ መሊሱ ኺዛረብ ከኣለ! ብዛዕባ እቲ ሕጻን ድማ ኣብ ብዘላ ይሁዳ ተወርየ፣ ሰባት እውን፡ ‘እዚ ሕጻን እዝስ ምስ ዓበየ እንታይ ኪኸውን እዩ፧’ ኢሎም ሓሰቡ።

ሽዑ፡ ዘካርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ‘የሆዋ ይወደስ። ዜድሕነና መድሓኒ ወይ መሲሕ ከም ዚሰድድ ንኣብርሃም ኣተስፍይዎ ነይሩ እዩ። ዮሃንስ ነብዪ ኪኸውን እዩ፣ ንመሲሕ እውን መገዲ ኼዳልወሉ እዩ’ ኢሉ ተነበየ።

ንማርያም ዘመድ ኤልሳቤጥ እውን ሓደ ፍሉይ ነገር ኣጋጢምዋ እዩ። ኣብ ዚቕጽል ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

“እዚ ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ።”—ማቴዎስ 19:26